ኣለክሳንደር ኢሳቕ ምስ እንግሊዛዊት ክለብ ኒውካስል ውዕል ፈሪሙ

ኣለክሳንደር ኢሳቕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣለክሳንደር ኢሳቕ፡ ካብ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ሶሲዳድ ናብ እንግሊዛዊት ክለብ ኒውካስል ዩናይትድ ብምስግጋር ነዊሕ ውዕል ከምዝፈረመ ተፈሊጡ።

ኒውካስል ነቲ ተጻዋታይ ንምግዛእ ኣስታት 60 ሚልዮን ፓውንድ (70.8 ሚልዮን ዶላር) ከምዝወድኣላ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ዝኾነ ኣልክሳንደር፡ ኣብዚ ክረምቲ ኒውካስል ዝገዝኣቶ ራብዓይ ተጻዋታይ ኮይኑ'ሎ።

እቲ ወዲ 22 ኣጥቃዓይ፡ ኣብ ሶሲዳድ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኣብ ዝተጻወተለን 132 ግጥማት 44 ሸቶታት ምምዝጋቡ ይፍለጥ።

ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ'ውን ኣብ 37 ግጥማት ተሳቲፉ'ሎ።

"ኣዝዩ ዓቢ ውሳነ'ዩ ነይሩ ንዓይ፡ እንተኾነ ብሓቂ ዝተሓጎስኩሉ ውሳነ'ዩ" ክብል ምስታ ሓዳሽ ጋንትኡ ውዕል ምፍራሙ ከምዘሐጎሶ ተዛሪቡ።

"ኩሉ ክጽንበራ ዝደሊ፡ ዘደንቑ ደገፍቲ ዘለዉዋ፡ ዓባይ ታሪኻዊት ክለብ ትመሰለኒ። [ደገፍታ] ናብዚ ክመጽእ ኣብ ምግባር ዓቢ ተራ ኣለዎም፣ ናይታ ክለብ ፕሮጀክት'ውን ኣነ ብሓቂ ዝኣምነሉ እዩ"።

"ናብ ዝደለኻያ ክለብ ኣቲኻ ከመይ ከምዝጻወቱ ክትፈልጥ ኢኻ ትደሊ። ኒውካስል ሰሓቢ ጸወታ ዝጻወቱ ይመስለኒ፡ ኣካል ናቱ ድማ ክኸውን እደሊ"።

ኣለክሳንደር፡ ናይ ኒውካስል ዩናይትድ ('ማግፒስ') ናይ ምጥቃዕ ዓቕሚ ከሐይሎ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣሰልጣኒ ክለብ ኒውካስል ኤዲ ሃው፡ "ኣልክሳንደር ክጽንበረና ብምሕራዩ ኣዝዩ ኣሐጒሱኒ'ሎ። ኣብታ ጋንታ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ብሉጽ ተውህቦ ዘለዎ'ዩ።

"ብዓይኒ ቴክኒክ ኣዝዩ ንፉዕ፡ ዝተፈላለየ [እወታዊ ጎድኒታት] ዘለዎ ብምዃኑ ከሐይለና'ዩ። ዕድሚኡ'ውን ምስታ ክለብ ክዓቢ ዘኽእሎ'ዩ።

"ንኣለክሳንደር ናብ ኒውካስል ብምምጽኦም ንወነንቲ እታ ከለብን ናይ ምስግጋር ኮሚቲን ከመስግኖም እደሊ። ናባና ብምጽንባሩ ኩላትና ተሓጒስና ኣለና" ኢሉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

ኣለክሳንደር መን'ዩ?

ኣለክሳንደር ኢሳቕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ምስ ኤርትራ "ጥቡቕ ምትእስሳር" ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኣለክሳንደር፡ ብኢጣልያዊት ጋዜጣ 'ቱቶ ስፓርት' ንትሕቲ 21 ዓመት ኣብ ዝወሃብ ሽልማት 'ወርቃዊ መንእሰይ 2018' ምስ ካልኦት 100 መንእሰያት ተጻወትቲ ተሓጽዩ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ገና ኣብ ብርኩ ዘስተንፍስ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ስዊድናዊት ሃገራዊት ጋንታ ነቲ ግኑን ተጻዋታይ ናይታ ጋንታ ነበር ዝላታን ኢብራሂሞቪች ክትክኦ ትጽቢት ዝግበረሉ'ዩ።

ኣብ 12 ጥሪ 2017 ንሃገራዊት ጋንታኡ ዘመዝገባ ሽቶ ኣብ መበል 17 ዓመቱን 113 መዓልታትን ዕድሚኡ ዝነበረት ኮይና፡ ኣብታ ሃገር ን105 ዓመት ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ብምስባር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ዝነኣሰ ሾቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ክኸውን በቒዑ።

ካብ ቦርሽያ ዶርትሙንድ፡ ናብ ዊለም ቱ ብልቓሕ ተሰጋጊሩ ምስታ ጋንታ ኣብ ዝገበሮ ጸወታ ናይ ሸቶ ምምዝጋብ ክእለቱ ክብ ብምባል ኣብ 16 ጸወታታት 13 ሸቶታት ከመዝግብ ዝኸኣለ ኣሌክሳደር ኢሳቕ፡ ብቕዓቱ ንዓበይቲ ጋንታታት ክስሕብ ክኢሉ።

ኣለክሳንደር ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም እናደመቐ ምምጽኡ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብሓበን ዝዛረብሉ ውልቀሰብ ክኸውን ኣኽኢልዎ'ዩ።

ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፡ ስድራቤቱ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ 1980ታት ናብ ስደት ድሕሪ ምምርሖም፡ ኣለክሳንደር ኣብ ስዊድን ከምዝተወልደ ይዝረብ።