ሙሴቨኒ፡ ጋዜጠኛታት "ጽግዕተኛታት ኢኹም" ኢሉ

ፕረዚደንተ ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ፡ ንሓደ ጋዜጠኛ እናተጻረፈ፡ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ።

ንሱ ብዛዕባ መንግስቲ ኣንጻር ብልሽውና ዝገብሮ ቃልሲ መብርሂ ንምሃብ፡ ብሰኑይ፡ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ'ዩ ነቲ ጋዜጠኛ ፀሪፉዎ።

"ንስኻትኩም ጽግዕተኛታት ኢኹም። ነቲ ስራሓትና ዘይመልክዑ ትህብዎ። ከምኡ ክትገብሩ መሰል የብልኩምን። ብልክዕ ክትጽብጽቡ ይግባእ። እንተ ተጠንቀቕኩም ይሕሸኩም። ኣብቂዕኩም ኢኹም" ክብል ነቲ ሕቶ ንምሕታት ተዳልዩ ዝነበረ ጋዜጠኛ ኤንቢኤስ ቲቪ ተዛሪብዎ።

እቲ ጋዜጠኛ ብዛዕባ እታ መደበር ቴለቪዥን "ንኡጋንዳ ተኣማኒት'ያ" ብምባል ክከላኸል እኳ እንተ ፈተነ፡ ሚስተር ሙሰቬኒ ከዛርቦ ኣይከኣለን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሳም ኩተሳ፡ 500,000 ዶላር ጉቦ ካብቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ሚኒስተር ዝነበረ ፓትሪክ ሆ ቺፒን ተቐቢሉ ንዝብል ክሲ መርመራ ይግበር ከም ዘሎ፤ ሚስተር ሙሰቬኒ ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሆንግ ኮንግ ነበር፡ ፓትሪክ ሆ ቺፒን፡ ንብዙሓት ሰብ መዚ ኣፍሪቃ ብላዕ ብምሃብ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ ኢዩ።

ሚስተር ኩተሳ፡ እቲ ዝተቐበሎ ገንዘብ፡ ንግብረ ሰናይ ምዃኑ ሓቢሩኒ ክብል ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ወሲኹ ተዛሪቡ።