ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ብልዕሊ 70 ሚልዮን ዶላር ናብ ኒውካስል ክሰጋገር'ዩ

ኣለክሳንደር ኢሳቕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወዲ 22 ዓመት ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ናይ ኒውካስል ናይ ምጥቃዕ ዓቕሚ ከሐይሎ ትጽቢት ይግበረሉ

ኣጥቃዓይ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ሶሲዳድ ዝኾነ ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ብልዕሊ 71 ሚልዮን ዶላር ናብ እንግሊዛዊት ክለብ ኒውካስል ክሰጋገር ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ወዲ 22 ዓመት ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ናይ ኒውካስል ዩናይትድ ('ማግፒስ') ናይ ምጥቃዕ ዓቕሚ ከሐይሎ ትጽቢት ይግበረሉ።

ተጻዋታይ ጀርመናዊት ክለብ ቦሩሽያ ዶርትሞንድ: እንከሎ ኣብ ዓይኒ ዝኣተወ ኣለክሳንደር ኢሳቕ፡ ንሶሲዳድ ኣብ ዝተጻወተለን 132 ግጥማት 44 ሸቶታት ምምዝጋቡ ኣድናቖት ኣጥርዩ ይርከብ።

ኒውካስል ክሳብ ሕጂ ንሓደ ተጻዋታይ ዝኸፈለቶ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ 40 ሚልዮን ፖውንድ ምዃኑ ይፍለጥ።

ንኣለክሳንደርን ካልኦት ተጻወቲን ብምግዛእ፡ ስዑዳውያን ወነንቲ ናይታ ክለብ ዘለዎም ጥሙሕ ዘርኢ'ዩ ክብሉ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ፕሪሜርሊግ ዓዲ-ኣንግሊዝ ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ምስ ኤርትራ "ጥቡቕ ምትእስሳር" ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኣለክሳንደር፡ ብኢጣልያዊት ጋዜጣ 'ቱቶ ስፓርት' ንትሕቲ 21 ዓመት ኣብ ዝወሃብ ሽልማት 'ወርቃዊ መንእሰይ 2018' ምስ ካልኦት 100 መንእሰያት ተጻወትቲ ተሓጽዩ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ገና ኣብ ብርኩ ዘስተንፍስ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ስዊድናዊት ሃገራዊት ጋንታ ነቲ ግኑን ተጻዋታይ ናይታ ጋንታ ነበር ዝላታን ኢብራሂሞቪች ክትክኦ ትጽቢት ዝግበረሉ'ዩ።

ኣብ 12 ጥሪ 2017 ንሃገራዊት ጋንታኡ ዘመዝገባ ሽቶ ኣብ መበል 17 ዓመቱን 113 መዓልታትን ዕድሚኡ ዝነበረት ኮይና፡ ኣብታ ሃገር ን105 ዓመት ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ብምስባር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ዝነኣሰ ሾቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ክኸውን በቒዑ።

ኣለክሳንደር ኢሳቕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ካብ ቦርሽያ ዶርትሙንድ፡ ናብ ዊለም ቱ ብልቓሕ ተሰጋጊሩ ምስታ ጋንታ ኣብ ዝገበሮ ጸወታ ናይ ሸቶ ምምዝጋብ ክእለቱ ክብ ብምባል ኣብ 16 ጸወታታት 13 ሸቶታት ከመዝግብ ዝኸኣለ ኣሌክሳደር ኢሳቕ፡ ብቕዓቱ ንዓበይቲ ጋንታታት ክስሕብ ክኢሉ።

ኣለክሳንደር ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም እናደመቐ ምምጽኡ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብሓበን ዝዛረብሉ ውልቀሰብ ክኸውን ኣኽኢልዎ'ዩ።

ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፡ ስድራቤቱ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ 1980ታት ናብ ስደት ድሕሪ ምምርሖም፡ ኣለክሳንደር ኣብ ስዊድን ከምዝተወልደ ይዝረብ።