ዝተዓጠቑ ህጻናት ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ምርኣዮም ዘልዓሎ ሕቶ

ካብ ዕንጼእቲ ዝተሰርሐ ብረት ዝሓዘ ህጻን፡ ኣብ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES/YASUYOSHI CHIBA

‘‘ኣብ ከባቢና ዝነብር ዝነበረ ዝቐተልኩዎ ሰብኣይ፡ ኩሉ ሻብ ብሕልመይ ይርእዮ፡፡ ‘ስቕ ኢልኪ ኢኺ እኮ ቀቲልክኒ’ እናበለ ብሕልመይ የዘራርበኒ።’’

እዚ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ወታሃደር ኮይና ክትዋጋእ ዝተመልመለት ጓል 16 ዓመት ኮተቴ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣመሪካ ዝተዛረበቶ እዩ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እውን ኮተቴታት ተሳታፊ ከምዝተገበሩ ብስፍሓት ይዝረብ ኣሎ።

ብፍላይ መንግስቲ ፌደራል፡ ሓይልታት ትግራይ ህጻናት ኣብቲ ኲናት ክሳተፉ ከምዝገበሩ ብተጋጋሚ ከሲሱ እዩ።

ከተማታት ኮረምን ኣላማጣን ኣብ ትሕቲ ሓይሊታት ትግራይ ከምዝኣተዋ ምስተገለጸ፡ ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣሕመድ ቅዋም መንግስቲ ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ ጽሑፍ ‘‘ህጻናትን መናእሰይን ብመዐወኒ ሓሽሽ እናዕበደ ናብ ኲናት እናቖስቆሶም ይርከብ’’ ኢሉ ነይሩ።

ኣብዚ ሰሙን ኒውዮርክ ታይምስ ‘ሓይልታት ትግራይ ንሰራዊት ፌደራል ካብ ትግራይ ዘውጽኡሉ መንገዲ’’ ኢሉ ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ ዝተኻተቱ ገለ ምስልታት ንብዙሓት ኣዘራሪቦም።

ናይ ኒውዮርክ ታይምስ ሰኣላይ፡ ዕድሚኦም ካብ 15 ዘይሓለፈ ዝመስሉ ክልተ ኮተቴታት ኤኬ-47 ዝተባህለ ብረት ተሓንጊጦም፡ ካልኦት ህጻናት ከቢቦምዎም እንትጓዓዙ፤ ኣብ ካልእ ድማ ጉድኣት ዝበጸሖ ዝመስል ሰብ ብቓሬዛ ተሸኪሞም ዝኸዱ ሰባት ክልተ ኤኬ-47 ተሓንጊጡ ዝጓዓዝ ኮተቴ ዘርእይ ፎቶ ኣብ ክልል ትግራይ ስኢሉ።

ቢቢሲ እዞም ኣብቲ ፎቶ ዝረኣዩ ህጻናት ኣብ ናይ ኲናት ዞባ፡ ብረት ሒዞም ፎቶ ከምዝተልዓሉ ካብቲ ሰኣላይ የረጋግጽ እምበር፡ ብዛዕባ መንንነት እቶም ህጻናት ይኹን ብዛዕባ ተዋጋእቲ ሓይልታት ትግራይ ምዃኖምን ኣብ ኲናት ምስታፎምን ኣየረጋገጸን።

እንተኾነ እቶም ህጻናት ኣብ ናይ ኲናት ዞባ ብረት ሒዞም ስለዝተርኣዩ ግን ንብዙሓት ኣሕሪቑ እዩ፤ ሓይሊታት ህወሓት ህጻናት ኣብ ኲናት ክሳተፉ ብምግባር ገበን ኲናት ፈጺሞም እዮም ዝበሉ እውን ኣለዉ። ብዛዕባ እዚ ክሲ፡ ካብ ሓይልታት ትግራይ ዛጊድ ዝተውሃበ ምላሽ ግና የለን።

ዓም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ህጻናት ንኲናት ምምልማልን ኣብ ኲናት ምስታፍን ገበን ኲናት እዩ ይብል።

እቲ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ሕዚ ናይ ዲሚክራቲክ ኮንጎ ዜግነት ዘለዎ ቶማስ ሉባንጋ ዳይሎ ዝተባህለ መራሒ ሰራዊት ዕድሚኦም ትሕቲ 15 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ኣብ ኲናት ክስለፉ ብምግባሩ ናይ 15 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዱሉ።

ህጻን ወታሃደር (ቻይልድ ሶልጀር) እንታይ ማለት እዩ?

ብመሰረት ኮንቬንሽን መሰል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ህጻን ወታሃደር (ቻይልድ ሶልጀር) ማለት ዕድሚኡ ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ኮይኑ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ኲናት ክሳተፍ ዝተመልመለ ማለት እዩ።

ብኻልእ ወገን ብመሰረት እቲ ኣብ 1949 ተመሓይሹ ኣብ ስራሕ ዝወዐለ ኮንቬንሽን ጀኔቫ፡ ሓደ ወታሃደር ዕድሚኡ ትሕቲ 15 ዓመት እንተኾይኑ ህጻን ወታሃደር ይበሃል፡፡

‘‘ህጻን ወታሃደር’’ ክበሃል ግድን ብረት ሒዙ ብቕጥታ ኣብ ዓውደ ኲናት ከሳተፍ ኣለዎ ጥራይ ማለት ግን ኣይኮነን።

ሓደ ህጻን ኣብ ውሽጢ ናይ ሰራዊት ጉጅለ ምግቢ ከብስል፣ ኣቑሑት ክሽከም፣ ክለኣኣኽን ምስቲ ሰራዊት ዝኾነ ርክብ ምስዝህልዎን ‘‘ህጻን ወታሃደር’’ ዝብል ትርጉም ከውህቦ ይኽእል እዩ።

ኣብ 2002 ኣኣ ኣብ ስራሕ ዝወዓለን ኢትዮጵያ ዝፈረመትሉን ኮንቬንሽን መሰል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ሃገራት ዕድሚኦም ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ህጻናት ኣብ ኲናት ተሳተፍቲ ዘይምዃኖም ከረጋግጻ ኣለወን ይብል።

ህጻናት ከመይን ንምንታይን ኣባላት ሰራዊት ይኾኑ?

ህጻናት ብዝተፈላለየ ኩነታት ኣባል ሰራዊት ኮይንኳ ንምምልማል ዝተቓልዑ እዮም፡፡ ነዚ ምኽንያቱ ህጻናት ኣብቲ ኲናት ዝፍጠር ዘሎ ነገርን ሳዕቤኑን ብቐሊሉ ክርድእዎ ስለዘይክእሉ ተዓሽዮም ናብ ኲናት ክኣትዉ ይኽእሉ፡፡

ካብ ትሑት መነባብሮ ዘለዎ ቤተሰብ ዝወጹ፣ ምስ ወለዶም ዝተፈላለዩ፣ ዝተፈናቐሉ፣ ኣብ ናይ ኲናት ዞባ ዝነብሩን ካብ ትምህርቲ ዝቦኸሩን ህጻናት ምብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ኲናት ክሳተፉ ናይ ምምልማል ዕድሎም ሰፊሕ እዩ፡፡