ብሞት ንግስቲ ዝተቛረፀ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ ክቕፅል’ዩ

ምስሊ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሕሪ ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ከም ምልክት ኣኽብሮት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ሃገራዊ ሊግ እንግሊዝ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ክቕጽል ምዃኑ ተገሊፁ።

ኵሎም ግጥማት ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ፡ ዌልስን ሰሜን ኣየርላንድን ከምኡ ድማ ኩዕሶ እግሪ ስኮትላንድ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም ከምዝተቛረፁ ይፍለጥ።

ኣብ ፍርቂ ሰሙን ዝካየዱ ጸወታታት ሊግ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ (EFL) ክቕጽሉ ትጽቢት ይግበር።

ፕረምየር ሊግ'ውን ብዛዕባ እቶም ካብ 16 ክሳብ 18 መስከረም ዝካየዱ ጸወታታት ዛጊት መግለጺ ኣይሃበን።

ገለ ጸወታታት ብሰንኪ ሕጽረት ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ክጽለዉ ከምኽእሉ ይግለጽ።

ወሃቢ ቓል ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ፖሊስ፡ "ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ እቶም ግጥማት ብዘይ ስግኣትን ብዝግባእ ጸጥታን ክካየዱ ምስ ካልኦት ትካላት ብምትሕብባር ይሰርሕ ኣሎ፡" ኢሉ።

"እዚ ፍሉይ ኵነታት'ዩ፤ ምስ ኵሉ ዝምልከቶ ድማ ብቐረባ ንሰርሕ ኣለና" ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።

ኣብ ኵሉ ደረጃታት ዝካየድ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዌልስ ሰሉስ ዝጅምር ኰይኑ፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዌልስ ግን ኣብ መዓልቲ ቀብሪ ክካየድ ዝግበኦ ጸወታታት ዝምልከት መምርሒ፡ "ኣብ ግዚኡ ክወሃብ'ዩ" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሃገራዊ ሊግ - [ሓሙሻይ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ] ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ካብ ሰኑይ 12 መስከረም ዝጅምር ንሰሙን ዝተመደበ ጸወታታት ከምቲ ዝተመደበሉ ግዜ ክቕጽል ምዃኑ እቲ ሊግ ከረጋግጽ ይኽእል'ዩ፡" ክብል ኣፍሊጡ።

"ጋንታታት ክሳብ ቀብሪ ኣብ ዘሎ እዋን ቅድሚ ጸወታ ናይ ሓደ ደቒቕ ዝክረ ሕልና ክፍጽማን ከም ምልክት ኣኽብሮት ድማ ተጻወትቲ ኣብ ኢዶም ጸሊም ምልክት ክኣስሩን ተሓቲተን ኣለዋ" ኢሉ’ሎ።

እዚ ዳግማይ ምጅማር ግጥማት፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ንዘለዉ ጸወታታት ፍቓድ ድሕሪ ምሃቡ ዝግለጽ ዘሎ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ ንነዊሕ እዋን ዝነገሳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓሙስ ከምዝዓረፋ ዝዝከር ኰይኑ ሰኑይ 19 መስከረም 2022 ድማ ሃገራዊ ስርዓተ ቀብረን ክፍጸም ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ (ዩኤፋ)፡ "ምስቲ ኣብ ዙርያ ሃገራዊ ሓዘን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ዝካየድ ዘሎ ፍጻመታት ብዝተኣሳሰር፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕፅረት ፖሊስን ኣገልግሎታትን" ነቲ ሬንጀርስ ኣብ ሜድኣ ኣንጻር ናፖሊ እተካይዶ ጸወታ ሻምፕዮንስ ሊግ ካብ ሰሉስ ናብ ረቡዕ ኣሰጋጊርዎ’ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቶተንሃም ሰሉስ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ምስ ስፖርቲን ሊዝበን እተካይዶ ጸወታ ሻምፕዮንስ ሊግ "ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተሓሰበሉ ከምዝካየድ" ኣረጋጊጻ’ላ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ከምኡ ድማ ሎሚ ሰኑይ [ሊድስ ዩናይትድን ኖቲንግሃም ፎረስትን ክካየድ ዝነበሮ ጸወታ] ብሓፈሻ ዓሰርተ ጸወታታት ፕረምየርሊግ ከምዝተናውሑ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሰለስተ ግጥማት ክካየዱ መደብ ተታሒዙሎም ኣሎ። እዚ ድማ ቀዳም ምሸት ቶተንሃም ምስ ሌስተር ከምኡ ድማ ብሬንትፎርድ ምስ ኣርሰናል ክኸውን ከሎ፡ ቸልሲ እውን ሰንበት 18 መስከረም ኣብ ሜድኣ ምስ ሊቨርፑል ክትገጥም እያ።

ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሜድኣ ምስ ቦሩስያ ዶርትሞንድ እተካይዶ ግጥም ቻምፕዮንስ ሊግ ከምቲ ዝተሓሰበሉ ንረቡዕ ዝቕጽል ኰይኑ፡ ሓሙስ ድማ ኣብ ሊግ ኣውሮጳ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ንኤፍ.ሲ ሸሪፍ ኣብ ሞልዶቫ ክትገጥማ ትጽቢት ይግበር።