ካብ ኣስመራ ተጻዒኑ ንከተማ ባህርዳር ዘወቀበ ኣግራብ ስየ

ኣብ ማእከል ከተማ ባህር ዳር ዝተተኽሉ ኣግራብ ስየ ነታ ከተማ ከም መለለዪኣ እዮም ዝረኣዩ። እዞም ኣግራብ ቅድሚ 60 ዓመት ዝተተኽሉ ኮይኖም፡ ዘትከሉዎም ድማ ኣቶ ዋሴ አካሉ ዝበሃሉ ሰብ እዮም።
እዞም በዓል ጸጋ ዕድመ፡ ሕዚ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ይነብሩ። ንሓምሳ ዓመታት ኣብ ዝጸንሐ ናይ ስራሕ ዕድሚኦም፡ ብዝተፈላለዩ ሞያታት ኣገልጊሎም እዮም።
ኣብ ሓደ እዋን፡ ሓላፊ ጽርየትን ኣግራብን ከተማ ባህር ዳር ኮይኖም የግልግሉ ነይሮም። ኣብቲ እዋን ንሱ እዮም እምበኣር፡ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኣግራብ ስየ ዘትከሉ።
ብዛዕባ'ዚ ቢቢሲ ንኣቶ ዋሴ አካሉ ኣዘራሪብዎም።
ዕድሚኦም ክንደይ ገይሮም?
95 ዓመት ገይረ።
ቆልዑ ኣለውዎም ዶ?
10 ቆልዑ ወሊደ እቶም 4 ብህይወት የለውን።
ንኽንደይ ዓመት ሰሪሖም?
ሕዚ ኣብ ጡረታ እየ ዘለኹ፡ ኣብ መበል 55 ዓመተይ ጡረታ ወጺአ። መሳርሕተይ ብዙሓት እዮም ነይሮም። ሕዚ [ብህይወት ዘለዉ] 10 ኣይመልኡን።

ኣግራብ ስየ ከተማ ባህር ዳር ብኸመይ ተተኺሎም?
ሓላፊ ጽርየትን ኣግራብን ከተማ ባህር ዳር ኮይነ ይሰርሕ ነይረ። ፊታውራሪ ሃብተማርያም [ኣመሓዳሪ ከተማ ባህር ዳር ዝነበሩ] ነቲ ስየ ኣምጺኦምዎ። ብሸሞንተ መኪና ተጻዒኑ እዩ መጺኡ።
እቲ ኣግራብ ስየ መዓዝ እዩ መጺኡ?
እቲ ስየ 1949 [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] እዩ ካብ ኣስመራ መጺኡ። እቲ ስየ ክትከል ከሎ፡ ሽዑ ሰብ ሓዲሽዎ ነይሩ። ሕዚ ግን ገይጺ ከተማ ባህር ዳር ክኸውን በቒዑ።
ውጽእ ኢለ ክርእዮ ከለኹ፡ ደስ ይብለኒ። ብፍላይ ኣብ እዋን ክረምቲ ብጣዕሚ እየ ዝፈትዎ።
ምትካል መዓዝ ተጀሚሩ?
ቅድሚ 63 ዓመት ምስመጸ፡ ሽዑ ንሽዑ እዩ ምትካል ተጀሚሩ። ይዝክር እየ ጥቅምቲ 01/1949 [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] እዩ ምትካል ተጀሚሩ።
ንሶምከ ሽዑ ምስቶም ሸቃሎ ሰሪሖም ዶ?
ዋና ደኣ መን ድዩ ነይሩ?! ከምዚ ገይርካ ትኸል፡ ከምዚ ገይርካ ኣስትዮ እብል ነይረ። ነዚ ኹሉ ባዕለይ እየ ተኸታቲለዮ። ነቶም ይተኽሉ ዝነበሩ 50 ሰባት ባዕለይ እየ ዘዋፍሮም ነይረ።
ፊታውራሪኸ እንታይ ይብሉ ነይሮም?
ፊታውራሪ ጸዊዑካ እበሃል እሞ እኸይድ። ሜስ ሰትየ ብርንዶ በሊዐ እምለስ።
ነዚ ኣበርክቶኦም እንታይ ተገይሩሎም?
ሕዚ ገዛ ይሰራሓሉ ተባሂሉ፡ በዓል ሰለስተ ክፍሊ ገዛ ይህነጸለይ ኣሎ።
ኣብ ገዝኦም ከ ስየ ተኺሎም ዶ?
ኣብ ገዛይስ ኣይተኸልኩን ነታ ከተማ ደኣ'ምበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







