ሞሮኮ ኣዲዳስ ዘዳለዎ ዲዛይን ማልያ ኣልጀርያ ክልወጥ ሓቲታ

ኣብዚ ሰሙን ዕላዊ ዝተገበረ ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣልጀርያ

ምንጪ ስእሊ, ADIDAS

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ሰሙን ዕላዊ ዝተገበረ ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣልጀርያ

ሚኒስትሪ ባህሊ ሞሮኮ፡ ኣዲዳስ ኣብ ዲዛይን ሓድሽ ማልያ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣልጀርያ፡ ባህሊ ሞሮኮ ተጠቒሙ ክብል ከሲሱ።

ትካል ኣዲዳስ፡ እቲ ዲዛይን ካብቲ ኣብ ኣልጀርያ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ መቾዋር ዝተበገሰ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ይኹን እምበር እቲ ጂኦሜትሪካዊ ሰማያዊ፣ ቲልን ብጫን ዲዛይን፡ ኣብ ባህልታት ሞሮኮ ልሙድ ዝኾነ 'ዜሊጅ' ዝበሃል ቅዲ ምዃኑ ጠበቓ እቲ ሚኒስቴር ሓቢሩ።

እተን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ምስ ጉዳይ ምዕራባዊ ሰሃራ ብዝተሓሓዝ ናይ ነዊሕ ታሪኽ ክትዕን ወጥሪን ኣለወን።

ጠበቓ ሞራድ ኤላጆቲ፡ ንሚኒስትሪ ባህሊ ሞሮኮ ወኪሉ ንኣዲዳስ ሕጋዊ መጠንቀቕታ ከምዝሃበ ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።

እቲ ሓድሽ ዲዛይን ባህላዊ ምምዝማዝ እዩ ዝብል ኤላጆቲ፡ ናብ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኩባንያ ካስፐር ሮርስተድ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ባህላዊ ቅርስታት ሞሮኮ ሰሪቕካ ካብ ዓውዱ ወጻኢ ንምጥቃም ዝግበር ፈተነ" ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ፡ እቲ ጀርመናዊ ትካል ስፖርታዊ ክዳውንቲ፡ ነቲ ዲዛይን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከልውጥ ጠሊቡ ኣሎ።

ወሲኹ’ውን፡ ናይ 2022-2023 ዓመተ ውድድር ማልያ ኣልጀርያ "ንመንነትን ታሪኽን ባህላዊ ባእታታት ዘሊገ ንኽጠፍእን ንኽጥምዝዝን ኣበርክቶ ዝገብር’ዩ" ኢሉ።

ቢቢሲ፡ ኣዲዳስ ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎ ርእይቶ ክህብ ሕቶ ኣቕሪቡ’ሎ።

ኣስታት 2000 ኪሎ ሜተር ዝቑመቱ ሓባራዊ ዶብ ኣልጀርያን ሞሮኮን፡ ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ናጽነት ካብ ዝረኽባ ንደሓር ምንጪ ወጥሪ ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ።

ሚኒስትሪ ባህሊ ሞሮኮ፡ እቲ ዲዛይን ኣብ ባህልታት ሞሮኮ ልሙድ ዝኾነ ዜሊጅ ዝበሃል ቅዲ ምዃኑ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስትሪ ባህሊ ሞሮኮ፡ እቲ ዲዛይን ኣብ ባህልታት ሞሮኮ ልሙድ ዝኾነ ዜሊጅ ዝበሃል ቅዲ ምዃኑ ይገልጽ

ኣብ 1963፡ ሞሮኮ ኣብ ኣልጀርያ ይግብኣኒ ትብሎ መሬት ክትሕዝ ዝገበረቶ ጻዕሪ ስዒቡ እተን ሃገራት ‘ሳንድ ዋር’ ብዝብል ዝጽዋዕ ኲናት ኣካይደን ነይረን።

ድሓር ድማ ኣልጀርያ ነቲ ንምዕራባዊ ሳሃራ ካብ ሞሮኮ ነጻ ንምውጻእ ዝተገብረ ወፍሪ ግንባር ፖሊሳርዮ ድጋፍ ድሕሪ ምሃባ ናብቲ ካብ 1975-1991 ዝቐጸለ ኲናት ምዕራባዊ ሳሃራ 1975-1991 ኣምሪሐን።

ብድሕሪኡ፡ ዕጡቓት እስላማውያን ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ሞሮኮ ማራካሽ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ቦምባ ድሕሪ ምድርባዮም፡ እቲ ዶብ ኣብ 1994 ብጸጥታዊ ምኽንያት ተዓጽዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ 2021 ኣልጀርያ፡ ሞሮኮ "ተጻባኢ ተግባራት" ፈጺማ ኢላ ብምኽሳስ ምስ ጎረቤታ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣቋሪጻ።

ሞሮኮ ግን ነቲ ስጉምቲ "ፍጹም ዘይምኽኑይ" ክትብል ከምዝገለጸቶ ይዝከር።