ወለዲ፡ ዓርሶም ንምሕጋዝ ውሉዶም እንትኸሱ

መግለጺ ገንዘበን ቆልዓን ዝሓዙብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኣይን ሰበይትን

ኩል ግዘ ወደይ "ጽቡቕ ቆልዓ'ዩ ነይሩ" ይብል ኣቡ ታሄር።

ኣቡ ታሄር፡ ንዓመታት ኣብ ባንግላድሽ ቺታጎንግ ንኡሽቶ መሸጢት ክዳን ሹቕ የመሓድር ነይሩ። ድሒሩ ግን፡ ንኡሽቶ ገንዘብ ሒዙ ጥሮታ እንትወጽእ፡ ኣብ ኢድ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ጓሉን ወዱን ይወድቕ።

"ወድና ክነዕቢ ኣነን ሰበይተይን ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኢና ኢልና" ዝብል ታሄር፡ "ምስ ተመርዐወ ግን ተለዊጡ፤ ስድርኡ ምሕጋዝ ጠጠው ኣቢሉ" ይብል።

ዋላ'ኳ ካብ ጓሉ ሓገዝ ይረክብ እንተነበረ፡ ታሄር ግን ብዙሕ ተጸጊሙ። እዚ ወዲ 75 ዓመት ሰብኣይ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን፤ እንታይ ድኣ፡ ኣብ ልዕሊ ወዱ ሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳድ።

"ንዓይ ከቢድ ውሳኔ'ዩ ነይሩ። ንነዊሕ ግዘ ኩሉ ሰብ ኣብ ርእሲ ወደይ መዝገብ ኽሲ ክኸፍት ይጉትጉተኒ ነይሩ። ኣይከውንን ኢለ'ኳ እንተጸናሕኹ፡ ካልእ መማረጺ ምስ ሰኣንኩ ግን መዝገብ ከፊተ"።

ሰራሕተኛ ባንኪ ዝኾነ ወዱ መሓመድ ሻህጃሃን ግን፡ ስድርኡ ከም ዝሕግዝ ብምግላጽ፡ ወላዲኡ ንዕኡ "ንምጽልእላእ" ከም ዝገበሮ ይዛረብ።

ስድራን ውሉድን

ስድራን ውሉድን ምፍልላይ ኣብ ዝኾነ ቦታ ከጋጥም ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ከም እምነት ታሄር ግን ኣብ ዓለም ከጋጥም ዝኽእል ነገር ኣይኮነን።

ንሱ፡ ወለዶም ክሕግዙ ዘይኽኣሉ ቆልዑ ክኽሰሱ ዝድግፍ ሕጊ ኣተሓሕዛ ወለዲ ማሊዥያ ጠቒሱ'ዩ ኣብ ልዕሊ ወዱ መዝገብ ኸፊቱ።

ብዙሓት ግዝኣታት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ተመሳሳሊ ሕጊ'ኳ እንተሃለወን፡ ብዙሕ ግዘ ግብራዊ ዝኾኑ ኣይኮኑን። ኣብ ኤሽያ ግን ሓሓሊፉ የገልግል።

ናይ ምሕጋዝ ግቡእ

ሲንጋፑር ሓንቲ ኣብነት እያ።

ንርእሶም ክሕግዙ ዘይኽእሉ ብዕድመ ዝደፍኡ ስድራ፡ ብመሰረት ሕጊ ኣተሓሕዛ ስድራ እታ ሃገር ካብ ውሉዶም ገንባዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ።

እንተዘይኮይኑ፡ ንኽሲ ዝኸውን መዝገብ ኣብ ልዕሊ ደቆም ከፊቶም ቤት ፍርዲ ይግትሩዎም።

መግለጺ ኣብ ሹቕ ዘሎ ሰብኣይ

እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ወርሓዊ ዓስቢ ወይ ድማ ኣኣብ ዝኾነ እዋን ዝኽፈል መጠን ገንዘብ ይውስን።

ባህላዊ ባህርታት

ቻይና፣ ህንድን ባንግላድሽን ብዕድመ ካብ ዝደፍኡ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝቐርበለን ጠለብ ንምምላስ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ተመሳሳሊ ስርዓት ኣተኣታቲወን'የን። ዶክተር ሴራኖ፡ እዚ "መሊስኻ ናይ ምርካብ" ሓሳብ'ዩ ክብል ይገልጾ።

"ዓብዪ ቆልዓ ኮይንካ ምስ ስድራኻ ዘይትነብር እንተኾይንካ፡ እንተውሓደ ክትሕግዞም ኣለካ" ይብል።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ቆልዑ መቐዕጻዕቲ ገንዘብን ማእሰርትን ይገጥሞም'ዩ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ቻይና ግዝኣት ሲቹና ዘጋጠመ ጉዳይ ምርኣይ ይካል። ሓሙሽተ ኣባጽሕ ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዶም ኣይንሕግዝን ብምባሎም፡ ክሳብ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም'ዩ።

ግደ ሃገር

እቶም ሕግታት ኣብ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕብሓብ ስድራ ዘይኮኑ፡ ኣብ ናይ ኣረጋውያን ድኽነት ትኹረት ይገብሩ።

እቲ ማሕበረሰብ ዕድመ እናደፍአ እንትኸይድ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ሃገር'ዩ ጸቕጡ እናበዝሐ ዝመጽእ።

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኣብ 2020 ዕድሚአም 60ን ልዕሊኡን ዝኾኑ ሰባት፡ ካብ ትሕቲ 5 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት በሊጾም ከም ዝርከቡ ይገልጽ።

ኣብ 2050 ድማ፡ 80 ሚኢታዊት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብ ትሑትን ማእኸላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ከም ዝነብሩ የቐምጥ።

መግለጺ፡ ሓደ ሰብኣይን ህንጻታትን

ዶክተር ሴራኖ፡ ኣብ ሲንጋፖር ዘለዉ ንኣረጋውያን ክትከናኸን ዝእዝዙ ስርዓታት "ሰባት ዘዳቕቑ'ዮም" ክብል ይገልጽ።

ክሳብ ሕጂ እዚ ፖሊሲ ኣብ ኣሜሪካን ብሪጣኒኣን ተቓውሞ ዝገጥሞ'ዩ። ሙሁር ሃርቫርድ ፕሮፌሰር ጀምስ ሳቢን፡ ከምዚኦም ዝበሉ ሕግታት ኣብ ኣሜሪካ'ውን ዝተኣታተውሉ ዕድል ክህሉ ከም ዝኽእል'ዩ ዝዛረብ።

"ገለ ሰባት ስድራይ ኣርሒቖምኒ፣ ስድራይ ወጺዖምኒ ወይ በዲሎምኒ ክብሉ ትሰምዕ ኢኻ። ናይዚ ግልባጥ ክኣ ወለዲ ይሓቱ ኣለው" ይብል።

"ከምዚኦም ንዝበሉ ማሕበራውን ስነ ልቦናውን ፍርዲታት ግን ኣብ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ክንምርኮዝ ኣለና ኣይብልን" እውን ኢሉ።

ንሚስተር ታሄር ግን፡ እዚ ኣብ ባንግላዲሽ ዘሎ ስርዓት ሓጊዝዎ'ዩ።

ንውዱ ቤት ፍርዲ ሒዙ ቀሪቡ፤ ውላዱ ድማ 10 ሽሕ ታካ [119 ዶላር] ወርሓዊ ንኣቡኡ ክኸፍል ተሰማሚዑ።