ጋዜጠኛታት ሶማሊላንድ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብዝጸሓፉዎ ዜና ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, TONY KARUMBA
ዞባዊ ቤት ፍርዲ ሶማሊላንድ ፕሮፖጋንዳ ብምዝርግሖም ንዝተኸሱ ክልተ ጋዜጠኛታት ንነብሲ ወከፎም ነናይ ክልተ ዓመት ማእስርቲ በይኑሎም።
እቶም ሞሓመድ ዓብዲላህን ኣሕመድ ዲሬ ዝተባህሉ ክልተ ጋዜጠኛታት ንባንዴራ ሶማሊላንድን ኣነኣኢሶም ተባሂሎም ከምእተኸሱ 'ሂዩማን ራይትስ ሴንተር' ዝተባህለ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።
እቶም ጋዜጠኛታት 'ዚጎኒውስ' ኣብ ዝተባህለ ብሕታዊ ጋዜጣ ኢትዮጵያዊያን ዕጡቓት ኣውዳል ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ሶማሊላንድ ይስልጥኑ ኣለዉ ኢሎም ስለዝጸሓፉ እዮም ተኣሲሮም።
ብኣሕጽሮት፡ ሲፒጄ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተጣባቒ መሰላት ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ እቲ ጽሑፍ ምስቲ ክሲ እኳ እንተቐረበ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ጋዜጣ ኮነ ድሕረ-ገጻቱ ክርከብ ኣይከኣለን። ዋናታት እቲ ጋዜጣ እውን መልሲ ክህቡ ኣይከኣሉን። እቲ ኣብ ኒወዮርክ ዝመደበሩ ተጣባቒ መሰላት ጋዜጠኛታት እቶም ጋዜጠኛታት ክፍትሑ እኳ እንተሓተተ 'ሂዩማን ራይትስ ሴንተር' ብወገኑ ይግባይ ክምዝብል ኣፍሊጡ ኣሎ።
ካብዚ ቐረባ ግዜ ንደሓር ጋዜጠኞታት ሶማሊላንድ፡ ናይ ሓሶት ሪፖርት ኣቕሪብኩም እናተባህሉ ግዳይ ማእሰርቲ ይኾኑ ስለዘለዉ፡ እታ ሃገር ኣብ ናጽነት ፕረስ ብዘለዋ መርገጽ ኣብ ምልክት ሕቶ ትኣቱ ምህላዋ ይግለጽ ኣሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







