ዩክረይን ብጸረ መጥቃዕቲ ኣገደስቲ ከተማታት ተቖጻጺራ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ዩክረይን ብዝገበረቶ ጸረ መጥቃዕቲ ኣብ ኢድ ሓይልታት ሩስያ ዝጸንሓ ኣገዳስቲ ከተማታት ተቖጻጺራ።
ብቕልጡፍ ጸረ መጥቃዕቲ ዩክረይን ዝተደፍኡ ሓይልታት ሩስያ ካብ ኣገደስቲ ምብራቓውያን ከተማታት ስሒቦም።
ሰብመዚ ዩክረይን፡ ሰራዊቶም ብቐዳም ናብታ ኣብ ምብራቕ ቀንዲ መናሃሪ ዕጥቅን ስንቅን ዝነበረት ከተማ ኩፒያንስክ ከም ዝኣተዉ ገሊጾም ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ከኣ ሰራዊቱ "ምእንቲ ኪወዳደቡ” ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘላ ከተማ ኢዝዩም ከም ዘንሰሓቡ ገሊጹ ።
ብተወሳኺ፡ ንግንባር ዶነትስክ 'ንምድልዳል" ካብታ ሳልሰይቲ ከተማ ባላቅሊያ ከም ዝወጽኡ እውን ኣረጋጊጹ።
ሩስያ ኣብ ሚያዝያ ካብ ዝሓዘቶ ከባቢታት ኪየቭ ምስሓባ ዩክረናውያን ነቲ ጸብለልታ እንተዓቂቦሞ ዓቢ ዓወት እዩ።
ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብቐዳም ለይቲ ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መደረ፡ ዩክረይን ኣብዚ ወርሒ እዚ ብሓድሽ መልክዕ ጸረ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ንነጀው፡ ካብቲ ሓይልታት ሩስያ ተቖጻጺሮሞ ዝጸንሑ መሬታ ኣስታት 700 ስኴር ማይልስ ተቖጻጺራ ምህላዋ ገሊጹ።
ከምቲ ንሱ ዝበሎ፡ ኣብተን ዳሕሮት 48 ሰዓታት ጥራይ ፍርቂ ካብቲ ዝገለጾ መሬት ከምዝሓዙ እዩ ዝሕብር። ፕረዚደንት ዘለነስኪ ኣብቲ ብሓሙስ ምሸት ዝሃቦ መግለጺ ዕጽፊ ናይዚ ሓራ ዝወጽአ መሬት ክቆጻጸሩ ከም ዝኽእሉ እዩ ገሊጹ ነይሩ።
ሩስያ ሰራዊታ ካብ ኣይዙም ከም ዝሰሓቡ ምግላጻ ንዩክረይን ካልእ ዓወት እዩ። ምኽንያቱ እታ ከተማ ቀንድን ኣገዳሲትን መደበር ወተሃደራት ሞስኮ እያ ነይራ።
ሩስያ " ንግንባር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ዶነትስክ ንምድልዳል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ኣይዙምን ባላክሊያን ስሒብና” ክትብልመግለጺ ሂባ።
" [በቲ ጸረ መጥቃዕቲ] ኣብ ሰራዊት ሩስያ ጕድኣት ምእንቲ ኸይወርድ፡ [ከዝልቑ እንከለው] ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ሓያል ናይ ተዅሲ ጉልባብ ኢና ኣካይድና።" ኢላ።
ድሕር’ዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ቀንዲ ኣማሓዳሪ ናይቲ ሩስያ እትቈጻጸሮ ክፋል ዞባ ካርኪቭ: እቶም ነበርቲ "ህይወቶም ንምድሓን" ናብ ሩስያ ክግዕዙ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ኣመሓዳሪ ናይታ ጎረቤት ዞባ በልጎሮድ ድማ፡ ነቶም ዶብ ሰጊሮም ንሩስያ ዝኣትው ሰባት፡ ሕክምናዊ ክንክንን መሞቕን ዘቕርባ ተንቀሳቐስቲ መሳለጥያታት ከም ዝቐረበ ገሊጹ ።
እዚ ምዕባለታት እዚ፡ ሰራዊት ዩክረይን ነቲ ሩስያ ተቖጻጺራቶ ዝነበረት ግዝኣቶም ናይ ምምላስ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ዘርኢ ምልክት ብምዃኑ፣ኪየቭ ንምዕራባውያን ደገፍታ ወተሃደራዊ ደገፎም ብዝተዓጻጸፈ ክቕጽሉላ ትሓትት ኣላ።
ንክየቭን መሻርኽት ንምትብባዕ
ትንተና ብጋዜጠኛ ኦርላ ጉየሪን ኢንተርናሽናል ኮርስፖንደንት ኣብ ማእከላይ ዩክረይን
ቅልጣፈ ናይቲ ጸረ መጥቃዕቲ ንሩስያውያን ጥራይ ዘይኮነ ንገሊኦም ዩክሬናውያን እውን ንክኣምኑዎ ኣገሪምዎም እዩ ። ኣብዚ ቦታ እዚ ዝነብሩ ሰባት ፡ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ይጽገሙ እዮም ።
ሩስያውያን ኣብዚ እዋን እዚ፡ ክልተ ቀንዲ መደበር ሎጂስቲካዊ ዝነበራ ቦታታት ስኢኖም ኣለዉ። ንሳተን ቀንዲ መሳለጥያ መገዲ ባቡር ዝርከበን ኢዙምን ኩፒያንክን እየን። እዚ ወተሃደራዊ ምንስሓብ ንፕረዚደንት ፑቲን ሕፍረት እዩ።
ጋዜጠኛታት ናብ ቦታ ዓውደ ውግእ ክንንቀሳቐስ ስለ ዝተኸልከልና ኣብ ቅድመ ግንባር ክንበጽሕ ኣይከኣልናን። ዩክረይን ነቲ ናይ ሓበሬታ ውግእ ክትቈጻጸሮ ወሲና እያ። ይኹን እምበር፡ ወተሃደራት ዩክረይን ሰንደቕ ዕላማኦም ኣብቲ ሓራ ዝወጸ ቦታታት ከንበልብሉ ዘርኢ ኣሳእል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ይወጽእ ኣሎ።
እዚ ኵሉ ንዩክሬናውያን ዓወት ነቶም ዝሕግዙዋ ምዕራባውያን ከኣ ተስፋ እዩ።
ሩስያውያን ክሳዕ ሕጂ ሓደ ሕምሲት መሬት ዩክረይን ሒዞም ኣለዉ። እቲ ውግእ ብቕልጡፍ ከብቅዕ’ዩ ኢሎም ዝሓስቡ እውን ሒደት ኣይነበሩን።
ይኹን እምበር፡ ዩክሬናውያን ኣብዚ እዋን እዚ ንሩስያውያን ኣብ ውግእ ክደፍኡዎም ከም ዝኽእሉ ኣርእዮም እዮም። እዚ ከኣ ንመናውራ ጥራይ ኣይኰነን። ሓደ ወተሃደራዊ ክኢላ ከም ዝበሎ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም [ኣብ ኵናት ዩክረይን] ክልተ ኣሃዱታት ሩስያ ጠፊኡ ኣሎ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሰብመዚ ምክልኻል እንግሊዝ፡ ዩክረይን ካብቲ ሩስያውያን ዝቈጻጸርዋ ዝነበሩ ክሊ ኣስታት 50 ኪ.ሜ ከምዝተቐጻጸሩ ገሊጾም ነይሮም ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ዓዲ እንግሊዝ፡ "ሓይልታት ሩስያ ብሃንደበት ተደፊኦም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ። "እቲ ግጥም ፈኲስ እዩ ነይሩ። ኣሃዱታት ዩክረይን ድማ ንሓያሎ ከተማታት ማሪኾም ወይ ኣኽቢቦም ኣለው።"
ዩክረይን ኣህጉራዊ ቘላሕታ ናብቲ ኣብ ደቡባ እትርከብ ከተማ ከርሰን እንከሎ፡ ብዘይ ተጸበዩዎ መገዲ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ጸረ መጥቃዕቲ ጀሚራ።
ወተሃደራውያን ተንተንቲ፡ ሩስያ ነታ ከተማ ንምክልኻል ንገለ ካብቲ ምኩር ሰራዊታ ኣቐድም ኣቢላ ካብቲ ዝገደፈቶ ቦታታት ከም ዘግዓዘቶ እዮምዝኣምኑ ።
ይኹን እምበር፡ ዩክረይን ኣብ ምብራቕ ባይታ ስለ ዝረኸበት፡ ብደቡብ እውን ተስፋ ረኺባ ኣላ ኢሉ እቲ በዓል ስልጣን።
ወሃቢ ቃል ደቡባዊ እዝ ሰራዊት ዩክረይን ናታሊያ ጉመኒዩክ ፡ "ኣብቲ ግንባር ካብ ክልተ ክሳብ ደርዘን ኪሎሜትራት" ከምዝደፍኡ ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ ዲሚትሮ ኩለባ፡ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት፡ እንተደኣ ምዕራብ እኹል ወተሃደራዊ ዕጥቂ ተሓባቢራ፡ ሰራዊቱ፡ ንሰራዊትሩስያ ክስዕሩ ከም ዝኽእሉን ነቲ ውግእ ብዝቐልጠፈ ክንውድኦ ኢና ኢሉ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ደቡባዊ ግንባር ዝዋግኡ ዘለው ሰራዊት ሩስያ መከላኸሊ ድፍዓቶም ከም ዘጠናኸሩን ሰራዊት ዩክረይን ኣብቲ ጀሚሩዎ ዘሎ ጸረ መጥቃዕቲ ከቢድ ተቓውሞ የጋጥሞ ከምዘሎን ገሊጾም። ኣብ ካርኪቭ እውን ትማሊ ቀዳም ብዝተተኮሰ ሮኬት ሩስያ፡ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ፡ ሓያሎ ኣባይቲ እውን ዓንዩ ኣሎ።
ሰበ-ስልጣን ዩክረይን፡ ሰራዊቶም ኣብ ከተማ ኩፒያንስክ ንባንዴራ ሩስያ ረጊጾም ባንዴራ ዩክረይን እናንበልበሉ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሖም።
ብዓርቢ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ሓይልታቱ "በብቝሩብ ሓደስቲ ቦታታት ይቈጻጸሩ" ከም ዘለዉን "ንባንዴራ ዩክረይን ናብ ቦትኣ ይመልሱዋን ንዅሉ ህዝቢ ዑቕባ ከም ዝኾኑዎን ገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ኣሃዱታት ሃገራዊ ፖሊስ ናብቲ ሓራ ዝወጸ ሰፈራታት ይምለሱ ከም ዘለዉን ነበርቲ እቲ ከባቢ ብሩስያውያን እተፈጸመ ናይ ውግእ ገበን ሪፖርት ክገብሩሉ ተማሕጺኑ።
እቲ ጻውዒት ድሕሪ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝመደበሩ ጕጅለ ምክትታል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓይልታት ሞስኮ "ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ኲናት ብዙሕ ጥሕሰት ከም ዝፈጸመ" ጸብጻብ ምቕራቡ እዩ።
እቲ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ሰራዊት ዩክረይን "ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ኲናት ግፍዒ" ከም ዝፈጸመ እውን ከሲሱ እዩ ።
ኣብ ርእሲ’ዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣንናሌና ባርባክ፡ በርሊን ኣብ ምክልኻል ዩክረይን ዝኣተወቶ ቃል ንምርኣይ ብቐዳም ኣብ ኪየቭ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ፈጺማ።
“ ሎሚ፡ [ህዝቢ ዩክረይን] ብቐጻሊ ኣባና ክውከል ከምዝኽእል ንምርኣይ እየናብ ኪየቭ " መጺአ ኢላ ሚስ ቤርቦክ ።
ትማሊ ዓርቢ ሚስተር ዘለንስኪ ነቲ ኣፍራይ ሃሉክ ባይራክታር ዝተባህለ ድሮን ዘፍሪ ቱርካዊ ሰርኲይት ኣብ ዩክረይን ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎ ህያብ ሸሊሙዎ።
እታ ኣርባዕተ ሚሳይላት ክትስከም እትኽእል እቲ ካምፓኒ ዘፍርያ ቲቢ-2 እትበሃል ደሮን ሰንደቕ መኸተ ህዝቢ ዩክረይን ኰይና ኣላ ።
ኣንካራ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ኪየቭን ሞስኮን ናይ ምሽምጋል ተራ ትጻወት እኳ እንተ’ላ፡ ሚስተር ባይራክትር ነታ ልዑላውነታ ትከላኸል ዘላ ዩክረይን እምበር ንሩስያ ድሮንን ኣጽዋርን ምሻጥ ከምዝኣበየ ኣብ ነሓሰ ንማዕከን ዜና ሲ.ኤን.ኤን ገሊጹ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







