ሓድሽ ኣልበም ሃጫሉ ሁንዴሳ ደረጃ ዓለምለኻዊ መሸጣ ተቖጻጺሩ

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK/HACHALU HUNDESSA
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቐትለ ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ኢንተርነት ሙዚቃ ኣብ ዝሽየጠሉ ኣይቲዩንስ ካብ ዘለው 100 ኣልበማት፡ ትማሊ ብደረጃ ዓለም ሳልሳይ ኮይኑ ነይሩ።
ሰደቓ ሙዚቃ ዓለም ኣይቲዩንስ [ወርልድ ቻርት] በብሰዓቱ ዝቀያየር ስለ ዝኾነ ኣልበም ሃጫሉ ዘለወሉ ደረጃ ክትሕት ወይ ክውስኽ ይኽእል እዩ።
ሎሚ ግን ብመሰረት ዓለምለኻዊ ደረጃ መሸጣ ኣብ መበል 12 ከም ዝርከብ ካብቲ ድረገጽ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ቢቢሲ ሎሚ ረፋድ ከም ዝተኸታተሎ እቲ ኣልበም ኣብ መስርዕ ብሉጻት 40 ፖፕ ሙዚቃ ኣመሪካ ኣብ መሸጣ ኣይቲዩንስ ኣብ ቐዳማይ ደረጃ ይርከብ።
ብቕድሚ ትማሊ 22 ሰነ 2013 ዓ.ም እቲ ኣልበም ብወግዒ ክምረቕ እንከሎ፡ 'ማል ማሊሳ' ዝብል ስያመ ተዋሂቡዎ እዩ።
"መፍትሒኡ እንታይ'ዩ?" ድማ ትርጉም ናይቲ ኣልበም መጸውዒ እዩ።
ማል ማሊሳ 14 ሙዚቃታት ዝሓዘ ኣልበም ኮይኑ፡ በዓልቲ ቤቱ ፋንቱ ደምሶ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ቅድሚ ምሟቱ ዝሰርሖም ስራሕቲ ምዃኖም ገሊጻ።
ኣብዚ ኣልበም ዘለው ኣርባዕተ ስራሕቲ ካብቶም ቅድም ኢሉ ዝሰርሖም ክልተ ኣልበማት ተመሓይሾም ዝተሰርሑን 10 ሓደሽቲ ዝተሰርሑ ሙዚቃታትን ዘካተተ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, ITUNES CHART
ሃጫሉ ምስ ሞተ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ግን ስድራቤቱን መሓዝቱን ነቶም ስራሕቱ ብምትእኽኻብ ኣልበም ክኸውን ገይሮም ኣለው።
ኣብዚ ኣልበም ዝተኻተቱ ስራሕቲ ስነ ጥበብ ናይ ፍቕሪ ሓዊሱ ብዙሓት ጉዳያት ዝድህስሱ ትሕዝቶታት ኣለዎም።
መጸውዒ እቲ ኣልበም ዝኾነ ማል ማሊሳ ኣብ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ህዝቢ ኦሮሞ ዘሕለፎ ታሪኽ፣ ቃልሲ፣ መስዋእትነት ዝድህስስ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን'ውን ዝቕጽል ዘሎ ስለ ዝኾነ "መፍትሒኡ እንታይ'ዩ?" ዝብል ሕቶ ከም ዘልዓለሉ በቶም ሙዚቃታቱ ኣቢሉ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ኣሎ።
ኣብ ናይ መጀመርታ ኣልበሙ "ኦልማንኬ" [ውዕለታኺ] ኢሉ ዝደረፈላ በዓልቲ ቤቱ ኣብዚ ኣልበም'ውን "ሃደ ወቢ" [ኣደ ወቢ] ብዝብል ኣመስጊኑዋ ኣሎ።
ወቢ ዝብል ቃል ኦሮሚኛ ዋሕስ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ መጸውዒ ሽም ናይ መጀመርታ ውላዱ'ዩ።
ነዚ ሓድሽ ኣልበም ዝሰምዑ ሰባት ኣብ ዝሃቡዎ ርኢይቶ ነጻነት፣ ቃልስን ካልኦት ብዙሓት ጉዳያትን ዘካተተ ኮይኑ ናባዪ ንዘይብሎም ህጻናት'ውን ዝዘከረ'ዩ ኢሎም።
"ኢመማ ነማ" [ወዲ ሰብ] ዝብል ኣብቲ ኣልበም ዝርከብ ሙዚቃ ህጻናት ወለዲ ምስኣኖም ስራሕ ኣምላኽ'ኳ እንተኾነ ክንሕግዞም ግን ይግባእ ዝብል ምኽሪ ይልግስ።
ኣብዚ ኣልበም ብዙሓት ክኢላታት ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ብዙሓት ስረሓት ሙዚቃ ኦሮምኛ ብምውህሃድ ዝፍለጥ ዳዊት ታደሰ ነቶም ትሸዓተ ኣወሃሂዱዎም ኣሎ።
ብተወሳኺ ካሙዙ ካሳ፣ ዲንቄሳ ደበላ፣ ኣብርሃም ኪዳነ ተሳቲፎምሉ፤ ሚክሲንግን ማስተርን እቶም ኣርባዕተ ሙዚቃታት ካ ኣበጋዝ ክብረ ወርቅ ሺዎታ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







