ሩስያን ዩክረይንን፡ ሰደድ እኽሊ ብባሕሪ ዳግማይ ክጅምር ዘኽእል ስምምዕ ፈሪመን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዩክሬንን ሩስያን፡ ኪቭ ብጸሊም ባሕሪ ኣቢላ ሰደድ እኽሊ ዳግማይ ክትጅምር ዘኽእለን ስምምዕ ፈሪመን።
እቲ ስምምዕ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ኲናት ዩክሬን ተዓጽዩ ዘሎ ሚልዮናት ቶናት እኽሊ ናብ ወጻኢ ክለኣኽ ዕድል ዝፈጥር’ዩ።
ድሕሪ ወራር ሩስያ 24 ለካቲት፡ ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ሕፅረት እኽሊ ስዒቡ ሚልዮናት ሰባት ንሓደጋ ጥምየት ክሳጥሑ ጠንቂ ኰይኑ ኣሎ።
ይኹን‘ምበር፡ ኪቭ ምስ ሞስኮ ቀጥታዊ ስምምዕ ምፍራም ኣብያ፡ ምንቅስቓስ ወተሃደራት ሩስያ፡ "ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ምላሽ" ክረክብ ምዃኑ ኣጠንቂቓ ኣላ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምፍራም ተረኺቦም እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ግን ኮፍ ኣይበሉን።
ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርጌይ ሾይጉ መጀመርያ ክፍርም እንከሎ፡ሚኒስተር መሰረተ ልምዓት ዩክረይን ኦሌክሳንደር ኩብራኮቭ ድማ ተመሳሳሊ ስምምዕ ፈሪሙ።
እቲ ስምምዕ - ንክብጻሕ ክልተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ዀይኑ፡ ን120 መዓልታት ዝጸንሕ እዩ፤ ክልቲኦም ወገናት እንተተሰማሚዖም ክሕደስ ይኽእል እዩ።
ኣብ ኢስታንቡል ብሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ ቱርኪ፡ ሩስያን ዩክረይንን ዝቖም ማእከል ምውህሃድን ምክትታልን ክምስረት ምዃኑ ተገሊጹ።
ምዕጻው እኽሊ ዩክረይን፡ ከም ባኒን ፓስታን ዝኣመሰሉ ስርናይ መሰረት ዝገበሩ ፍርያት ዝያዳ ክኸብሩን፡ ዘይቲ፣ ምግብን ድኹዕን እውን ዋግኡ እናወሰኸ ብምምጽኡን፡ ዓለማዊ ቅልውላው መግቢ ኣስዒቡ ኣሎ።
ሚስተር ሾይጉ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ "ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ነዚ መስርሕ ንምጅማር “መፍትሒታት ከምጽእ ይኽእል እዩ" ኢሉ።
"ካብ ወደባት ዩክረይን ሰደድ ፍርያት ሕርሻ ምጅማር ጥራይ ዘይኮነስ ብንጹር ኣብዚ ኣንፈት ኣብ ሰደድ ፍርያት ሕርሻን መዳበርያን ካብ ወደባት ሩስያ'ውን ክስራሐሉ እዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ዲፕሎማሰኛታት ከም ዝበልዎ፡ ብመሰረት ውዕል እቲ ስምምዕ፡
• ሩስያ መራኽብ ጽዕነት ኣብ ትራንዚት እናሃለወ ንወደባት ዒላማ ኣይትገብርን እያ።
• መራኽብ ዩክረይን ንመራኽብ ጽዕነት ብዝተዓደነ ማያት ክመርሓ እየን።
• ቱርኪ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፋ መራኽብ ክትምርምር እያ። እዚ ድማ ሩስያ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር ዘለዋ ስግኣት ንምቅላል እዩ።
• ሩስያ ብጸሊም ባሕሪ ኣቢላ እኽልን ድኹዒን ክትሰድድ ክመቻቸወላ እዩ።
ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ኦርላ ጌሪን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ዓለማዊ ኣካል ምምራሕ ካብ ዝጀመረሉ እዋን፡ እዚ እቲ ዝዓበየ ፍጻመ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ።
ንሱ፡ ኣብ ኢስታንቡል ንዝተኣከቡ ተዓዘብቲ "ሎሚ ኣብ ጸሊም ባሕሪ መብራህቲ ተራእዩ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ዓርቢ ምሸት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እታ ሃገር ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር ዝግመት እኽሊ ተቖሊሉ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ። ይኹን እምበር፡ ሞስኮ "ንጻዕርታት ዩክሬን ንምጽላም፡ ክትዋፈር ትኽእል እያ። ግን ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኣምኖ ኢና" ኢሉ'ውን ኣጠንቂቑ። ሚስተር ጉተረዝ ግን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሩስያ ነቲ ስምምዕ እንተጥሒሳ ዝቐጽዓሉ መገዲ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ኣሚኑ።
እንተኾነ ግን "ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ ዕንደራ ከምዝኸውንን ምሉእ ማሕበረሰብ ዓለም ኣዝዩ ሓያል ግብረ መልሲ ከምዝህብን" ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰደድ እኽሊ፡ ንቀርኒ ኣፍሪካ'ውን ዓብዪ እፎይታ ኮይኑ ከምዝመፅእ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣን ሶይ ካብ ናይሮቢ ገሊፃ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ዞባ፡ ብሰንኪ ድርቂ፣ ለበዳ ኮቪድ-19፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ከምኡ እውን ከቢድ ሕፅረት መግቢ የጋጥሞ ኣሎ።
ኣመሓዳሪት ትካል ልምዓት ኣሜሪካ [ዩኤስኣይድ] ሳማንታ ፓወር፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ምፍታሕ ቅልውላው እቲ ዞባ "ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ኢላ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ'ቲ ድርድር ወሳኒ ተራ ዝተፃወተ፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ እዚ ስምምዕ፡ ነቲ ኲናት ብሰላም ንምቁራጽ ፡ ቀዳማይ ስጉምቲ ክኸውን ከምዝኽእል ተስፍኡ ገሊጹ።
"እዚ ምስ ዩክረይንን ሩስያን እንወስዶ ዘለና ናይ ሓባር ስጉምቲ መንገዲ ሰላም ከበራብር ተስፋ ንገብር" ክብል ብዓርቢ ተዛሪቡ።
ሚስተር ጉተረዝ ግና፡ "ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንመስርሕ ሰላም ዝኸውን ቅድመ ኩነት ኣይረኣየንን ዘሎ" ክብል ተዛሪቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







