ሩስያ ተወሳኺ ኣርባዕተ ከባቢታት ዩክረይን ብወግዒ ክትጐብጥ እያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ድሕሪ’ቲ ብዩክረይንን ምዕራባውያን ሃገራትን ከም ሓሶት ዝኹነንዎ ባዕላዊ ሪፈረንደም፡ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ከባቢታት ዩክረይን ብወግዒ ናብ ሩስያ ንምሕዋስ፡ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ክፍርም'ዩ።
ብሩስያ ዝድገፉ ሰበስልጣን ኣቐዲሞም፡ እቲ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቐጸለ 'ህዝበ-ወሳነ' ዳርጋ ምሉእ ህዝባዊ ደገፍ ከምዝረኸበ ገሊጾም ነይሮም።
እቶም ዝተበሃሉ መረጻታት ኣብ ምብራቕ ኣብ ሉሃንስክን ዶኔትስክን፡ ብደቡብ ድማ ኣብ ዛፖሪዢዢያን ኬርሶንን'ዮም ተኻይዶም።
ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ቤተመንግስቲ ክረምሊን ዓብዪ መደረ ከስምዕ ከምዝኾነ እውን ተፈሊጡ'ሎ።
ይኹን እምበር እቲ ከይዲ ብናፃ ኣካላት ምክትታል ኣይተገበረሉን። ሰበስልጣን መረፃ ብዕጡቓት ወተደራት ተዓጂቦም ገዛ ንገዛ ይኸዱ ከም ዝነበሩ ዝገልጹ ፀብፃባት’ውን ነይሮም።
ኣሜሪካ ብሰንኪ እቲ ረፈረንደም ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ክትገብር ምዃና ክትገልጽ ከላ፡ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ድማ ሻምናይ ዙር ስጉምትታት ንምውሳድ ይመጣጠራ ኣለዋ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ኣናሌና ባርቦክ ኣብ ዝተጎበጠ ዞባታት ዩክረይን ዝርከቡ ሰባት ብምፍርራሕ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብጠበንጃ ካብ ገዝኦምን ናይ ስራሕ ቦታኦምን ከምዝተወሰዱ ትገልጽ።
"እዚ ኣንጻር ነጻን ፍትሓውን መረጻ'ዩ። እዚ ድማ ኣንጻር ሰላም'ዩ" ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







