ዝረኸቦ 436 ሽሕ ዶላር ንዋናኡ ብምምላሱ ኣዝማዱ ዘጉሃየ ሰራሕተኛ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ሰራሕተኛ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝዀነ ኣቶ ኣማረ ታደሰ፡ ኣብ ዝሰርሓሉ ቦታ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ወዲቑ ዝረኸቦ ኣስታት 436 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ናብ ዋናታቱ ከምዝመለሰ’ዩ ዝገልጽ።
እንተዀነ ነቲ ዝገበሮ ሰናይ ስራሕ ዝነኣድዎን ከም ዕሽነት ዝቖጸርዎን ሰባት ከምዘለዉ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ዕላል ገሊጹ።
“ኣዕሩኽተይ ይዅኑ ኣዝማደይ ኮታስ 95 ሚእታዊት ካብ ፈለጥተይ ‘ንስኻ ፈጺምካ ዘይትልወጥ ሰብ ኢኻ፣ ኣይሓልፈልካን እዩ፣ ስለምንታይ ኢኻ ትምልሰሎም?’ ኢሎሙኒ” ክብል ዘጋጠሞ የዕልል።
ተግባረይ ካብ ኣተዓባብያ’ዩ
ኣቶ ኣማረ ታደሰ ወዲ 56 ዓመት ኰይኑ ኣብዚ እዋን ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ መሳሰይዪ ኮይኑ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።
ኣቶ ኣማረ ካብ 1984 [ግእዝ] ጀሚሩ ኣብቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ይሰርሕ ኣሎ። “እቶም ናይ ፈለማ 10 ዓመታት ኣብ ካፍተርያ’የ ዝሰርሕ ነይረ። ብድሕሪኡ ኣብ ዘለዉ 22 ዓመታት ድማ ኣብ ላውንጅ ክሰርሕ ጀሚረ ማለት’ዩ” ኢሉ ብዛዕባ ስርሑ የብርህ።
ብሳላ ባህሪ እቲ ስራሕ ምስ ብዙሓት ወጻእተኛታት ንክራኸብ ዕድል ከምዝገጠሞ ዝገልጽ ኣቶ ኣማረ፡ ብዙሓት መንገደኛታት ገንዘብ ይዅን ኣቑሑ ረሲዖም ከምዝኸዱ’ዩ ዝዝክር።
“ንሕና ብዙሕ ነገራት ኢና እንረክብ። ሞባይል፣ ዋሌት ጁባ ኮታስ ዘይንረኽቦ ነገር የለን። እቲ ወዲቝ እንረኽቦ ንብረት፡ ጠፊኡ ዝተረኸቡ ንብረት ኣብ ዝቕመጠሉ ቦታ ኢና ንገብሮ” ብምባል ኣሰራርሓ እቲ ትካል ይገልጽ።
ወዲቑ ዝረኸቦ ንብረት ናብ ዋናኡ ናይ ምምላስ ባህሊ ካብ ኣተዓባብያኡ ዝወረሶ ከምዝዀነ ዝዛረብ ኣቶ ኣማረ፡ “ኣብ ዝዓበኹሉ ከባቢ ካብ ፍቓድ በዓል ገንዘብ ይዅን ንብረት ኣልዒልካ ምውሳድ ዓቢይ ሓጥያት’ዩ” ይብል።
ኣስዒቡ ካብ ተጓንፎታቱ ንገሊኦም እንዝክር “ብ 6 ጥቅምቲ 2010 [ኣ.ኣ]፡ ሓደ ካብ ናይጀርያ ናብ ቻይና ዝገይሽ ዝነበረ ነጋዳይ 200 ሽሕ ዶላር ዝሓዘ ቦርሳ ረሲዑ ይኸይድ'ሞ ኣብ ስራሕ እንከለኹ ነታ ቦርሳ ይረኽባ። ንሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝኸውን ተጸብየ እቲ በዓል ገንዘብ ተመሊሱ ኣይመጽአን። ድሓረ ንሓለፍተይ ኣረኪበ ክወጽእ ክብል እቲ ዋና መጺኡ” ይብል።
እቶም ሓለፍቲ ነቲ ናይጀርያዊ ነጋዳይ ዝተፈላለዩ መስቀለኛ ሕቶታት ሓቲቶም ናቱ ከምዝዀነ ስለዘረጋገጹ እቲ ገንዘብ መሊሶምሉ።
እቲ ገያሻይ ኣመና ተሰናቢዱ ከምዝነበረ ዝዝክር ኣቶ ኣማረ፡ “እቲ ወዲ ነቲ ዝጠፍአ ገንዘብ ተመሊሱ ዝረኽቦ ኣይመሰሎን ነይሩ። ምእማን ክሳዕ ዝኣብዮ ተገሪሙ ነበረ። ‘ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥዑም ህዝቢ’ዩ፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ’ውን ዝነኣድ ትካል’ዩ’ ኢሉ ኣድናቖቱ ገሊጹ ከምዝኸደ ይዝክር።
መዝገብ ኣገረምቲ ነገራት ኣፍሪቃ ‘ኣቶ ኣማረ ኣብ ዝሰርሓሉ ቦታ ወዲቑ ዝረኸቦ 200 ሽሕ ዶላር ናብ ዝሰርሓሉ ትካል መሊሱ ብምርካቡ ምስክር ወረቐት ናይ ክብሪ ኣባልነት ሂብናዮ ኣለና’ ኢሉ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ 2015 [ግእዝ] ምስክር ወረቐት ሂብዎ’ዩ።
‘ብላክ ቤሪ ሞባይል ሸሊሙኒ’
ኣቶ ኣማረ ብዛዕባ ካልእ ተጓንፎኡ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ዕለት መዓስ ከምዝነበረ ዋላ ኣይዘክሮ ሞባይል ኣብ ኢትዮጵያ ኣዐርዩ ኣብ ዘይተለመደሉን ከም ተኣምር ኣብ ዝርኣየሉን ዝነበረ ግዜ’ዩ ነይሩ።
ሓደ መዓልቲ ኣብ ስርሑ እንከሎ 234 ሽሕ ዶላር ዝተጻሕፎ ቸክን 2ሽሕ ዶላር ጥረ ገንዘብን ዝሓዘ ቦርሳ ወዲቑ ከምዝረኸበን ዝዝክር ኣቶ ኣማረ፡ ነቲ ዋና መን ከምዝዀነ ኣስተውዒልዎ ስለዝነበረ ናብታ ነፋሪት ጎይዩ ከይዱ ከምዝሃቦ ገሊጹ።
እቲ ወዲ ኣዝዩ ተገሪሙ ‘ድሕሪ ሓደ ሰሙን ተመሊሰ ክመጽእ’የ እሞ ካብ ኣሜሪካ እንታይ ሒዘልካ ክመጽእ?’ ኢሉኒ። ኣነ ከኣ ሞባይል ተማልአለይ ኢለዮ። ሽዑ ንሽዑ ኣብ ሞባይሉ ዝነበረት ሲም ካርድ ኣውጺኡ ናይ ገዛእ ርእሱ ብላክ ቤሪ ሸሊሙኒ ከይዱ።
ገንዘብ ወዲ ሰብ ሰሪሑ ክረኽቦ ዝኽእል ነገር ከምዝዀነ ዝገልጽ ኣቶ ኣማረ፡ እምነት ግን መሰረት ኵሉ ነገር’ዩ ኢሉ ስለዝኣምን ወዲቑ ዝረኸቦ ንብረት ናብ ዋናታቱ መሊሱ ከምዘረክቦ’ዩ ዝዛረብ።

እንተዀነ ዝፈልጥዎ ሰባት ብዛዕባ ሰናይ ተግባሩ ተመሳሳሊ ርእይቶ ከምዘይብሎም ይገልጽ። እቶም ዝበዝሑ ዝፈልጥዎ ኣዕርኽቱን ኣዝማዱ ብተግባሩ ሕጕሳት ከምዘይኰኑን “ንስኻ ፈጺምካ ዘይትልወጥ ሰብ ኢኻ። ስለምንታይ ኢኻ ወዲቑ ዝረኸብካዮ ንብረት ትመልሰሎም? ኢሎም ከምዝኾረይሉ ተዛሪቡ።
“እቲ ሕብረተሰብ ጸሊኡኒ’ዩ ክብል እኽእል’የ። ድልየተይ ግን ፈለማ ሕጊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምኽባር’ዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ እምነተይን ፈጣሪየይን ምኽባር’ዩ። ሳልሳይ ስድራይ ብናተይ ስራሕን ባህርን ሕጕሳት እንተዀይኖም እቲ ካልእ ንዓይ ዋላ ሓንቲ ኣይኮነን" ይብል።
ብተግባሩ ሕጉስ ከምዝዀነ ዝገልጽ ኣቶ ኣማረ “ኣነ ኣመና ሕጕስ’የ። ፍሉይ ስምዒት’ዩ ዝስመዓኒ ምኽንያቱ ንብረቱ ረሲዑ ንዝኸደ ሰብ መሊሰ ከረክቦ እንከለኹ ባህታ’ዩ ዝስመዓኒ” ክብል ምስ ኣተዓባብይኡ ዝመጽአ ባህሪኡ መሰረት ሓጎሱ ከምዝዀነ ኣብሪሁ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







