ተመኩሮ ኣብ ከተማ መቐለ ዝነብሩ ኤርትራውያን
![ኤርትራውያን መናእሰይ ኪዳነ ገብረሚካኤልን ኣርሴማ ሰመረን [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/D83A/production/_108545355_3.jpg.webp)
ደበና ጽልእን ኲናትን ተቐንጢጡ፡ ሃዋህው ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስተፈጠረ ንብዓት ሓዘንን ጓህን ዛርዩ ብንብዓት ሓጎስን ተስፋን ተተኪኡ።
ንከባቢ 20 ዓመታት ብሓጹር 'ኣይሰላም - ኣይኲናት' ተፈላልዮም ዝጸንሑ ህዝብታት ክልተ ሃገራት፡ ዶብ ሰጊሮም ክራኸቡ ምስ ከኣሉ ዝሓለፈ ክሳራ ብጽቡቕ መጻኢ ንኸካሓሕስዎ ብሂጎም።
ካብን ናብን ዶብ እናሰገሩ ዓመታት ተዓቚሩ ዝጸንሐ ናፍቖት ክውጽኡ ተራእዮም። ዶብ ካብ ዝተኸፈተላ መዓልቲ ጀሚሩ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብ ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ድማ ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዞም።
ምስ ስድራ፣ ፈታውን መሓዛን እናተራኸብካ ሓጎስካ ካብ ምግላጽ ብተወሳኺ፡ ኤርትራውያን ነጋዶ ናብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ኢትዮጵያ ከኣ ናብ ኤርትራ ዝተፈላለዩ ሸቐጣት እናመላለስካ ውዕውዕ ንግዲ ክካየድ ጀሚሩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ንብዙሓት ግልጺ ብዘይኮነ ምኽንኣት፡ ጸኒሑ ድማ 'ሕጋዊ ኣሰራርሕን ኣካይዳን ንኽህልዎ' ብዝብል እቲ ርክብ ነዊሕ ከይጸንሐ ክቋረጽ ተገይሩ'ዩ። ዛጊድ ድማ እቲ ዝተብሃለ መስርሕ ሕጋውነት ኣብ መሬት ኣይወረደን። ከምኡ ኾይኑ'ውን ግን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ባሕቲ መስከረም፡ ሀ ኢሉ ዝጀመረ ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ወዲኡ ኣይተቛረጸን።
ኤርትራውያን ኣብ መቐለ
ንዶብ ዛላምበሳ ሰጊሮም ናብ ከተማ ዓዲግራት፡ ካብኡ ድማ ናብ መቐለ ዝኣተዉ ኤርትራውያን 'ክንድዚ እዮም' ኢልካ ብቑጽሪ ምግላጽ'ኳ እንተዘይተኽኣለ፡ ብኣሽሓት ዝግመቱ ምባል ግን ይከኣል'ዩ።
ንከተማ መቐለ ማእኸል ብምግባር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ምስ ዝነበሩ ዘመድ ኣዝማዶምን መሓዙቶምን ተራኺቦም። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብታ ከተማ ንምንባር ብምውሳን ናብራ ዝሰረቱ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣለዉ።
ኣርሴማ ሰመረ ሓንቲ ካብቶም ኣብ መቐለ ምንባር ዝጀመሩ ኤርትራውያን'ያ። ቅድሚ ዓስርተ ወርሒ ናብ ከተማ መቐለ ዝመጽአት ኮይና፡ ኣብ ከባቢ ሮማናት [ኣብ ሕምብርቲ መቐለ ዝርከብ ቦታ] ኣብ እንዳ ቀምቓማይ ትሰርሕ።
ካብ ሃገራ ወጺኣ ዝጀመረቶ ሓድሽ ናብራ ብዝምልከት ክትዛረብ ከላ "ከተማ መቀለ ንሰራሕ ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ቦታ እዩ፤ ልክዕ ከምቲ ወዲ ዓዲ ኢና ንረአ፤ ዝኾነ ንሕተቶ ነገር የለን" ክትብል ትዛረብ።
ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ ጉጅለ 'ባህላዊ ማእገር ናይ ባህላዊ ጉዳያት' ድምጻዊትን ተልሃይትን'ያ ነይራ። ብርግጽ ኣብ ከተመ መቐለ በቲ ዝነበረትሉ ዓውዲ ስነጥበብ ብምሉእ ዓቕማን ድልየታን ክትቕጽል ኣይከኣለትን።
"ኣብዚ ጎና ጎኒ እዚ ናይ እንዳ ቀምቃማይ ስራሕ፡ ስሕት ስሕት ኢለ ኣብ 'ባርን ናይት ክለብን' ይጻውት እየ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከኣ ንጽል ደርፊ ናብ ህዝቢ ክፍኑ እየ" ክትብል ካብ ስነጥበብ ክትፍለ ድልየታ ከምዘይኮነ ተረድእ።

ኪዳነ ገብረሚካኤል'ውን ንሰላማዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ዕድል ተጠቒሙ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ብልሙድ 'ቀበሌ 16' ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ኣብ እንዳ ቀምቃማይ ዝሰርሕ ካልእ ኤርትራዊ እዩ።
ኣብዚ ክሰርሕ ዝመረጸሉ ምኽንያት ከረድእ ከሎ ድማ፡ "ኣብዚ ንኽንሰርሕ ብመንግስቲ ይኹን በቶም ኣስራሕቲ ውልቀ ሰባት ንሕተቶ ዝኾነ ዓይነት ወረቐት የለን" ይብል።
ብኸመይ ይነብሩ?
ኣብቲ ክልል ዝተፈለየ መስርሕ ሕጊ ኣይውጻእ'ምበር፡ ብሃገር ደረጃ ኤርትራውያን ካብ ካልኦት ዜጋታት ብዝበለጸ ሰሪሖም ክነብሩን ንብረት ከፍርዩን ዘኽእል እቲ ዝጸንሐ ኣዋጅ በሊጹ ተመሓየሹ 'ዩ።
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኤርትራውያን ኣብ ትግራይ መጺኦም ከምልቦም ክነብሩ፣ ክሰርሑን ክነግዱን ብነጻነት ክንቀሳቐሱን ከምዘበረታትዑ ኣፍሊጦም ነይሮም።
መንእሰይ ኪዳነ፡ "ኣብ ከተማ ክትነብር እንተኾይንካ ስደተኛ ምዃንካ ዝሕብር ወረቐት ሒዝካ ኢኻ ትንቀሳቐስ። ክሳብ ሕጂ ናትና ትካል ክንገብር ኣይተፈቐደናን፤ ግን ክፍቐድ'ዩ ይብሃል ስለዘሎ ኣብ ቀረባ ክኸውን ተስፋ ንገብር" ይብል።
ሰላም ብርሃነ፡ ናብ ትግራይ መቐለ ንመጀመርታ ግዜ ከምዝመጽአት ትዛረብ። ካብ እትመጽእ ትሽዓተ ወርሒ መሊኡዋ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣንዳ መደበር መጻሕፍቲ ተቖጺራ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።
"ብዙሕ ኣፈላላይ የብልናን። አዘራርባናን ኣነባብራናናን ሓደ'ዩ። ዘመሳስለና ብዙሕ ነገር ስለዘሎ ደስ ይብለካ። ክጸንሕ ሓሳብ ኣይነበረንን፤ ስለዝፈተኽዎ ግን ኣብዚ ተሪፈ" ክትብል ነቲ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ዘሎ ምቅርራብ ተረድእ።
"ንመቐለ ከምቲ ግምተይን ትጽቢተይን ኣይኮነትን ረኺበያ። ገና ትመስለኒ ነይራ" እትብል ሰላም፡ ኣብ ጽቡቕ ብርኪ [ደራጃ] ምዕባላ ዘላ ከተማ ኮይና ከምዝረኸበታን ከምዝፈተወታን ትዛረብ።
እዞም ኤርትራውያን በታ ስደትኛታት ምዃኖም እትሕብርን መንነት እትገልጽን ወርቐት'ዮም ክንቀሳቐሱ ዝኽእሉ። ዝደለይዎ ኣገልግሎት ንምርካብ ከምዘይጽገሙ ድማ ይዛረቡ።
ገለ ባንክታት ናይ ባንኪ ሕሳብ ክኸፍቱ ከምዘፍቅዳሎምን በዚ ተጠቀምቲ ከምዝኾኑን ብምሕባር፡ ገለ ባንክታት ግን ነዚ ከፍቅዳሎም ብዘይምኽኣለን ዝጽገሙ ምህላዎም ይገልጹ።
"ህዝብ ትግራይ ከመዚ ኣይመስለንን ነይሩ"
ኪዳነ ገብረሚካኤል፡ "ኤርትራዊ ኮንካ ኣብዚ ዓዲ ክትሰርሕ ብዙሕ ኣጸጋሚ ኣይኮነን፤ ካብ ሕብረትስብካ ተፈሊኻ ንነብስኻ ከም ስደተኛ ኣይትሓስባን፤ ከምኡ ኣይስምዓካን" እዩ ዝብል።
ካብቲ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ ኩነታት ንላዕሊ ምሕዝነት ዝፈጥር ነገራት እንተተገይሩ፡ ዝበለጸ ተስፋ ዝህብ ዕድላት ክህሉ ከም ዝኽእል ይሕብር።
ኣርሴማ ብወገና፡ "ሓቂ ይሓይሽ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ከመዚ ኣይመስለንን ነይሩ። መጺአ ምስ ረእኽዎ ግን እቲ ትጽቢትን ክውንነትን ሰማይን ምድርን'ዩ ኮይኑኒ። ደስ ዘብል ህዝቢ እዩ" ክትብል ትዕዝብታ ትገልጽ።

ሰላም'ውን ብተመሳሳሊ፡ "ኣነ ከምዚ ኣይተጸበኽዎን" ክትብል ነቲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ሕውነቱ ዝገለጸሉ ኩነታት ተረድእ።
"እቲ ሰብሲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኩነተ ኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት ጸኒሕኻ ከምዚ ኣይትጽበዮን። ህዝቢ ትግራይ ደላዪ ሰብን ንኤርትራዊ ዓቢ ክብሪ ዘለዎም ኮይኑ ይስምዓኒ" ኢላ።
መሓዙት ኣፍርያ ልክዕ ኣብ ሃገራ ከምዘላ ትነብር ምህላዋ እትዛረብ ሰላም፡ መለለዪ መንነት (ታሴራ) ሒዛ ብቐሊሉ ከምእትንቀሳቐስን ናጽነት ከምዝስምዓን ተብርህ።
"ንስራሕ እውን ብዙሕ ኣይንጽገምን። ልክዕ ከምቲ ወዲዜጋ ኢኻ ትነብር። ስደተኛ ብዝብል ዝፍጠር ኣፈላላይ የለን። ናይ ወረቐት መረዳእታን ዋሕስን ብምቕራብ ስራሕ ክንቑጸር ንኽእል ኢና።" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







