ኣሜሪካዊ ራፐርን ኮኾብ ተዋሳእን ሉዳ ክሪስ ዜግነት ጋቦን ረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣፍሪቃ-ኣሜሪካዊ ራፐርን ተዋስኣይን ሉዳ ክሪስ ሓደ ካብቶም ዜግነት ኣፍሪቃዊ ሃገራት ዝወሰዱ ፍሉጣት ኣሜሪካውያን ኮይኑ'ሎ።
ሉዳ ትኽክለኛ ስሙ ክሪስቶፈር ብሪያን ብሪጅስ'ዩ። በዓል ልደት ኣብ ዘሕለፈላ ጋቦን ዜግነት ተዋሂብዎ'ሎ። በዓልቲ ቤቱ ኢዩዶክሴ ቦጒንጊ ጋቦናዊት እያ።
ንሱ ብትዊተሩ ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ቪድዮ፡ ፓስፖርት ጋቦን ሒዙ ይረኣይ። ኣዲኡን ክልተ ኣጓላት ደቁን እውን ዜግነት ናይታ ሃብቲ ነዳዲ ዘለዋ ንእሽቶ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከምዝረኸባ ኣረጋጊጹ።
በዓል መን ዜግነት ኣፍሪቃውያን ሃገራት ረኺቦም?
ኣብ ቀረባ ዓመታት ብዙሓት ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን ፍሉጣት ሰባት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዜግነት ረኺቦም'ዮም።
ካልኦት ብዙሓት ድማ ናብታ መበቆሎም ናብ ዝኾነት ኣፍሪቃ ገይሾም።
ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ኮኾብ ተዋስኣይን ኣሰናዳእን ሳሙኤል ኤል ጃክሰን፡ ፓስፖርት ጋቦን ሒዚ ምምላሱ ይዝከር።
ንኣፍሪቃ ኣሜሪካውያን ተቐቢላ ዘተኣናገደት ሃገር ጋቦን ጥራይ ኣይኮነትን። ካልኦት ሃገራት'ውን ንዝመጽእወን ኣጋይሽ ተቐቢለን ዜግነት ብምሃብ ኣፋንየን'የን።
ኣብ ወርሒ ግንቦት 2019 ናብ ኤርትራ መገሻ ዝገበረት ተዋዛይት [ኮሜድያን]ን ተዋሳኢትን ቲፋኒ ሓድሽ'ውን ናይታ ሃገር ዜግነት ረኺባ እያ።
ነቲ ገባርን ሓዳግን መንግስቲ ብዘርኣየቶ ደገፍ ሕጉሳት ዘይኮኑ ሰባት ድማ ነቒፎምዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ከኣ ጋና ኣብ ዘዳለወቶ ዓብዪ ጽምብል፡ 126 ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያንን ኣፍሮ ካሪብያውያንን ናይታ ሃገር ዜግነት ረኺቦም።
ዝለዓለ መረዳእታ ወይ ዳታ ዲኤንኤ [ኣሰር ዘርኢ] ኣፍሪቃውያን ዝሓዘ ሓደ ኣሜሪካዊ ትካል ከምዝሕብሮ፡ ብዙሓት ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን መበቆሎምን ታሪኽ ቤተሰቦምን ንምፍላጥ ዝለዓለ ድልየት ኣለዎም።
ኣስታት 12.5 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ብንግዲ ባርነት ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተወሰዱሉ እዋን፡ ዝበዝሑ ባሮት ኣብ ውሽጢ 400 ዓመታት መንነቶም እናጠፍአ ከይዱ፤ ታሪኾም'ውን ተደምሲሱ።
"ኣያታትና/ኣዴታትና ብእምነቶም ተስፋ ኣይቀብጹን ነይሮም። ንሕልናናን መንፈስናን ፈጺምኩም ክትኣስሩ ኣይትኽእሉን። ናብዚ ንኽምለስ ኣተባቢዖምኒ'ዮም" ክብል ሉዳ ክሪስ ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፉ።
ሳሙኤል ኤል ጃክሰን ዜግነት ጋቦን ክረክብ ዝኸኣለ፡ መቦቆል ፍሉጣት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ንምርካብ ኣብ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልሚ ብዝተገበረሉ ምርመራ ዲኤንኤ፡ ጋቦናዊ መቦቆል ከምዘለዎ ምስተረጋገጸ እዩ።
ውጽኢት ምርመርኡ፡ ኣብ ጋቦን ናይ ዘሎ ቤንጋ ዝተበሃለ ዓሌት መቦቆል ከምዘለዎ እዩ ኣረጋጊጽሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ኣሜሪካዊ ኮኾብ ተዋስኣይ፡ ምስ ንጉስ ህዝቢ ቤንጋ ኮይኑን ካልኦትን ኣብታ ሃገር ዝተስኣሎም ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጠቂዑ።
መንግስቲ ጋና ብወገኑ፡ ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያንን ጸለምቲ ዲያስፖራን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ንምትብባዕ 'ዓመተ ምልሰት' [The year of Return] ብዝብል ዓመታዊ ጽምብል ከዳልው ጀሚሩ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







