“ትሕቲ ከልቢ’የ ተራእየ” ካብ ቤት ማእሰርቲ ሩስያ ዝተፈትሐ ኢንግሊዝያዊ

ምንጪ ስእሊ, The Sun
ካብ ቤት ማእሰርቲ ሩስያ ዝተፈትሐ ብሪጣኒያዊ ኣብ ናይ ማእሰርቲ ጻኒሒቱ ንኸልቢ ካብ ዝውሃብ ክብሪ ብዝሓመቐ መገዲ ከምዝተኣናገደን ኣብ ጽሙው ቤት ማእሰርቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ከምዝተኣሰረን ገሊጹ።
ኣብ ዩክረይን ሩስያ ብእትሕግዞም ሓይልታት ከምዝተኣሰረ ዝተዛረበ ኣይደን ኣስሊን ኣብ ሩስያ ንኣዋርሕ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሃገሩ ዓባይ ብሪጣንያ ተመሊሱ’ሎ።
ንሱ ን ‘ዘ ሰን’ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ምስተወግአ 'ቅልጡፍ ዶስ ጥዑም ኣማዋዉታ ይሕሸካ?' ዝብል መማረጺ ቀሪብሉ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።
እቶም እሱራት ንጉሆ ንጉሆ ሃገራዊ መዝሙር ሩስያ ክዝምሩ ይግደዱ ከምዝነበሩ ዝሓበረ ኣይሰን፡ “እንተዘይዘሚርካ ግን ትቕጻዕን ትውቃዕን” ኢሉ።
ኣይሰን ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ምሩኽ ኮይኑ ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዜ ከምዝተወግአን ኣብ ሰብነቱ ውቃጦ ስለዝነበሮ ድማ ከምዝወቕዕዎን ሓቢሩ።
ንኣስሊን ሓዊስካ ዓሰርተ እሱራት ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተፈትሑ ኮይኖም ስዑድ ዓረብ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ናይ እሱራት ምልውዋጥ ክግበር ድሕሪ ምስርሓ’ዮም ተፈቲሖም።
ካብቶም ዝተፈትሑ እቶም ሓሙሽተ ኢንግሊዛውያን ኮይኖም ጆን ሃርዲንግ፣ ዳይላን ሄሊ፣ ኣንድሪው ሂልን ሻዩን ፒነርን ይርከብዎም።
ኣስሊን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ወዲ ኖቲንግሃምሻይር'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ማዝያ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ ማሪፖል እንዳተወጋአ እንከሎ’ዩ ተማሪኹ።

ምንጪ ስእሊ, Aslin
ኣስሊን፣ ፒነርን ሞሮኮኣዊ ኢብራሂም ሳዱን ኣብ ቤት ፍርዲ ሪፐብሊክ ህዝብታት ዶኔስክ ቀሪቦም ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድዎም ከምዝነበረ ተገሊጹ።
ኣስሊን ኣብቲ ብኻራ ተወጊኡ ዝነበረሉ ግዜ “ዳርጋ ሞይተ’የ ነይረ” ኢሉ።
ኣብ ናይ ክልተ ሰብ መእሰሪ ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ተኣሲሩ ከምዝነበረ ዝገለጸ ኣስሊን እቲ መደቀሲኡ ብባልዕ ዝተወረረ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።
ሽቃቕ ብዘይምንባሩ ድማ ኣብ ጠራሙዝ ቀልቀል ይወጽኡ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር ንሰለስተ ሰሙን ዝኣክል ቁራስ ባንን ማይን እንዳበልዑ ብህይወት ምጽንሖም ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







