ጆ ባይደን፡ 'ኣመሪካ ብሓደ ፋሉል ፑቲን ኣይትፈርሕን'

ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ቭላድሚር ፑቲን ኣርባዕተ ዝተጎበጠ ዞባታት ዩክሬን ድሕሪ ምሕዋሱ፡ ኣሜሪካ ነቲ ዘይግቡእ ምፍርራሕ ኢዳ ከምዘይትህብ ንሩስያ ኣጠንቂቑ።

ፕረዚደንት ፑቲን፡ ነተን ሓደስቲ ዝተሓወሳ ግዝኣታት ንምክልኻል ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይጥቀም ዝብል ስግኣት ዘሎ ይመስል።

ፑቲን፡ እተን ዞባታት "ንዘልኣለም" ኣካል ሩስያ ከምዝኾና ኣዊጁ እዩ።

ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ፡ ነቲ ስጉምቲ "ድሕሪ ምጅማር ኲናት እቲ ዝኸበደ ምዕባለ" ክብል ገሊጽዎ።

እቲ መራሒ ሩስያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኣብ ኬርሰን፣ ዛፖሪዝዝያ፣ ሉሃንስክን ዶኔትስክን ዝርከቡ ዜጋታት "ምስ ህዝቦም፡ ምስ ሃገሮም" ክኾኑ ከምዘመረጹ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብተን ዞባታት ዝተኻየዱ ረፈረንደም፡ መንግስታት ዩክሬንን ምዕራባውያንን ናይ ሓሶት ክብሉ ኮኒኖምዎ እዮም።

መብዛሕትኡ መደረ ፑቲን ግን፡ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ሃገራት ዘነጻጸረ ነይሩ።

ኣሜሪካ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣንጻር ጃፓን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ብምጥቃም "ቅድመ-ኩነት" ከም ዝፈጠረትን፡ እዚ ድማ ርኡይ ስግኣት ምዃኑን ገሊጹ።

ፑቲን ዝሓለፈ ሰሙን ሃገሩ "ዝተፈላለየ ናይ ጥፍኣት ኣጽዋር" ከምዘለዋ ብምግላጽ ኩሉ ዘሎ መገድታት ከምትጥቀም ብምግላጽ፡ "ጃህራ ኣይኮነን" ኢሉ።

ፑቲን፡ ኣብ ልዕሊ እተን ሓደስቲ ዝተሓዋወሳ ግዝኣታት ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ፡ ኣብ መሬት ሩስያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተገይሩ ከም ዝረአ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ወጥሪ ምግዳድ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ነቲ መደረ ፑቲን "ፋሉል ቃላትን ምፍርራሕን" ኢሉ ክገልጾ እንከሎ፡ "ኣመሪካን መሓዙታን ኣይፈርሓን" ክብል ወሲኹ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ኣጻብዕቱ ናብ ካሜራ እናኣመልከተ፡ ብቐጥታ ናብ ፕረዚደንት ሩስያ መደረ ኣስሚዑ።

ንሱ ነቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ምዕራባውያን ብምጥቃስ፡ "ኣመሪካ ምስ መሻርኽትና ኣባላት ኔቶ፡ ንነፍሲ ወከፍ ስድሪ ግዝኣት ኔቶ [ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ] ንምክልኻል ምሉእ ድልውነት ኣለና" ኢሉ።

"ሚስተር ፑቲን፡ ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ኣስተውዒል፡ ነፍሲ ወከፍ ኢንች።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ድሕሪ ቁሩብ ግዜ፡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሃገራዊ ድሕነት ባይደን፡ "ሞስኮ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ዕድል እኳ እንተሃለወ፡ ዘሻቕል ስግኣት ዘሎ ግን ኣይመስልንን፡ ኢሉ።

ዩክሬን ብወገና ድሕሪ መደረ ሚስተር ፑቲን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ሓድሽን ቅልጡፍን ወፍሪ ጀሚራ’ላ።

ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ዩክሬን ንነዊሕ እዋን "ብጭቡጥ" ኣባል ናይቲ ኪዳን ከምዝነበረት ብምግላጽ፡ ሞስኮ "ቅትለት፣ ጸለመ፣ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ሓሶትን ተጠቒማ" ዶባት ዳግማይ ተመዓራሪ ከምዘላ ከሲሱ።

ሚስተር ስቶልተንበርግ ግን እቲ ውሳነ ኣብ 30 ኣባላት እቲ ውድብ ዝዓረፈ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ኣባላት እቲ ኪዳን ንዝኾነ ሃገራት ነተን ሓደስቲ ዝተሓወሳ ግዝኣታት ኣፍልጦ ከምዘይህባ’ውን ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን "እቲ ብፑቲን ዝተኣወጀ ዘይሕጋዊ ምሕዋስ ዋላ ሓንቲ ዝቕይር ኣይኮነን" ክትብል ገሊጻቶ እያ።

"ኩሎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብወረርቲ ሩስያ ዝተጎበጡ ግዝኣታት መሬት ዩክሬን ወትሩ ኣካል ናይታ ልኡላዊት ሃገር ዩክሬን እዮም።"

ደቡብ ኮርያ፡ ነቲ ምሕዋስ ኣፍልጦ ከምዘይሃበት ብምግላጽ፡ ልኡላውነት፡ ጸጥታን ናጽነትን ዩክሬን ክሕሎ ከምዘለዎ ገሊጻ።

ሚስተር ፑቲን ኣብታ ኣብ ሞስኮ መደረ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን፡ ሓይልታቱ ኣብታ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ዶኔትስክ እትርከብ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ከተማ ሊማን ብወተሃደራት ዩክሬን ተኸቢቦም ኣለዉ።

ዓርቢ ምሸት፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኪየቭ፡ ካብ ሊማን ንሰሜናዊ ምዕራብ 8 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ቁሸት ድሮቢሸቭ ከም ዝተቖጻጸሩ ገሊጹ።

ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ኣብ ዛፖሪዝያ ኣስታት 30 ዩክሬናውያን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ቃፍላይ ብዝገበረቶ መጥቃዕቲ ሮኬት ተቐቲሎም።

ሩስያ ነተን ኣርባዕተ ዝተጎበጣ ዞባታት ምሕዋሳ ዝኹንን ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግብሪ ከይውዕል ተቓዊማ እያ።

ተቓውሞ ሩስያ ትጽቢት ዝተገብሉ እንትኾን፡ ህንድን ቻይናን ግን ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢበን።