ንፕረዚደንት ባንግላዲሽ ዝቐንጸለ ወተሃደር ድሕሪ 25 ዓመታት ብማሕነቕቲ ተቐጺዑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ 1975 ዓ.ም.ፈ፤ ንመራሒ ቃልሲ ናጽነት ባንግላዲሽ ብምቕታል ዝተኸሰ ወተሃደር፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ብማሕነቕቲ ተቐጺዑ።
እቲ ኣብዱል ማጂድ ዝበሃል ወተሃደር፡ ፕረዚደንታዊ ምሕረት ክግበረሉ ዘቕረቦ ሕቶ ተቐባልነት ምስ ዝተነጽበ እዩ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ዳካር ብማሕነቕቲ ተቐቲሉ።
ኣብ ቅንጸላ ፕረዚደንት ነበር ሴኽ ሙጂቡር ራህማ ከምዝተሳተፈ ብቤት ፍርዲ ዝተረጋገጸ ኾይኑ፡ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ተሓቢኡ ጸኒሑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
እቲ ዝተቐንጸለ ፕረዚደንት ነበር፡ ኣቦኣ ነዛ ኣብ ስልጣን ዘላ ቀዳመይቲ ሚኒሰተር ሓሲና እዩ ነይሩ። ኣቡኣ፡ 1975 ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ዝበዝሑ ስድራ-ቤቱ እዩ ተቐቲሉ።
እቲ መራሒ፡ ሃገሩ ካብ ፓኪስታን ነጻ ምስ ወጽአት ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት እዩ ተቐቲሉ።
ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ እቲ ኣብቲ ቅንጸላ ከምዝተሳተፈ ዝግለጽ ማስጅድ፡ ጓል ናይቲ ዝተዓለወ መራሒ ወይዘሮ ሓሲና ኣብ 1996 ዓ.ም.ፈ ብመረጻ ናብ ስልጣን ክሳብ እትመጽእ፡ ኣብታ ዓዲ ከምዝጸንሐ እዩ ዝእመን።
ድሕሪኡ ግን፡ ኣብ ህንዲ ተሓቢኡ ከምዝጸንሐ ይንገር።
ንሳ ናብ ስልጣን ምስ መጽአት፡ መንግስቲ ናይታ ዓዲ ነቲ ቀተልቲ ኣቦኣ ከይክሰሱ ዝኽልክል ዝነበረ ሕጊ ውድቂ ገይርዎ።
ኣብ 1998 ድማ፡ ንማጂድ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኣብቲ ቅንጸላ ዝተሳተፉ ብሞት ክቕጽዑ ተፈሪድዎም።
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ባንግላድሽ ኣብ 2009 ነቲ ወሳነ ስለዝደገፈ፡ ካብ መንጎ 'ቶም ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፉ ሓሙሽተ ሽዑ ንሽዑ ተቐቲሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







