ቲክቶክ፡ብኸመይ እዩ ካብ ዝልምኑ ስደተኛታት ዝኸስብ ዘሎ?

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሶርያ ዝርከቡ ስድራቤታት፡ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ቲክቶክ ክልምኑ እንከለው፡ እቲ ኩባንያ 70 ሚእታዊት ካብቲ ዝረኽብዎ ሓገዝ ከም ዝወስድ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ።
ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ህጻናት ንሰዓታት ብቐጥታ ብዝመሓላለፉ ቪድዮታት፡ ብገንዘብ ዝትመኑ ዲጂታዊ ልግሲታት ክግበረሎም ይልምኑ።
እቶም ብቐጥታ ዝመሓላለፉ ቪድዮታት ኣብ ሰዓት ክሳብ ሓደ ሽሕ ዶላር ከም ዝርከቦም ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ፤ እንተዀነ እቶም ስደተኛታት ካብዚ ውሑድ ገንዘብ ጥራይ’ዩ ዝበጽሖም።
ቲክቶክ፡ ኣብ ልዕሊ “መዝማዚ ልመና” ስጕምቲ ከም ዝወስድ ይገልጽ።
እቲ ኩባንያ፡ ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ክመሓላለፍ ከም ዘይፈቅድ ብምግላጽ፡ ካብቶም ዲጂታዊ ልግስታት ዝወስዶ ግን ትሕቲ 70 ሚእታዊት ከም ዝዀነ ሓቢሩ።
ክንደይ ዝኣክል ብጽሒት ከም ዝወስድ ግን ግልጺ ንምግባር ፍቓኛ ኣይኰነን።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት [2022]፡ ተጠቀምቲ ቲክቶክ ብብዝሒ እቶም ኣብ ሶርያ ካብ ዝርከቡ መዓስከራት ዘለው ስደተኛታት ዘመሓላልፍዎም ቪድዮታት መሊኡ ክርእይዎ እንከለው፡ ገለ ምትላል ይፍጸም ከይህሉ ዝብል ስግኣት ነይርዎም።
ኣብ ሰሜን-ምዕራብ ሶርያ ኣብ ዘሎ መዓስከር፡ እቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ቲክቶክ ዝርአ ቪድዮ ልመና ብዝብል ስድራቤታት ኣብ ቲክቶክ ቀጥታ ንኽኣትው ተሌፎንን ካልእን ብዘቕርበሎም ‘ቲክቶክ ሚድልማን’ ብዝብሃል ከም ዝዋደድ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቶም መንጐኛታት፡ ምስ ኣብ ቻይናን ማእከላይ ምብራቕን ዘለው ምስ ቲክቶክ ዝተኣሳሰሩ ኤጀንሲታት ዝሰርሑ ኰይኖም፡ ስድራቤታት ኣካውንታት ቲክቶክ ክረኽቡ ከም ዝገብሩ ገሊጾም።
እዞም ኤጀንሲታት፡ ኣካል ናይቲ ቲክቶክ ዝኽተሎ ዓለምለኻዊ ስትራተጂ ኰይኖም፡ ብቐጥታ ዘመሓላልፉ ሰባት ዝምልምሉን ተጠቀምቲ ዝያዳ ሰዓታት ኣብቲ መተግበሪ ከሕልፉ ዘተባብዑን’ዮም።
ኣልጐሪዝም ቲክቶክ፡ ኣብ ጂኦግራፊያዊ መበቈል ቍጽሪ ተሌፎን ሓደ ተጠቃሚ ዝተመርኰሰ ትሕዝቶ ስለ ዝእምት፡ እቶም መንጐኛታት ሲም ካርድታት ብሪጣንያ ክጥቀሙ ከም ዝመርጹ ገሊጾም።
ካብ ብሪጣንያ ዝመጽኡ ሰባት ክኣ፡ እቶም ዝበዝሑ ለገስቲ ምዃኖም ይዛረቡ።
ሞና ዓሊ ኣልከሪምን ሽዱሽተ ደቃን፡ ካብቶም መዓልታዊ ኣብ ቲክቶክ ዝኣትዉ ስድራቤታት እያ።
እዛ ስድራ፡ ንኣርባዕተ ሰዓታት ኣብ መሬት ኰፍ ኢላ፡ "Please like, please share, please gift” ዝብላ ሒደት ቃላት ኢንግሊዘኛ ክትደጋግም ትውዕል።
በዓል ቤት ሞና፡ ብደብዳብ ነፈርቲ’ዩ ተቐቲሉ፤ ንሳ ድማ ዓይነ ስውር ዝዀነት ጓላ ሸሪፋ መጥባሕቲ ክትገብር ገንዘብ ንምርካብ እቲ ቀጥታዊ ፈነወ ቲክቶክ ትጥቀም ኣላ።
እዞም ሰባት፡ ብቨርቹዋል'ኳ ይሓቱ እንተሃለዉ፡ ካብቶም ነዞም ቪድዮታት ዝርእዩ ሰባት ግን ገንዘብ’ዩ ዝውሰድ፤ እዚ ማለት ካብቲ መተግበሪ ጥረ ገንዘብ ይውሰዶም።
እቶም ነቲ ቀጥታ ፈነወ ዝርእዩ ሰባት፡ ነቶም ነዚ ትሕዝቶ ዝሰርሑ ሰባት ንምትብባዕ ወይ ሞቕሽሽ ንምሃብ ውሑድ ገንዘብ ካብ ዝጠልቡ ዲጂታዊ ዕምበባታት ክሳብ ኣስታት 500 ዶላር ዝዋጋኦም ቨርቹዋል ኣንበሳታት ይሰዱ።
ቢቢሲ፡ ካብ መዓስከራት ሶርያውያን ብቐጥታ ዝመሓላለፉ 30 ቪድዮታት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተኸታቲሉ ሓበሬታ ኣኪቡ።
በዚ፡ እቶም ነዞም ትሕዝቶታት ዝርእዩ ተጠቀምቲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣካውንት ክሳብ ሓደ ሽሕ ዶላር ዋጋ ዘለዎም ዲጂታዊ ልግስታት ክገብሩ ርእዩ።
እቶም፡ ኣብቲ መዓስከር ዘለው ስድራቤታት ግን ካብዚ ሒደት ገንዘብ ጥራይ ከም ዝረኽቡ እዮም ዝዛረቡ።
ቲክቶክ'ውን፡ ካብዚ ክንደይ ዝኣክል ከም ዝወስድ ክገልጽ ፍቓደኛ እንተዘይኰነ፡ ቢቢሲ እቲ ገንዘብ ናበይ ከም ዝኸይድ ንምፍላጥ ሓደ ፈተነ ገይሩ።
ኣብ ሶርያ ዝርከብ ሪፖርተር፡ ኣብቶም መዓስከር ከም ዝነብር ብምግላጽ ነቶም ንቲክቶክ ቀረባ ዝዀኑ ኤጀንሲታት ረኺብዎም።
ኣካውንት ተዋሂብዎ ቀጥታ [ላይቭ] ኣትዩ፤ ኣብ ለንደን ዝርከብ ሰራሕተኛ ቢቢሲ ካብ ካልእ ኣካውንት 160 ዶላር ዝዋጋኡ ልግሲ ሰዲዱሉ።
እቲ ቀጥታዊ ፈነወ ምስ ተወድአ፡ እቲ ኣብ ሶርያ ንፈተነ ዝተኸፈተ ኣካውንት 33 ዶላር ጥራይ ወሲዱ፤ ቲክቶክ ድማ 69 ሚእታዊት ዋጋ እቲ ልግሲ ወሲዱ።

ኣብ ቲክቶክ ጸላዊ ዝዀነ ፕሮፌሽናል ተጻዋቲ ራግቢ ዝነበረ ኬት ማሶን፡ ምስ ሓደ ስድራ ኣብ ዝገበሮ ቀጥታዊ ፈነወ፡ 330 ዶላር ከም ዝለገሰን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰዓብቲ ተመሳሳሊ ልግሲ ክገብሩ ከም ዘተባብዐን ይገልጽ።
መብዛሕትኡ ሓገዝ ግን፡ በቲ ኩባንያ ማሕበራዊ ሚድያ ከም ዝውሰድ ካብ ቢቢሲ ምስ ተነግሮ፡ “ትርጕም ዘይብሉ”ን ንሶርያውያን ስድራቤታት “ፍትሓዊ ዘይኰነን” ኢሉ።
“ግሉጽነት ክህሉ ኣለዎ፤ እዚ ንዓይ ስስዐ’ዩ፡ ስሱዕ’ዩ።”
እቲ ቢቢሲ ካብ ዝሃቦ 106 ዶላር ዝተረፈ 33 ዶላር፡ ኣብ ሶርያ ካብ ዝርከብ ገንዘብ ዘመሓላልፍ ድኳን ክወጽእ እንከሎ ተወሳኺ 10 ሚእታዊት ተነክዩ።
መንጐኛታት ቲክቶክ፡ 35 ሚእታዊት ወሲዶም ነቲ ስድራ ስደተኛታት 19 ዶላር ጥራይ ይህብዎ።
ሓሚድ፡ ኣብቲ መዓስከር ካብ ዝርከቡ መንጐኛታት ቲክቶክ እዩ። ንሱ፡ ኣብ ቲክቶክ ምስ ዘለዉ ስድራቤታት ንምስራሕ ዘኽእሎ ሞባይል፣ ሲምካርድን ዋይፋይን ንምዕዳግ ዝነበራኦ ጥሪት ከም ዝሸጠ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሕጂ፡ ኣብ መዓልቲ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ 12 ስድራቤታት ይኣቱ።
ሓሚድ፡ ቲክቶክ እቶም ስድራቤታት ናብራ ክደፍኡ ይሕግዝ’ዩ ዘሎ ይብል። ንመካየዲ ስራሕ ዝኸውን ቈሪጹ ክኣ ዝበዝሐ መኽሰብ ከም ዝኸፍሎም ይዛረብ።
ልክዕ ከምቶም ካልኦት መንጐኛታት፡ ሓሚድ’ውን፡ በቶም ኣብ ቻይና ዝርከቡ ብቐጥታ ምስ ቲክቶክ ዝሰርሑ፡ “ናይ ቀጥታ ኤጀንሲታት” ይሕገዝ እዩ።
“ምስቲ መተግበሪ ዝዀነ ጸገም እንተሃልዩና ይሕግዙና። ንኣካውንታት ይዓጽውን ይኸፍቱን። ሽምን ስእልን ንህቦም፡ ንሶም ክኣ ኣካውንት ይኸፍቱልና” ይብል ሓሚድ።

ከምዚኦም ዝበሉ ኤጀንሲታት፡ "livestreaming guilds" ዝበሃሉ ኰይኖም፡ ኣብ መላእ ዓለም እዮም ዝርከቡ። እዞም፡ ተጠቀምቲ ብብዝሒ ብቐጥታ ዝመሓላለፉ ትሕዝቶታት ንኸፍርዩ ኣብ ምሕጋዝ ንኽሰርሑ ብቲክቶክ ዝተቘጸሩ’ዮም።
ቲክቶክ፡ ብልክዕ እቲ ኣብ ኣየር ዝጸንሑሉ ሰዓትን ዋጋ ዝተቐበልዎ ልግስን ዓስበ-ድለላ ከም ዝኸፍሎም እቶም ኤጀንሲታት ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቲ ንሰዓት ዝወሃብ ዘሎ ትዅረት፡ ቲክቶከራት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሶርያ ዝርከቡ ህጻናት ሓዊሱ ኣብ ሓደ ግዜ ንሰዓታት ኣብ ቀጥታ ፈነወ ንኽጸንሑ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።
ማርዋ ፋታፍታ፡ ኣብ ትካል ዲጂታዊ መሰላት ‘ኣክሰስ ናው’ እያ ትሰርሕ።
እዞም ቀጥታዊ ፈነወታት፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት “ካብ ጉድኣት፡ ሓደጋ ወይ ምዝመዛ ምክልኻል” ንዝብሉ ፖሊሲታት ቲክቶክ ዝጻብኡ ከም ዝዀኑ ትገልጽ።
"ቲክቶክ፡ ተጠቀምቲ ብግልጺ ህያባት ክሓቱ ከም ዘይፍቀደሎም ብንጹር ይገልጽ፣ ስለዚ፡ ብንጹር ናይ ገዛእ ርእሶም ውዕል ኣገልግሎት፡ ከምኡ'ውን መሰል ናይዞም ሰባት ምግሃስ'ዩ" ኢላ።
ሰባት፡ “ሓገዝን ርህራሀን” ካልኦት ንምርካብ ዛንታኦም ኣብ ኦንላይን ከካፍሉ መሰል ኣለዎም’ዩ እትብል ማርዋ፡ እዞም ቀጥታዊ ፈነወታት ግን “ክብሪ ዝጐድሎምን ዘዋርዱን’ዮም” ትብል።
ሕግታት ቲክቶክ፡ ኣብ ቀጥታ ቅድሚ ምእታውካ ሓደ ሽሕ ሰዓብቲ ክህልውኻ ኣለዎም፣ ህያባት ክትሓትት ኣይፍቀድን ከምኡ’ውን ህጻናት ኣብቲ መተግበሪ ካብ “ጉድኣት፡ ሓደጋ ወይ ምዝመዛ ክትከላኸለሎም” ግድን ምዃኑ ይጠቅስ።
ቢቢሲ፡ ነዚ ጸብጻብ ንምድላው ኣብ ዝተኸታተሎም 30 ኣካውንታት ግን ህጻናት ክልምኑ ተራእዮም’ዮም። ቲክቶክ ድማ፡ እዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ንፖሊሲታተይ ዝተጻብአ ኣይኰነን ይብል።
ቢቢሲ ብቐጥታ ካብ ቲክቶክ ምላሽ ክሓትት እንከሎ፡ እቲ ኩባንያ ንዅሎም ኣካውንታት ዓጽዩዎም።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ብቢቢሲ ዝቐረበ ሓበሬታን ክስታትን ኣዝዩ የሻቕለና’ዩ፤ ቅልጡፍን ጽኑዕን ስጕምቲ ወሲድና ኣለና። ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ኣብ መድረኽና ኣይፍቀድን እዩ፤ ኣብ ዙርያ መዝማዚ ልመና ድማ ዓለማዊ ፖሊሲታትና ዝያዳ ነሐይል ኣለና፡" ኢሉ።
ቲክቶክ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለም እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ማሕበራዊ ሚድያ ኰይኑ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ 6.2 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







