ዝርርብ መንግስትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ብዘይ ፍረ ተበቲኑ

እቲ ኣብ ሞንጐ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን (ኦነግ) ንሰሙናት ክካየድ ዝቐነየ ዝርርብ ሰላም ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ተገሊጹ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ሎሚ ኣማስዩ ብኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮሚያ ዘሎ ጐንጺ ጠጠው ንምባል ምስቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከካይዶ ዝቐነየ ዝርርብ ብዘይስምምዕ ከም ዝተዛዘመ ኣፍሊጡ።
ይኹን’ምበር እቲ ንኽልቲኦም ኣካላት ዘየሰማምዐ ጉዳይ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ሰራዊት ናጻነት ኦሮሞ’ውን ኣብዚ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።
“እቲ ክልተ ግዜ ዝተኻየደ ዝርርብ ብዘይስምምዕ ተወዲኡ” ዝበለ ኣምባሳደር ሬድዋን፡ መንግስቲ በዚ ውጽኢታዊ ዘይኰነ ክስተት ከም ዝሓዘነ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዳሬሰላም ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ክካየድ ዝቐነየ ዝርርብ ሰላም ክልቲኦም ሓይልታት፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ፍትሒ ጌዲዎን ጢሞቲዎስን ንማእከላይ መንግስቲ ወኪሎም ተሳቲፎም።
ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኩምሳ ድሪባን ምኽትሉ ገመቹ ኣቦዬን ከምኡ’ውን ካልኦት ክልተ ወከልቲ ክልል ኦሮሞያ’ውን ኣብቲ ዘተ ክሳተፉ ከም ዝቐነዩ ቢቢሲ ካብ ምንጭታቱ ክፈልጥ ክኢሉ’ዩ።
ኣሜሪካ፣ ኬንያ፣ ኖርወይን ኢጋድን ድማ ሸምገልቲ ኰይኖም ክሳተፉ ከም ዝቐነዩ ይግለጽ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብቲ ዝርርብ ንፈለማ እዋን ብኣካል ዝተሳተፈ ኣዛዚ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኩምሳ ድሪባ፡ “ፖለቲካ ኣይፈልጡን” እዮም ዝተባህሉ ሰራዊቱ ምስ መንግስቲ ይዝቲ ከም ዘሎ ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
ንሱ ዝሓለፈ ቀዳም ምስ ደገፍቱ ብማንዛ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ “ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ እዝን እትን ክብል ኣይደልን። ይኹን’ምበር ዓብዪ ብድሆ ከም ዘሎና ክትፈልጡ ይግባእ። ብወረ ዘይኰነ ብስራሕና ገምግሙና፤ ኣብ ስራሕ ኢና ዘለና” ክብል ተሰሚዑ።
ብተወሳኺ፡ “ህዝቢ ኦሮሞ ብወረ ዘይኰነ ብተግባር’ዩ ክደራደር ዘለዎ። ርእስኹም ኣድኒንኩም በርቲዕኹም ስርሑ፤ ርኣዩኒ ርኣዩኒ ምባል ትርጕም የብሉን” ኢሉ።
እንተዀነ፡ እቲ ዝርርብ ሰላም ሎሚ ብዘይ ዝዀነ ዓይነት ስምምዕ ከም ዝተወድአ ዝገለጸ ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን፡ ኣብ ኩሎም እቶም ዝተኻየዱ ዘተታት መንግስቲ ፌደራል ብቀንዱ ነቲ ጠበንጃታት ንምዕራፍን ነቲ ዘስካሕክሕ ጉድኣትን ዕንወትን ንከብቕዕ ካብ ዝነበሮ ድሌት ዝምንጪ’ዩ ክብል ሓቢሩ ኣሎ።
“መንግስቲ፡ ምኽባር ልኡላውነት፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሕብረትን ፌደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ምኽባር ቅዋማዊ ስርዓታት ዘጠቓልል ቅድም ክብል ተመሳሳሊ ጻዕርታት ዝመርሑ መትከላት ብዕቱብ ክስዕብ ፈቲኑ” ይብል።
ወሲኹ፡ “ኣብ ውሽጢ እዞም መትከላት እዚኦም መንግስቲ ብዝተኻእለ መጠን ተዓጻጻፍን ሓጋዝን ክኸውን ፈቲኑ እዩ። ኣብ ክውንነት ተመርኩሱ መንግስቲ ንኽልቲኡ ቕቡልነት ዘለዎ ፍታሕ ክረክብን ንረብሓ ሰላም ሕድገታት ክገብርን ፈቲኑ እዩ። ይኹን’ምበር ብሰንኪ እቲ ካልእ ወገን ብዘይምስምምዑ እቲ ዝርርብ ብዘይ ስምምዕ ተወዲኡ ኣሎ። ዓንቃፊ ኣካይዳን ዘይክውንነታዊ ጠለባትን ናይቲ ካልእ ወገን፡ እዚ ዝርርብ ክዕወት ዘይከኣለሉ ቀንዲ ምኽንያታት እዩ” ክብል ኣስፊሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደሴት ታንዛኒያ ዝዀነት ዛንዚባር ንፈለማ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም ብዘይ ስምምዕ ከም ዝተዛዘመ ይዝከር።
መንግስቲ ‘ሸኔ’ ዝብሎ፡ ንርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ብኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ግብረሽበራዊ ጉጅለ ተባሂሉ ከም ዝተመዝገበ ይዝከር።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ ብፍላይ ድማ ምዕራብ ኦሮሚያ ሰፊሕ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ይገብር እዩ ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዘለው ጸገማት ጸጥታ እናገደዱ ምምጽኦም ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







