ኣብ ስልጠና፡ 27 ግዜ ናብ መሬት ዝተደርበየ ታይዋናዊ ሰገን ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ታይዋን ኣብ ስልጠና ጁዶ 27 ግዜ ናብ መሬት ዝተደርበየ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ኮተቴ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ዝወስዶ ዝነበረ ስልጠና ሓቢሩዎ ዝመሃር ተመሃራይን ኣሰልጣኒኡን ካብ ኣየር ናብ መሬት ስለ ዝደርበዩዎ ኣብ ርእሱ ከቢድ ምድማይ ከም ዘጋጠሞ ተሓቢሩ።
እዚ ሽሙ ዘይተገልጸ ህጻን ውንኡ ስሒቱ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ብናይ ሓገዝ መሳርሒ ክትንፍስ ጸኒሑ።
ድሕሪ 70 መዓልታት ግን ስድራቤቱ እቲ ዝተተኽለሉ መሐገዚ መተንፈሲ ክንቀል ከም ዝወሰኑ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ዝኾነ ታይፔይ ታይምስ ጸብጺቡ።
እቲ ኣብ 60ታት ዕድመ ዝርከብ ሆ ዝተባህለ ኣሰልጣኒ እቲ ግዳይ ናብ ሆስፒታል ምስ ኣተወ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ኳ እንተነበረ ቅድሚ ሰሙናት ብዋሕስ 3ሽሕን 583 ዶላር ወጺኡ።
እዚ ውልቀሰብ ከቢድ ማህሰይቲ ዘብጽሐ ኣካላዊ ጉድኣት ብምብጻሕ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ጸኒሑ፤ እቲ ቖልዓ ብምሟቱ ግን ዓቀብቲ ሕጊ እቲ ኽሲ ናብ "ሞት ዘስዓበ ጉድኣት" ዝብል ከም ዝቕይሩዎ ተሓቢሩ።
ንሱ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ከም ዝጽበዮ ይእመን።
ኣብቲ ናይ ስልጠና ቦታ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
እቲ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ኮተቴ ብ21 ሚያዚያ'ዩ ምስ ኣኩኡ ናብ ስልጠና ጁጆ ከይዱ።
ኣኩኡ፡ ጁዶ ነቲ ህጻን ሓደገኛ ከም ዝኾነ ብምስሊ ቀሪጹ ንምርኣይ'ዩ ሒዙዎ ከይዱ።
ኣብቲ ዝተቐረጸ ቪድዮ ከኣ እቲ ህጻን ልምምድ እናገበረ እናሃለወ ካብ ኣየር ናብ መሬት ምስ ተደርበየ ብርእሱ ናብ መሬት ወዲቑ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ህጻን ውንኡ ኣጥፊኡ ክወድቕ እንከሎ እቲ ኣሰልጣኒ ሓስዩ የመስል'ዩ ዘሎ ብምባል ከም ዝነቐፎ ስድራቤቱ ተዛሪቦም።
ስለ ምንታይ ነቲ ኣሰልጣኒ ጠጠው ዘየበልካዮ ተባሂሉ ዝተሓተተ ኣኩኡ'ውን ኣብ ታይዋን ንኣሰልጠንትን መምሃራንን ዓብዪ ክብሪ ስለ ዝወሃብ ናቱ ስልጣን ንምኽባር ብዝብል እዩ ኢሉ።
ይኹን'ምበር እቲ ኣሰልጣኒ ፍቓድ ከም ዘይብሉ ተፈሊጡ።
ኣዲኡ፡ "ወደይ ንጉሆ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ክወስዶ እንከለኹ ሕጂ'ውን እዝክሮ፤ ሽዑ ቁሊሕ ኢሉ 'ኣደይ ቻው' ኢሉኒ" ትብል።
ብሰሉስ ጸቕጢ ደምን ውቅዒት ልብን እቲ ህጻን እናነከየ ምስ መጽአ ዶኳትር እቲ ክትንፍስ ክሕግዞ ዝተተኸለሉ ንክንቀል ምስ ስድርኡ ተዘራሪቦም ተሰማሚዖም።
ድሕሪ'ዚ ታይዋናውያን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ "ሕጂ ስቓይ የለን" ብምባል ሓዘኖም ክገልጹ እንከለው፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣሰልጣኒ ጥንኩር ስጉምቲ ክውሰድን ንስድራ እቲ ግዳይ ካሕሳ ክወሃብን ይሓቱ ኣለው።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







