ኲናት ዩክረይን፡ ምሩኻት ኲናት መን'ዮም? ብኸመይ ይትሓዙ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወተሃደራት፡ ዋላ'ውን ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ውግእ ኮይኖም ኣብ ኢድ እቲ ካልእ ሓይሊ ንከይኣትው ወይ ከይማረኹ ክሳብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ይዋግኡ።
ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ክባ ኣትዮም እንከለው ንካልአይቲ ዓባይ ከተማ እታ ሃገር፡ ማሪዩፖል ዝከላኸሉ ዝነበሩ ወተሃደራት ዝገበሩዎ ቃልሲ ኣብ ታሪኽ ኲናት እታ ሃገር ልዑል ቦታ ከም ዝወሃቦ ይግለጽ።
ኣብ ቀረባ ድማ፡ ሰብ መዚ ሩስያ፡ ኣብ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል ተቐርቂሮም ዝነበሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ምሩኻት ወተሃደራት፡ ብሞስኮ ዝድገፉ ዕጡቓት ናብ ዘለውዎም ከባቢታት ከም ዝተወስዱ ገሊጾም ነይሮም።
እዞም ምሩኻት፡ ብዓለምለኻዊ ኣገባብ ክትሓዙ'ዮም ምባላ፡ እቶም ዝተሓላለኹ ሕግታት ኣተኣላልያ ናይ'ቶም ኣብ እዋን ግጭት ኢዶም ዝሃቡ ወይ ዝተማረኹ ተዋጋእቲ ጎሊሖም ክርኣዩ ገይሩ ኣሎ።
ካብ ምጅማር ወራር ሩስያ ኣትሒዙ፡ ክልቲአን ሃገራት ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ክካሰሳ ጸኒሐን እየን።
ኣብ ዩክረይን ሓላፊት ልኡኽ ምቁጽጻር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ማቲልዳ ቦንገር፡ ክልቲአን ሃገራት ጥሕሰታት ከም ዝፈጸማ ዝሕብሩ "እሙናት ሓበሬታታት" ኣለው ክትብል ተዛሪባ ነይራ።
ንኣተሓሕዛ ምሩኻት ዝምልከቱ ወግዓዊ ሕግታት ኣለው'ዶ?
እወ፣ ምሩኻት ብመሰረት ካብ 1929 ጀሚሩ ኣብ ሳልሳይ ውዕሊ ጀኔቫ ዝጸደቐ ዓለምለኻዊ ስምምዓት እዮም ዝትሓዙ።
እዚ፡ ንሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ምሩኻት፣ ብዛዕብኦም ሓበሬታ ምልውዋጥን ሰብ መዚ ዘይሻራውያን ሃገራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክበጽሑዎም ምፍቃድን ዝብሉ መትከላት ኣለውዎ።
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ብዙሓት ሃገራት ሕግታት ብምጥሓስ ክኽሰሳ ምስ ጀመራ፡ እቲ ስምምዕ ብ1949 ክሰፍሕ ተገይሩ።
ንኣብነት፡ "ውልቃዊ ክብሪ ምሩኻት ምሕላው" ዝብል መትከል ተወሲኹ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ፡ እዚ ውዕሊ ሩስያን ዩክረይንን ሓዊሱ 196 ሃገራት ፈሪመናሉ'የን።
እንታይ ዓይነት ሓለዋ'ዩ ዝግበረሎም?
እቲ ዝርዝር ብዙሕ'ዩ።
ሕክምናዊ ሓገዝን መግብን ክረኽቡ ኣለዎም ካብ ዝብል ጀሚሩ ክሳብ ስቅያት ወይ ብዝበዛ እሱራት ምኽልካል ዝርከቡዎም ዝርዝራት ይሓቁፍ።
ሃገራት፡ እቲ ማእሰርቲ ከም መቅጻዕቲ ዘይኮነ እቶም ምሩኻት ኣብ ካልእ ጎንጺ ንከይሳተፉ ብዘኽእል መገዲ ዝሕዛሉ ክኸውን ከም ዘለዎ እቲ ስምምዕ ይድንግግ።
ነዚ'ዩ፡ እቶም ምሩኻት "ምፍርራሕ፣ ጸርፍን መንነቶም ንህዝቢ ምቅላዕን" ንከይበጽሖም ምክልኻል ክግበረሎም ከም ዘለዎ ዝሕብር።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ሰብ መዚ ሩስያን ዩክረይንን ምስሊ ምሩኻት ብቴሌቪዥን ክታሓላለፍ ብምግባሮም ገሊኦም ድማ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህቡ ብምግባሮም ተነቒፎም።
ስምምዕ ጀኔቫ ከም ዝብሎ፡ ሙሩኻት ኣብ ጐንጺታት ስለ ዝተሳተፉ ጥራይ ክኽሰሱ የብሎምን ይብል- እቲ ሕጊ ገበናት ኲናት ዝፈጸሙ ምሩኻት ክኽሰሱ ከም ዘለዎም ዘፍቅድ እንተኾነ'ውን።
ብተወሳኺ፡ ተጻብኦታት ምስ ኣብቅዑ እቶም ምሩኻት "ብዘይ ዝኾነ ምዝንጋዕ" ክምለሱ ከም ዘለዎም ይድንግግ።
ውዕሊ ጀኔቫ ከም ዝብሎ፡ ምሩኻት ኣባላት ሰራዊት ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣባላት ሚሊሻን ኣብቲ ሰራዊት ተሳተፍፎ ውግእ ዘይብሎም ሲቪላውያንን ከም ዘጠቓልል ይጠቅስ።
ዕሱባት ወተሃደራት፡ ብሓደ ሓደ ኩነታት - ሰለልቲ ስለ ዝብሃሉ- ብዝተፈለየ መገዲ ይርኣዩ።
ሰለልቲ ተባሂሎም ዝተኣሰሩ ሰባት እውን እንተኾኑ "ብሰብኣውነት ክትሓዙ" ከም ዘለዎምን ፍትሓዊ መስርሕ ፍርዲ ናይ ምርካብ መሰሎም ክሕሎ ከም ዘለዎን እቲ ውዕሊ የረድእ።
ምልውዋጥ እሱራት እንታይ'ዩ?
ምልውዋጥ እሱራት፡ ኣብ ሞንጎ ተጻባእቲ ሓይልታት ዝግበር ስምምዕ ምልውዋጥ ዝሓዙዎም ሰባት'ዩ።
እዚ ኣብ እዋን ኲናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቶም ናይ ዝሑል ኲናት ዓመታት'ውን ዝህሉ እዩ።
ንኣብነት፡ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን- ከምዚኦም ዝበሉ ብዙሓት ስምምዓት ገይረን እየን። ብተወሳኺ ኣብ እዋን ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን'ውን ተመሳሳሊ ፍጻመ ነይሩ።
እዚ ብውዕሊ ጀኔቫ ዝምራሕ እንተኾነ'ውን እቲ ልምዲ ግን ዝጸንሐ'ዩ። ምልውዋጥ እሱራት፡ ቅድም ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ከም ዝጀመረ ይንገር።
ኣብዚ ናይ ሕጂ ውግእ ሩስያን ዩክረይንን'ውን፡ ክልቲአን ሃገራት ምልውዋጥ ምሩኻት ከም ዝገበራ ዝሕብሩ ብዙሓት ዝተረጋገጹ ሓበሬታታት ኣለው፤ እንተኾነ ባይቶ ሩስያ ከምዚኦም ዝበሉ ተመሳሰልቲ ስምምዓት ንምእጋድ ይዝቲ'ዩ ዘሎ።
ሃገራት ግን ነዞም ሕግታት የኽብራ ድየን?
ኣይፋል። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ ድማ፡ ውዕሊ ጀኔቫ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ንዝተፈጸሙ ግፍዕታት ስዒቡ ዝሰፍሐ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ግዜ፡ ጃፓን ንብዙሓት ምሩኻት ክትብዝብ እንከላ፡ ዓሰርታት ኣሽሓት ብጥምየትን ሕማምን ከም ዝሞቱ ይግለጽ።
ኣብ ቀረባ፡ ኣብ እዋን ኲናታት ዩጎዝላቪያ -1991 ክሳብ 2001 ብዙሓት ክስታት ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ከም ዝነበሩ ይቐርቡ ነይሮም።
ብ2009፡ ክሮኤሽያ-ሰርቢያዊ ወተሃደር ነበር፡ 200 ምሩኻት ብምስቓይን ብምቕታልን ን20 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ'ዩ።
ኣመሪካን ሰሜን ቬትናምን'ውን ኣብ እዋን ኲናት ቬትናም (1965 ክሳብ 1975) ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ገበናት ብምፍጻም ይኽሰሳ።
ሓደ ካብቶም ግዳያት፡ ሴናተር ነበርን ድሓር ድማ ሕጹይ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ዝኾነ ጆን ማኬይን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ እዋን ማእሰርቲ እናሃለወ ዝበጽሖ ግህሰት ስንክልና ኣጋጢሙዎ'ዩ።
ኣመሪካ'ውን፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ መስከረም 9/11 ኣብ ኲባ ኣብ ዝሃነጸቶ ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞ ቤይ ጥርጡራት ግብረ ሽበራ ኢላ ንዝኣሰረቶም ብምስቓይ ትኽሰስ።
ብ17 ግንቦት፡ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበኛታት (ICC)፡ ወራር ሩስያ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ንዝቐርቡ ዘለው ክስታት ገበን ኲናት ዘጻርዩ 42 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ መርመርቲ፣ ክኢላታት ፎረንሲክን ሓገዝትን ናብ ዩክረይን ከም ዝሰድድ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







