መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ናይ 'ናእዳ ሽልማት' ረኺቡ

ኣምባሳደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሽልማት ሰላም ላክዘምቦርግ እናተቐበሉ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Mission EU

መግለጺ ስእሊ, ኣምባሳደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሽልማት ሰላም ላክዘምቦርግ እናተቐበሉ

ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሓምለ 2018 ብዝፈጸምውኦ "ዝንኣድ መስርሕ ሰላም" ሽልማት ሰላም ተዋሂቡወን።

እቲ ሽልማት፡ ብማዕከን ሰላም ሸንገን (ሸንገን ፒስ ፋውንዴሽን) ዝውደብ ኮይኑ፡ ክልቲአን ሃገራት ዓሚ ዘረጋገጸኦ ኣድናቖት ዝረኸበ ሃንደበታዊ ዕርቀ-ሰላም ብምንኣድ እቲ ትካል ዝህቦ 'ሽልማት ሰላም ላክዘምቦርግ' 2019 ሂብወን።

ነቲ ኣብ ብራስለስ ዝተዋህበ ሽልማ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ኣቶ ነጋሲ ካሳን፤ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራስለስ ኣቶ ግሩም ኣባይ ተቐቢሎሞ።

መድረኽ ሰላም ዓለም ዝተባህለ ምትእኽኻብ ንክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ምሕጻዩ፡ መማዪት ሽማገለ ሽልማት ሰላም ላክዘምቦርግ እቲ ናይዚ ዓመት ሽልማት ክዋሃበን ወሲኑ ክብል ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ብራስለስ ሓቢሩ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ናይ ኲናትን ወጥርን፡ ኣብ ብ9 ሓምለ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ብምፍራም፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድንአን ናብ ንቡር ምምላሰን ይዝከር።

ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣወርሕ ድማ፡ ዶባተን ተኸፊቱ፡ ተፈላልዩ ዝነበረ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት፡ ብእግሪ፡ መኪናን ነፋሪትን ተጓዒዙ ክራኸብን፡ ክነግድን ኪኢሉ።

ይኹን 'ምበር ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ናይ መሬት ዶባት ብወገን ኤርትራ ብምዕዓጻዉ፡ እቲ ኣብ ዶባት ዝነበረ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ደስኪኡ ይርከብ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ኣየር በረራታት ግን ኣተቛረጸን።