ሓኪም ሰራዊት ኣሜሪካን በዓልቲ ቤቱን ንሩስያ ብምስላይ ተኸሲሶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ቀንዲ ሓኪም ሰራዊት ኣሜሪካን በዓልቲ ቤቱ ሲቪል ሓኪምን፡ ንመንግስቲ ሩስያ ሓበሬታ ንምሃብ ውዲት ኣሊምኩም ተባሂሎም ተኸሲሶም ኣለዉ ።
እቶም ጃሚ ሊ ሄንሪን ኣና ጋብሪኤልያን ዝተባህሉ ሰባት ካብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ኣሜሪካ ብዛዕባ እቶም ሕሙማት ምስጢራዊ ሓበሬታ ንኸካፍሉ ብምሕሳብ እዮም ተኸሲሶም።
እቶም ዝተኸሰሱ መጻምድቲ ብሩስያዊ ሃገራውነት ከምዝተባብዑ፡ ንሓደ ወኪል ኤፍቢኣይ ከምዝነገርዎ ተሓቢሩ። እቶም ሰብ ሓዳር ግን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ገና ዝሃብዎ ርእይቶ የሎን።
ብሰበስልጣን ሩስያ እውን ብዛዕባ ክሲ እቶም ሰብ ሓዳር ሓካይም ዝተዋህበ ርእይቶ የሎን።
ትማሊ ሓሙስ እቶም መጻምድቲ ኣብ ሜሪላንድ ከተማ ባልቲሞር ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ብዛዕባ ጥዕና ሕሙማት ወተሃደራት ሓበሬታ ክህቡ ውዲት ከምዝኣለሙ ክሲ ተመስሪትሎም ።
እቲ ክሲ ዝመስረተሎም ኣኽባር ሕጊ፡ እቶም ሰብ ሓዳር፡ ንመንግስቲ ሩስያ፡ ምስ ወተሃደራት መንግስቲ ኣሜሪካ ምትሕሓዝ ዘለዎ ጥዕናዊ ኵነታት ውልቀ-ሰባት መረዳእታ ክህቡ ከምዝወጠኑ ይኸስስ።
ሜጀር ሄንሪ ኣብቲ ኣብ ኖርዝ ካሮላይና ዝርከብ ፎርት ብራግ ዝበሃል ዓቢይ ወተሃደራዊ መደበር እዩ ዝዓዪ ነይሩ። እቲ ናይ ሕክምና መዝገብ ካብቲ ኣብ ፎርት ብራግ ዝርከብ ሆስፒታልን ካልእ መንነቱ ዘይተፈልጠ ትካል ሕክምናን ውልቃዊ ሕክምናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ከምዝሓለነ ከኣ እቲ ክሲ የመልክት።
ዶክተር ጋብሪኤልያን ከኣ ኣብ ባልቲሞር ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጆን ሆፕኪንስ ትሰርሕ ነይራ።
ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ፡ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ዋሽንግተን ንዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ሓገዝ ሂባ ነይራ እውን ተባሂላ።
ኣብ መፋርቕ ነሓሰ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ኤምባሲ ሩስያ እየ ዝሰርሕ ብምባል ቀሪቡዋ ነይሩ። እቲ ሰብ ከኣ ወኪል ኤፍቢኣይ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ኣኼባ፡ ነቲ ወኪል ኤፍቢኣይ ዋላ እውን ካብ ስራሕ ክትስጐግን ናብ ማእሰርቲ ክትኣቱን ትኽእልን እንተዀነት ምእንቲ ሃገራውነታ፡ ንሩስያ፡ ኵሉ እትኽእሎ ዘበለት ክትሕግዝ ከምእትደሊ ከምዝሓበረቶ እቲ ክሲ የመልክት።
ንሰበይቲ እቲ ወኪል እውን ናብቲ ውዲት ከተእትዋ ከም ዝሓሰበትን፡ ከምኡ'ውን ኣሜሪካ ንወተሃደራት ዩክረይን ንምሕጋዝ ከመይ ገይራ ተሰልጥኖም ከም ዘላ ሓበሬታ ከምዘለዋን ነቲ ወኪል ከምዝሓበረቶ ትኽሰስ።
ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ዝተገብረ ካልእ ኣኼባ፡ ሜጀር ሄንሪ ንሰበይቲ 'ቲ ወኪል ኤፍቢኣይን ኵሉ ነገር ብሰንኪ ሃገራዊ ስምዒታ ከምእትገብሮን ክሳብ ናብ ሰራዊት ሩስያ ብወለንታ ክትጽንበር ከምእትሓስብን ሓቢርዎ።
ዶ/ር ጋብሪኤልያን ነቲ ንሳን ሰብኣያን ዝተኸሰስሉ፡ ንውዕል መድሕን ጥዕና ዝምልከት ኣዋጅ ግዴታታትን ተሓታትነት ግን ከምዘይጠሓሰቶ እያ ትዛረብ። ይዅን እምበር፡ ኣብ ነሓሰ እተወሰነ ሓበሬታ ከምዝሃበት እያ ትኽሰስ።
ሜጀር ሄንሪ፡ እቲ ሰራዊት ኣብ 2015 ስማን ጾታኣን ብወግዒ ክትቅይር ፍቓድ ዝሃባ፡ ኣብ ንጡፍ ወተሃደራዊ ስራሕ እትርከብ እያ።
እቲ ፍቓድ ምስ ረኸበት ከኣ ኣብታ ዓመት እቲኣ ምስ መጻምድቱ ተመርዕዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







