‘ፖለቲካ ኣይፈልጡን፡ ዕላማ የብሎምን ተባሂልና ዝተነዓቕና ንድርድር በቒዕና’ -ጃል መሮ

ጃል መሮ

ምንጪ ስእሊ, SM

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ታንዛኒያ ኣብ ሞንጐ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ክካየድ ኣብ ዝጀመረ ድርድር ዝሳተፍ ዘሎ ኣዛዚ እቲ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኩምሳ ድሪባ፡ “ፖለቲካ ኣይፈልጡን” ዝተባህለ ሰራዊቱ ምስ መንግስቲ ይደራደር ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

እቲ ኣዛዚ ናይቲ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ዝብሎ፡ ንርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ዝዀነ ኩምሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ምስ ደገፍቱ ብዙም ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ “ፖለቲካ ኣይፈልጡን፤ ቈልዑ’ዮም፤ ዕላማ የብሎምን። ንሓድሕዶም ኣይሰመምዑን ተባሂሉ ዝንዓቕ ዝነበረ (ሰራዊት) ሎሚ ሓያላት ሃገራት ኣብ ዘለዋሉ ይደራደር ኣሎ” ኢሉ።

ኩምሳ ድሪባ፡ ኣብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከበባኢታት ኦሮሚያ ዝቕጽል ዘሎ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተጋደደ ኲናት ደው ንምባል ዝግበር ዘሎ ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ንምስታፍ ንፈለማ እዋን’ዩ ካብታ ሃገር ወጺኡ።

እዚ ንልዕሊ ዓሰርተ መዓልታት ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ መዓዝ ከም ዝውዳእ ኰነ ዝዛረረቡሎም ዘለው ርእሰ ጉዳያት ከምኡ’ውን ሕጂ ብዛዕባ ዘለወሉ ደረጃ ዝምልከት ቢቢሲ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይረኸበን።

እቲ ኣብ ዳሬሳላም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ንፈለማ እዋን ዝሳተፍ ዘሎ ድሪባ፡ ነቲ ድርድር ኣመልኪቱ ምስ ደገፍቱ ብዙም ኣብ ዘካየዶ ሓጺር ጻንሒት፡ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ዝተቘጠበ ኰይኑ፡ “ኣብ ናይ ሻሂ ሰዓት እየ ዘዛርበኩም ዘለኹ” ክብል ገሊጹ።

“ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ድርድር እዝን እትን ክብል ኣይደልን። ይኹን’ምበር ዓብዪ ብድሆ ከም ዘሎና ክትፈልጡ ይግባእ። ብወረ ዘይኰነ ብስራሕና ገምግሙና፤ ኣብ ስራሕ ኢና ዘለና” ክብል ተሰሚዑ።

ወሲኹ፡ “ህዝቢ ኦሮሞ ብወረ ዘይኰነ ብተግባር’ዩ ክደራደር ዘለዎ። ርእስኹም ኣድኒንኩም በርቲዕኹም ስርሑ፤ ርኣዩኒ ርኣዩኒ ምባል ትርጕም የብሉን” ኢሉ።

“ንሕና ስርዓት ክንሃንጽ ኢና ንደሊ፤ ንመጻኢ ወለዶ እንታይ ዓይነት ስርዓትን ሃገርን ኢና ከነረክቦ ዝብል’ዩ ዘተሓሳስበና። ንሕና ክንሓልፍ ኢና፤ ግን’ከ፡ ንመጻኢ ወለዶ እንታይ ዓይነት ኣሰር ኢና ገዲፍና ንኸይድ ዝብል የተሓሳስበኒ’ዩ” ብምባል ተዛሪቡ።

ኣብዚ ምንቅስቓስ ናጽነት ኦሮሞ ምስ ዝድግፉ ዘለው ኣባላት ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዝገበሮ ጻንሒት፡ “ብገንዘብ ንእትገብሩዎ ደገፍ ነመስግነኩም። ገንዘብ ይትረፍ ኣይበልኩን፤ ግን ድማ ኩሉ ሰብ ብክእለቱን ሞያኡን ክውደብ ይደሊ’የ። ኣብ ኵሉ ነገር እንተዘይተሰማማዕና’ውን ዘይምስምማዕና ኣሚንና ብሰላም ምንባር ንርእሱ ከም ሓደ ቓልሲ’የ ዝርእዮ” ኢሉ።

እቲ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ዘልዓለሉ ምኽንያት ግልጺ እኳ እንተዘይኰነ፡ ገለ ምጥፍፋእ ከም ዘሎ ግን ኣመልኪቱ።

“ኦሮሞ ካልእ ሰልፊ ክምስርት” ከም ዝኽእል ዝተዛረበ ኩምሳ፡ “ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ጥራይ ኣይኰነን፤ ናይ ርእስኹም ሰልፊ መስርቱ። እዚ ሰፊሕ ህዝቢ ብዙሓት ሰልፊታት እንተሃለውዎ’ውን ኣይቃወምን። ግን ድማ ብሽም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ምንጋድ ይኣክል” ክብል ንደገፍቱ ተዛሪቡ።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ብዋና ኣዛዚ እቲ ሰራዊት ኩምሳ ድሪባን ምኽትሉ ገመቹ ኣቦዬን ብዝምራሕ ልኡኽ ተወኪሉ ኣብቲ ኣብ ታንዛኒያ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ይሳተፍ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ብግብረ ራዕዲ ዝተዀነነ እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሞ፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ከም ዝንቀሳቐስ ይግለጽ።

መንግስቲ ፌደራል’ውን፡ ብኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ፍትሒ ጌዲዎን ጢሞቲዎስን ተወኪሉ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ክልተ ወከልቲ ክልል ኦሮሞያ’ውን ኣብቲ ዘተ ይሳተፉ ከም ዘለው ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ እዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣሜሪካ፣ ኬንያ፣ ኖርወይን ኢጋድን ሸምገልቲ ኰይኖም ይሳተፉ ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብወገኑ፡ ሓሙሽተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ክልተ ወከልቲ ዲፕሎማሲን ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ የሳትፍ ኣሎ።

እቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ጐንጺ ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ዝርርብ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ግን ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት እቲ ክልል ጐንጺ ይቕጽል ከም ዘሎ ነበርቲ ይገልጹ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ’ውን፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዛንዚባር ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን ተመሳሳሊ ኩነታት ተፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር። እንተዀነ፤ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ እቲ ሕጂ ኣብ ታንዛኒያ ዝካየድ ዘሎ ድርድር ዘለወሉ ደረጃ ዝምልከት ዝሃቡዎ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።