ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ግንባር ዘላምበሳ ዝነበረ ድፋዕ ሎሚ ፈሪሱ

ምንጪ ስእሊ, Yonas FisehaY
ኣብ ግንባር ዘላምበሳ ዝንበረን ን 20 ዓመታት ተሃኒፁ ዝፀንሐ ድፋዕ ሎሚ ረፋድ ፈሪሱ።
ነዚ ስዒቡ፡ ፅባሕ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝራኸበሉ ፅምብል ንምክያድ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዳስ ይትከል ምህላዉ እውን ተፈሊጡ'ሎ።
ነቲ ድፋዕ ንምፍራስ ብወገን ኤርትራ ብመፍረሲት መኪና ተሓጊዙ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ብሓይሊ ሰብ ከምዝፈረሰ መሰኻኽር ዓይኒ ካብ ዘላምበሳ ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቦም።
ፀረ-ተሽከርከርቲ ነታጕ ኣብ ምምካን ድማ ኣባላት ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ከምዝተሳተፉ እቲ ምስክር ዓይኒ ገሊፁ።

ምንጪ ስእሊ, Yonas Fiseha
"ምፍራስ እቲ ድፋዕ፡ ብወገን ኤርትራ ንጉሆ ወጋሕታ ሰዓት 12 እዩ ተጀማሩ። ወተሃደራት እዮም ኣፍሪሶምዎ። ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ፅርግያ ከልኪሉ ዝነበረ ኳና ብህዝብን ሰራዋትን ፈሪሱ" ይብል ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ዮናስ ፍስሃ።
ነባሪ ከተማ ዓድግራት ዝኾነ ሙሉብርሃን ገብረዋህድ ድማ እቲ ዝረአዮ ኣዝዩ ከምዘሐጎሶ ይዛረብ።
ኣብቲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምርኻብ ዝዳሎ ዘሎ ናይ ፅባሕ መደብ ስሞም ዘይተነፀሩ አጋይሽ ክመፁ እዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ይዛረብ። ኣብቲ ን20 ዓመታት ተፈላለዩ ዝፀንሐ ክልቲኡ ወገን ህዝቢ ድማ ፍሉይ ስምዒት ከምዝፈጠረሉ ተዓዚቡ።

ምንጪ ስእሊ, Yonas Fisseha
"ክልተ አሕዋት ድሕሪ 20 ዓመት ክራኸቡ ብጣዕሚ እዩ ደስታ ፈጢሩ ዘሎ። ኣብቲ ከባቢ ዶብ፡ ዓዲግራት ዘሎ ይኹን፡ ኣብ መላእ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ሰብ ብጣዕሚ እዩ ተሓጒሱ ዘሎ" ይብል ሙሉ ብርሃን።
ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቀ ሰላም ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ ብክልቲኡ ገፅ እቲ ድንበር ዘሎ ህዝቢ እቲ ዶብ ክኽፈትን ሓው ንሓው ክራኸብን ክህንጠው ፀኒሑ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ፡ ኣብ ዶባት ዛላምበሳ፤ ኢሮብ፡ መረብን ካልኦት ግንባራትን ህዝቢ ንህዝቢ ንምርኻብ ፃዕርታት እናተገበሩ ቐንዮም እዮም።.

ምንጪ ስእሊ, mullerallbright & Tes candes




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







