ንጉስ ቻርለስ ንዘበነ መግዛእቲ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣሞጊሱ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ሴንት ጄምስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሹመት ንጉስ ምዃኑ ምእዋጁ ስዒቡ፡ ናይ ንግስቲ ኤልሳቤጥ “መወዳድርቲ ኣልቦ መግዛእቲ” ኣሞጊሱ።
ንጉስ ቻርለስ ወላዲቱ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ዓረፋ ዋላ’ኳ ንግስንኡ እንተተፈለጠ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 10 መስከረም 2022 ኣብ ዝነበረ ናይ ሹመት በዓል እዩ ብወግዒ ንጉስ ተባሂሉ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝዓረፋ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ስነ-ስርዓት ቀብረን 19 መስከረም 2022 እዩ ክፍፀም፤ እዛ መዓልቲ ሃገራዊ በዓል ክትኸውን ድማ ተወሲኑ’ዩ።
ንምትኽኻእ ስልጣን ስድራ ንጉሳውያን ቤተሰብ ዝከታተል ባይቶ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ንሞት ወላዲቱ “ዘይሓዊ ሓዘን” ኢልዎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንሓዳሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣባላት ባይቶ ኮመን ሃውስ ንሓድሽ ንጉስ ቻርለስ ዘለዎም ተኣማንነት ብቃለ-መሓላ ገሊፆም።
ንጉስ ቻርለስ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ቅዱስ ጄምስ ዝገበሮ መደረ፡ “ብዙሓት ንኣሓተይን ኣሕዋተይን ሓልዮትም ምግላፆምን ልዑል ፍቕሮም ምርኣዮምን ንዓይ ዓብይ ደበስ እዩ። ንሙሉእ ስድራና እውን ሓገዝን ፍቕርን ክግበረሎም ይግባእ” ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንርእሰን ንኣገልግሎት ምሃበን ኣመልኪቲ እንትዛረብ ድማ፡ “ናይ ኣደይ ዘበነ መግዛእቲ፡ ብዕምሩ፣ ብተወፋይነቱን ፅንዓቱን ተወዳዳሪ ኣልቦ እዩ” ኢሉ።
“ኣብ ሓዘን ኰይንና’ውን ነዚ እሙን ህይወት ነመስግን” ብምባል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ንጉስ ወሲኹ ኣሰር እተን ዝለዓለ ስልጣን ተሸኪመን ዝነበራ ወላዲቱ ዝገደፋሉ ዘተባብዕ ኣብነት ንምስዓብ ከም ዝፅዕር ገሊፁ።
ንግስና ቻርለስ፡ ኣብቲ ፖለቲከኛታት፣ ዳያኑን ሰብመዚን ዘካተተ ባይቶ ኣክሰሺን ክእወጅ እንከሎ እቲ ንጉስ ኣብ ፈላማይ ክፋል እቲ ኣኼባ ኣይነበረን።
ፀሓፊ ባይቶ ፕራይቪ (ባይቶ ንግስቲ ኤልሳቤጥ) ሪቻርድ ቲልብሩክ፡ ንቻርለስ “ንጉስ፡ ዋና ሓላፊ ኮመን ዎልዝ፣ሓላዊ እምነት” ብምባል ምስ ገለፆ፡ “ኣምላኽ ነዚ ንጉስ ይሓልው” ኢሉ።
ኣብዚ ጉባኤ እዚ፡ ሽድሽተ ነባራት ቀዳሞት ሚኒስትራት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተረኸቦ ኮይኖም፡ ነዚ ሓረግ እዚ ደጊሞም ተዛሪቦም። ብድሕሪኡ እቲ ኣዋጅ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ጄምስ ኣብ ልዕሊ ቤት-ፍርዲ ፍሪሪ ኣብ ዝርከብ ሰገነት ተኒቢቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







