ኣሜሪካዊ ራፐርን ኮኾብ ተዋሳእን ሉዳ ክሪስ ዜግነት ጋቦን ረኺቡ

ሉዳ ክሪስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሉዳ ክሪስ ሰለስተ ግራሚ ኣዋርድ ረኺቡ

ኣፍሪቃ-ኣሜሪካዊ ራፐርን ተዋስኣይን ሉዳ ክሪስ ሓደ ካብቶም ዜግነት ኣፍሪቃዊ ሃገራት ዝወሰዱ ፍሉጣት ኣሜሪካውያን ኮይኑ'ሎ።

ሉዳ ትኽክለኛ ስሙ ክሪስቶፈር ብሪያን ብሪጅስ'ዩ። በዓል ልደት ኣብ ዘሕለፈላ ጋቦን ዜግነት ተዋሂብዎ'ሎ። በዓልቲ ቤቱ ኢዩዶክሴ ቦጒንጊ ጋቦናዊት እያ።

ንሱ ብትዊተሩ ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ቪድዮ፡ ፓስፖርት ጋቦን ሒዙ ይረኣይ። ኣዲኡን ክልተ ኣጓላት ደቁን እውን ዜግነት ናይታ ሃብቲ ነዳዲ ዘለዋ ንእሽቶ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከምዝረኸባ ኣረጋጊጹ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

በዓል መን ዜግነት ኣፍሪቃውያን ሃገራት ረኺቦም?

ኣብ ቀረባ ዓመታት ብዙሓት ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን ፍሉጣት ሰባት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዜግነት ረኺቦም'ዮም።

ካልኦት ብዙሓት ድማ ናብታ መበቆሎም ናብ ዝኾነት ኣፍሪቃ ገይሾም።

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ኮኾብ ተዋስኣይን ኣሰናዳእን ሳሙኤል ኤል ጃክሰን፡ ፓስፖርት ጋቦን ሒዚ ምምላሱ ይዝከር።

ንኣፍሪቃ ኣሜሪካውያን ተቐቢላ ዘተኣናገደት ሃገር ጋቦን ጥራይ ኣይኮነትን። ካልኦት ሃገራት'ውን ንዝመጽእወን ኣጋይሽ ተቐቢለን ዜግነት ብምሃብ ኣፋንየን'የን።

ኣብ ወርሒ ግንቦት 2019 ናብ ኤርትራ መገሻ ዝገበረት ተዋዛይት [ኮሜድያን]ን ተዋሳኢትን ቲፋኒ ሓድሽ'ውን ናይታ ሃገር ዜግነት ረኺባ እያ።

ነቲ ገባርን ሓዳግን መንግስቲ ብዘርኣየቶ ደገፍ ሕጉሳት ዘይኮኑ ሰባት ድማ ነቒፎምዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ከኣ ጋና ኣብ ዘዳለወቶ ዓብዪ ጽምብል፡ 126 ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያንን ኣፍሮ ካሪብያውያንን ናይታ ሃገር ዜግነት ረኺቦም።

ዝለዓለ መረዳእታ ወይ ዳታ ዲኤንኤ [ኣሰር ዘርኢ] ኣፍሪቃውያን ዝሓዘ ሓደ ኣሜሪካዊ ትካል ከምዝሕብሮ፡ ብዙሓት ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን መበቆሎምን ታሪኽ ቤተሰቦምን ንምፍላጥ ዝለዓለ ድልየት ኣለዎም።

ኣስታት 12.5 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ብንግዲ ባርነት ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተወሰዱሉ እዋን፡ ዝበዝሑ ባሮት ኣብ ውሽጢ 400 ዓመታት መንነቶም እናጠፍአ ከይዱ፤ ታሪኾም'ውን ተደምሲሱ።

"ኣያታትና/ኣዴታትና ብእምነቶም ተስፋ ኣይቀብጹን ነይሮም። ንሕልናናን መንፈስናን ፈጺምኩም ክትኣስሩ ኣይትኽእሉን። ናብዚ ንኽምለስ ኣተባቢዖምኒ'ዮም" ክብል ሉዳ ክሪስ ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፉ።

Skip Instagram post
ንትሕዝቶ Instagram ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Instagram ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Instagram ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of Instagram post

ሳሙኤል ኤል ጃክሰን ዜግነት ጋቦን ክረክብ ዝኸኣለ፡ መቦቆል ፍሉጣት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ንምርካብ ኣብ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልሚ ብዝተገበረሉ ምርመራ ዲኤንኤ፡ ጋቦናዊ መቦቆል ከምዘለዎ ምስተረጋገጸ እዩ።

ውጽኢት ምርመርኡ፡ ኣብ ጋቦን ናይ ዘሎ ቤንጋ ዝተበሃለ ዓሌት መቦቆል ከምዘለዎ እዩ ኣረጋጊጽሉ።

ሳሜአል ኤል ጃክሰን ኣብ 2019 ናብ ጋና በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሳሜአል ኤል ጃክሰን ኣብ 2019 ናብ ጋና በጺሑ

እዚ ኣሜሪካዊ ኮኾብ ተዋስኣይ፡ ምስ ንጉስ ህዝቢ ቤንጋ ኮይኑን ካልኦትን ኣብታ ሃገር ዝተስኣሎም ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጠቂዑ።

መንግስቲ ጋና ብወገኑ፡ ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያንን ጸለምቲ ዲያስፖራን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ንምትብባዕ 'ዓመተ ምልሰት' [The year of Return] ብዝብል ዓመታዊ ጽምብል ከዳልው ጀሚሩ'ሎ።