ፌስቡክ፡ ምስ ቁጽሪ ‘ፎለወርስ’ ብዝተሓሓዝ ዘጋጠሞ እንታይ’ዩ?

ሞባይል ዝሓዘ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወናኒ ዓበይቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓለምና ዝኾነ ሜታ፡ ኣብ ፌስቡክ፡ መንቀሊኡ ብንፁር ዘይተፈለጠ ምንቁልቋል ቁጽሪ ሰዓብቲ [‘ፎለወርስ’] ኣጋጢምዎ ይርከብ።

እቲ ዓለማዊ ኩባንያ ነቲ ዘጋጠመ ፀገም ንምእራም ይሰርሕ ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።

ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ፌስቡክ፡ ቁጽሪ ሰዓብቶም ሃንደበት ምንቁልቋሉ ስዒቡ እቲ ክስተት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣዘራራቢ ብምዃኑ’ዩ ሜታ ነዚ ዝገለጸ።

ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ተጠቀምቲ ፌስቡክ፡ ንፁር ብዘይኮነ ምኽንያት ቁፅሪ ሰዓብቶም ከምዝነከየ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

ሓባራዊ መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ሜታ ዝኾነ ማርክ ዙከርበርግ ዝርከቦም ብሚልዮናት ዝግመቱ ሰዓብቲ ዘለዎም ተጠቀምቲ ፌስቡክ፡ ቁፅሪ ሰዓብቶም ካብ ሞንጎ ዝተነከዮም ይጥቀሱ።

እቲ ኩባንያ ኣብ ቁጽሪ ሰዓብቲ ናይቶም ንማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ዝጥቀሙ ሰባት ለውጢ ምህላዉ ከምዝፈልጥ ንቢቢሲ ዘረጋገፀ ኮይኑ፡ ነቲ ጸገም መፍትሒ ንምርካብ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ።

ሜታ፡ ጠንቂ ምንቁልቋል ቁጽሪ ሰዓብቲ እንታይ ምዃኑ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ’ሎ።

"እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ንሰርሕ ኣለና" ዝበለ ሜታ፡ ንተጠቀምቲ ይቕሬታ ​​ሓቲቱ።

ኣብ ቁጽሪ ሰዓብቶም ምንቁልቋል ካብ ሞንጎ ዘጋጠሞም ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ ፌስቡክ ድማ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት፣ ሰበስልጣን፣ ሰብ ሞያ ሙዚቃን ስነ-ጽሑፍን ይርከብዎም።

ኣብ ፌስቡክ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰዓብቲ ዝነበሮ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ሓደ ካብ ሞንጎ’ቶም ምንካይ ‘ፎለወርስ’ ዘጋጠሞም’ዩ።

ኣብ ፌስቡክ ንዘጋጠመ ፀገም ስዒቡ ቁፅሪ ሰዓብቱ ትሕቲ 10 ሽሕ ወሪዱ ኣሎ።