ሊቨርፑል’ዶ ማንቸስተር ሲቲ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሞንጎ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲን ዝካየድ ዓብይ ግጥም ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ክህልው’ዩ።
ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ሱተን፡ "ሊቨርፑል ቅድሚ ናብ ስታድዩም ኤሚሬትስ ምኻዳ፡ ናብቲ ናይ ቀደም ብቕዓታ ከምእትምለስ ግምተይ ክህብ ጸኒሐ'የ" ይብል።
“ግን ከኣ ፈሺሉ። ዋላ'ኳ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ንሬንጀርስ 7 ብ 1 እንተሰዓረት፡ ኣብ ቅድሚኣ ከቢድ ፀዋታ እዩ ዝፅበያ ዘሎ” ክብል’ውን ወሲኹ ይገልፅ።
ሱተን ነዚ ጸወታ ሓዊሱ ኣብ መበል 10 ሰሙን ናይ ዝካየዱ ጸወታታት ግምት ውጽኢት ኣቐሚጡ ኣሎ።
ዓርቢ
ብሬንትፎርድ ምስ ብራይተን
ኣብዚ ናይዚ ዓመት ግጥማት ብዘደንቕ ብቕዓት ዝጀመረት ብሬንትፎርድ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ፅቡቕ የላን። ዝሓለፈ ሰሙን ብኒውካስል ከምዝተሰዓረት ይዝከር።
ሓድሽ ኣሰልጣኒ ዝመዘዘት ብራይተን ብወገና እንታይ ዓይነት ጉዕዞ ክትገብር ምዃና ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኮይኑ’ሎ።
ግን ድማ ኩሉ ግዜ ሓያላት ኮይኖም ስለዝቐርቡ ኣብዚ ጸወታ ክዕወቱ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ።
ግምት፡ 1 - 2
ቀዳም
ሌስተር ምስ ክሪስታል ፓላስ
ሌስተር ኣብ ሜድኣ ኣንጻር ኖቲንሃም ፎረስት ብልጽቲ’ኳ እንተነበረት ኣንጻር ቦርንማውዝ ግን ድኽምቲ እያ ነይራ።
ነገራት ዝቕየሩ ኣይመስለንን። ናይ ድሕሪት መስመሮም ዝደክም እንተኾይኑ በዓል ዊልፍሪድ ዛሃ ነቲ ኣጋጣሚ ክብለፁሉ ይኽእሉ እዮም።
ፓላስ ንሊድስ ክሳብ እትስዕራ ኣብ ዝነበረ እዋን ናብ ድሕሪት ምውራድ ጀሚራ ነይራ።
ክልቲአን ጋንታታት ነጥቢ ተማቒለን ብማዕረ ክፈላለያ እየን ዝብል ግምት ኣለኒ።
ግምት፡ 2 - 2
ቶተንሃም ምስ ኤቨርተን

ተፃወትቲ ኤቨርተን ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝነበሮም ግጥም ብፍላይ ድሕሪ ምምዝጋብ ሸቶ ካብቲ ክኸውን ዝግበኦ ዝተሓተ ምንቅስቓስ’ዮም ኣርእዮም።
ዋላ'ኳ መስመር ምክልኻል እታ ጋንታ እንተተመሓየሸ፡ ገና ፅኑዕ ዘይምዃኑ ግን ማንቸስተር ዩናይትድ ኣርእያ'ያ።
ንቶተንሃም ስፐርስ ደው ምባል ቀሊል'ኳ እንተኾነ፡ ሃሪ ኬንን ሶን ሄዩንግ-ሚን ግን ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት’ዮም ዘለዉ።
ስለዚ ኣብዚ ግጥም ቶተንሃም ክትዕወት ኮይና፡ መጠን ሸቶ ድማ በታ ቀዳመይቲ ሸቶ ዘመዝገበትላ ደቒቕ እዩ ዝውሰን ።
ግምት፡ 3 – 1
ፉልሃም ኣንጻር በርንስማውዝ
ፉልሃም ኣንጻር ዌስትሃም ኣብ ዝነበራ ፀዋታ ኣብ ቀዳማይ እብረ ጽቡቕ ነይራ።
ፍፁም ቅላዕ ምስተወሃበ ኣሰልጣኒ ማርኮ ሲልቫ ኣዝዩ ሓሪቑ ነይሩ። ክሓርቕ ዝነበሮ ግን በቲ ዝተወሃበ ፍፁም ቅላዕ ዘይኮነስ በቲ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ እናተወሃቦ ክሰምዕ ዘይከኣለን ጥፍኣት ብዝፈጸመን ኣንድሪያስ ፔሬራ ክኸውን ምተገብኦ።
ኩሉ ግዜ በርንማውዝ ክትዕወት’ያ ክብል ከለኹ እቶም ተፃወትቲ ግን ግምተይ ጌጋ ከምዝነበረ እዮም ዘረጋግጹለይ።
በርንማውዝ ኣብ ትሕቲ ጋሪ ኦኔል ጽቡቕ እንተሃለወት’ኳ፡ ነተን ሰለስተ ነጥቢ እትወስደን ግን ፉልሃም ክትኸውን’ያ።
ግምት፡ 2 – 1
ዎልቭስ ምስ ኖቲን’ሃም ፎረስት
ዎልቭስ ዛጊት ኣሰልጣኒ የብላን፤ ግን ድማ ከምቲ ዝድለ ምንቅስቓስ ዘይከኣሉ ገለ ብሉጻት ተጻወትቲ ኣለውዋ።
ኣብ ናይ ምውራድ ደረጃ እንተሃለወት’ውን ገና ዓቕማ ክተርእይ ዘይከኣለት ጋንታ ጌረ እየ ዝቖፅራ።
ንኖቲንግሃም ፎረስት ብዝተፈለየ መገዲ እየ ዝርእያ። ኣለኒ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ኣስቶንቪላ ነጥቢ ክረኽቡ ምኽኣሎም ዕድለኛታት ነይሮም።
ተጻወትቲ ኖቲንሃም ገና ዘይተወሃዱ ኮይኖም ርእሰ-ምትእምማኖም የንቆልቆል ዘሎ ይመስለኒ።
ግምት፡ 2 – 0
ሰንበት
ኣስቶንቪላ ምስ ቸልሲ

ጉዳይ ኣሰልጣኒ ስቲቨን ጀራርድ ብደገፍቲ ኣስቶንቪላ መዕለቢ ውሳነ ዝተገበረሉ ኣይመስልን።
እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ ዝመረጽዎ ስልቲ ጸወታ እዩ።
ፒየር ኤመሪክ ኦባሜያንግ ሸቶታት የመዝግብ ኣሎ፤ ኣሰልጣኒ ግራሃም ፖተር ድማ ምስታ ጋንታ ናይ ምውሃድ ብቕዓቱ የርኢ ኣሎ።
ቪላ ኣብ ሜድኣ ክትዕወት ትፅገም’ያ ዘላ።
ግምት፡ 0 – 2
ሊድስ ምስ ኣርሰናል
ሊድስ ኣንጻር ፓላስ ዝገበረቶ ጸወታ ኣብ ቀዳማይ እብረ ብልጽቲ እንተነበረት’ኳ ነዊሕ ግን ኣይጸንሐትን ።
ኣብዚ ጸወታ ሊድስ ኣብ መጀመርታ ብጸቕጢ ክትጻወት ፈቲና ነይራ፤ ግን ኣይመልኣቶን።
ካብ ዘለዋ ፅቡቕ ብቕዓትን ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ውፅኢትን ብምብጋስ ኣርሰናል ነቲ ፀወታ ብዓወት ክትውድኦ እያ ዝብል ግምት ኣለኒ።
ሊድስ ከተጥቅዕ እንተፈቲና ጋብሪኤል ማርቲነሊን ቡካዮ ሳካን ዝፃወቱሉ ክፍተት ክረኽቡ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ። ንጋብርኤል ጂሰስ እውን ዕድላት ዝፈጥር’ዩ።
ግምት፡ 1 – 3
ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ኒውካስል

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብዚ ጸወታ ክትዕወት’ያ ዝብል ግምት የብለይን። እቲ ሕቶ ኒውካስል ሓንቲ ነጥቢ ወይ ሰለስተ እያ ክትረክብ ዝብል እዩ።
ማንቸስተር ኣብ ትሕቲ ኤሪክ ቴን ሃግ ትመሓየሽ ምህላዋ ይሰማማዕ እየ።
ኒውካስል ብምጥቃዕ ክትፃወት ጀሚራ’ላ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ጸወታታት’ውን 9 ሸቶታት ከምዘመዝገበት ይዝከር።
ኣሰልጣኒ ኤዲ ሃዊ ኣብ ሜዳ ኦልትራፎርድ ቅዲ ጸወታኡ ዝቕይር ኣይመስለንን።
እዚ ድማ ዕድላት ከፊቱ ንማንቸስተር ዝጠቅም እዩ።
ግምት፡ 1 – 1
ሳውዝሃምፕተን ምስ ዌስትሃም
እዚ ከቢድ ጸወታ እዩ።
ንሳውዝሃምፕተን ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዝካየድ ግጥም ክትግምግማ ኣጸጋሚ እዩ።
ኣሰልጣኒ ራልፍ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ጸቕጢ ስለዘይነከየ፡ ካብዚ ጸወታ ውጽኢት ከምዝፅበይ እግምት።
ዋላ እኳ እቲ ጸወታ ብማዕረ ውፅኢት ዝዛዘም እንተመስለኒ፡ ነገራት ግን ናብ ዌስትሃም ከዘምብል የገድዱኒ። ዌስትሃም ናብ ተኸታታሊ ዓወት ተመሊሳ ኣላ።
ግምት፡ 1 – 2
ሊቨርፑል ምስ ማንቸስተር ሲቲ
ንሊቨርፑል ካብ ውድድር ዋንጫ ከተውጽእ ከቢድ ክኸውን'ዩ። ሲቲ ናብ ሜዳ ኣንፊልድ ተጓዒዛ ክትዕወት እንተኽኢላ ግን ዕድል ኣይክትረክብን'ያ ።
ተፃወትቲ ሲቲ ነዚ ስለዝፈልጡ ክጥቀሙሉ እዮም። አርሊንግ ሃላንድ ኣብ መፋርቕ ሰሙን ስለ ዝዓረፈ ኣብ ጸወታ ክጻወት ኢዩ።
ቅዲ ኣጸዋውታ ሊቨርፑል ንሃላንድ ዝምችእ ስለዝኾነ ጥንቃቐ የድሊ።
ዋላ እኳ ሊቨርፑል ዕድል ክትፈጥር እንተኽኣለት ማንቸስተር ሲቲ ካብኣ ትበልጽ ምዃና ግን ፍሉጥ’ዩ።
ኣብ 2021 እታ ብፔፕ ጋርድዮላ እትምራሕ ጋንታ 4 ሸቶታት ከምዘመዝገበት ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ጸወታ ውን ተመሳሳሊ ሸቶ ትጽቢት ኣለኒ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







