ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ በዅሪ ጸዋታኡ ኣንጻር ሊቨርፑል ሸቶ ኣቝጺሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኒውካስል፡ ብ71 ሚልዮን ዶላር ካብ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ሶሲዳድ ኣብ መሳርዓ ዝጸንበረቶ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ትማሊ ንመጀመርታ ግዜ ማልያ እታ ጋንታ ለቢሱ ኣብ ኣንፊልድ ኣንጻር ሊቨርፑል ተሰሊፉ ሸቶ ኣመዝጊቡ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ሓምሻይ ሰሙን ጸወታታት ፕረሚየርሊግ እንግሊዝ፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ መበል 38 ደቒቕ ካብ ሎንግስታፍ ዝተቐበላ ኩዕሶ ብውሕሉል ቅላዕ ናብ ሸቶ ቀይርዋ።
ኒውካስል ክሳብ መበል 61 ደቂቕ መሪሓ ብምጽናሕ፡ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ሮቤርቶ ፈርሚኖ ካብ ሳላሕ ዝተቐበላ ኵዕሶ፡ ናብ ሸቶ ስለዝቐየራ ጸወታ 1 ን 1 ኰይኑ።
ጸወታ ብማዕረ ተዛዚሙ እናተባሃለ ግን ኣብ ተወሳኺ ግዜ፡ ኣብ መበል 98 ደቒቕ፡ ብዅርናዕ ዝተረኽበት ኵዕሶ ፈሬታስ ካርቫሎ ሸቶ ስለዘመዝገባ ጸወታ ብዓወት ሊቨርፑል 2 ብ 1 ተዛዚሙ።
ካብ 2019 ክሳብ'ዚ ወርሒ ነሓሰ ምስ ሪያል ሶሲዳድ ብምዃን 105 ግዜ ዝተሰለፈ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ምስታ ጋንታ ብምዃን 33 ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ እዩ።
ንመጀመርታ ግዜ ምስ ጋንታ ኤኣይከይ ብምዃን 28 ለካቲት 2016 ፕሮፈሽናል ጸወታኡ ዝጀመረ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ፈላማይ ጸወታኡ ጋንትኡ ኣብ ልዕሊ ቴንሁልትስ 6 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ሸቶ ከም ዘመዝገበ ይዝከር።
ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ካብ 2017 ጀሚሩ ክስለፍ ዝጀመረ ኣሌክሳንደር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ሽወደን፡ 37 ግዜ ተሰሊፉ 9 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ኣሌክሳንደር፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ትሕቲ 16 ዓመት፡ 8 ጥሪ 2017 ንመጀመርታ ግዜ ኣንጻር ኣይቮሪኮስት ጸወታ ከካይድ እንከሎ፡ 12 ጥሪ ኣንጻር ስሎቫክያ ኣብ ዝተሰለፈሉን፡ ሽወደን 6 ብ 0 ዝሰዓረትሉን ጸወታ ኣብ መበል 19 ደቂቕ ሸቶ ብምምዝጋብ፡ ኣብ ታሪኽ ሽወደን እቲ ዝነኣሰ ንሃገራዊት ጋንታ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።
ቅድሚ ናብ ሪያል ሶሲዳድ ምስጋሩ፡ ኣብ 2019 ብልቓሕ ናብ ጋንታ ዊለም ብምስግጋር፡ ምስታ ጋንታ ኣብ 16 ጸወታታት ብምስላፍ 13 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
ኣብቲ ዕለት ካብ ዝተኻየዱ ካልኦት ጸወታታት
ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ኖቲንግሃም ፎረስት ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ፡ 6 ብ 0 ክትዕወት እንከላ፡ ሃላንድ ኣብ መበል 12፡ 23፡ ከምኡ’ውን 38 ደቒቕ ሸቶታት ኣመዝጊቡ ትማሊ'ውን ሃትሪክ ሰሪሑ።
ጸወታታት ፕሪሚየርሊግ ቀድይዎ ዘሎ ሃላንድ ኣብ ሓሙሽተ ጸወታታት ትሽዓተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ሎ።
ኣርጀንቲናዊ ኣጕየሮ ኣብ 2011 ካብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ናብ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ተሰጋገረ፡ ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ጸወታኡ ሽዱሽተ ሸቶታት ከም ዘመዝገበ ዝዝከር ኰይኑ፡ ሃላንድ ነዚ ክብረ ወሰን ብምስባር ኣብ ቅድሚት ተቐሚጡ ኣሎ።
ነዚ ዓመት ብጽቡቕ ጀሚራቶ ዘላ ኣርሰናል፡ ትማሊ ንኣስቶንቪላ ኣብ ሜድኣ ዓዲማ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ኣብ መበል 30 ደቒቕ ጋብሪኤል ጀሱስ፡ ኣብ መበል 77 ደቒቕ ከኣ ጋብሪኤል ማርቲነሊ ብዘመዝገብወን ሸቶታት ነታ ካብ ዳግላስ ልዊስ ኣብ መበል 74 ደቒቕ ሓንቲ ሸቶ ዝረኸበት ኣስቶን ቪላ 2 ን 1 ብምዓር ኣብ ሓሙሽተ ጸወታታት ሓሙሽተ ዓወታት ብምምዝጋብ ብ15 ነጥቢ ንሰሌዳ ፕረሚየር ሊግ ትመርሖ ኣላ።
ኣርሰናል ኣብ ዝስዕብ ሻድሻይ ጸወታኣ፡ 4 መስከረም ናብ ኦልትራፎርድ ብምጋሽ ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ ክትገጥም እያ።
ታማሊ ዌስት ሃምን ቶተንሃምን ኣብ ዝገበራኦ ጸወታ ማዕረ ብምውጻእ ነጥቢ ተማቒለን።
ዛጊት ተኻይዱ ብዘሎ ጸወታታት፡ ማንቸስተር ሲቲ ንኣርሰናል ስዒባ ብ 13 ነጥቢ ካልኣይቲ፡ ቶተንሃም ብ11 ነጥቢ ሳልሰይቲ ብራይተን ብ10 ነጥቢ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሲሪዐን ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







