ብስራሕቲ ሰናይ ተግባር ዝፍለጣ ኣበበች ጎበና ዓሪፈን

ምንጪ ስእሊ, AGOHELMA
ብስራሕቲ ሰናይ ተግባራት ዝፍለጣ ኣደይ ኣበበች ጎበና ሎሚ ዕለት 27 ሰነ 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለያ ስድረአን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ንሰን ዝመስረትኦ ማሕበር ልምዓት ሕብሓበ ህጻናት ኣበበች ጎበና’ውን እተን ኣዶ ከምዝዓረፋ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጠቂዑ’ሎ።
“ልብኻ ዝሰብር’ዩ። ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዋ ንፉዓት ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ዝኾናን ኣፍሪቃዊት ማዘር ትሬዛ ዶ/ር ኣበበች ጎበና ሎሚ ንጉሆ ዓሪፈን” ዝብል ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ ገጹ ኣስፊሩ።
ዶ/ር ኣበበች ጎበና ኣብ ቀረባ ግዜ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፈን ኣብ ሆስፒታል ጳውሎስ መሐከሚ ክፍሊ ብጽኑዕ ናይ ዝሓመሙ ሰባት ክትትል ይግበረለን ከምዝነበረ ይፍለጥ።
እተን ኣደ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ናይ ቀደም ኣጸዋውዓ ክፍለ ሃገር ሽዋ ብ1938 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ዝተወለዳ ኮይነን ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ወለዶም ናይ ዝሰኣኑ ህጻናት መዕበያ ማእኸል ብምጥያሽ “ኣዶ ኣሽሓት ህጻናት” ዝብል ሽም ኣለወን።
ባዕለን ዘጣየሽኦ ማእኸል መዕበይ ህጻናት ኣበበች ጎበና ኣብ 1986 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ሕጋዊ ትካል ዝተመዝገበ ኮይኑ ናይ ባዕሉ ቤት ትምህርቲ ከምዘለዎ ይፍለጥ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ 200 ህጻናት ብቐዋምነት ኣብቲ ማእኸል እናተቐመጡ ዝመሃሩ ኮይኖም 482 ህጻናት ከኣ እንዳተመላለሱ ትምህርቶም ከምዝከታተሉ ካብቲ ማሕበር መዕበያ ህጻናት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
ኣደይ ኣበበች ጎበና በቲ ሰናይ ስርሐን ካብ ዩኒቨርስቲ ጅማ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ዲግሪ ተዋሂብወን’ዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







