ካፍ፡ ምእንጋድ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2025 ካብ ጊኒ መንዚዑ

ዋንጫ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ - ካፍ፡ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2025 ንምእንጋድ፡ እቲ ንጊኒ ተዋሂቡ ዝነበረ ዕድል ድሕሪ ምምንዝዑ፡ ከአንግዳ ዝኽእላ ሃገራት ንምዕዳም ጨረታ ክኸፍት ምዃኑን ሞሮኮ ኸኣ ካብተን ዘመልክታ ምዃናን ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንትካፍ ፓትሪስ ሞትሰፐ ብዓርቢ ኣብ ኮናክሪ ርእሰ ከተማ ጊኒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ 24 ሃገራውያን 24 ዝሳተፋኦ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መሳለጥያታትን ብግቡእ ክስጕም ዘይከኣለ ትሕተ ቅርጽን ካብ ጊኒ ክእለ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሞትሰፐምስ መራሕቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ጊኒ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "እቲ ንጊኒ ዝተመደበ ዕድል ዋንጫ ሃገራት 2025፡ ኣብ ጊኒ ኣይክካየድን'ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ጊኒ ገና ድልውቲ ከምዘየላ ገሊጹ።

ጊኒነዚ ውድድር’ዚ ከትአንግድ ክትዳሎ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት እያ ጸኒሓ። ፈለማ ኣብ 2014 ኣአንጋዲት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023 ተባሂላ ተረቝሓ’ኳ እንተነበረት፡ ጸኒሓ ግን ኣብ 2025 ከተአንግድ ሓቲታ። 

ኣብዝሓለፈ ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ፡ ጊኒ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዝኣተወ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ስለዝሰፈና፡ ጸወታታት ኵዕሶ እግሪ ንምእንጋድ ኣብ ጸጥታን ኣወዳድባን ስክፍታታት ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ።

እንተዀነ፡ዝሓለፈ ነሓሰ፡ ወተሃደራዊ ጁንታ ጊኒ፡ ነቲ ናይ 2025 ውድድር ንምእንጋድ ቃል ብምጽናዕ፡ ገንዘብ ክለቅቕን ተበጻሕነት መሬት ከቀላጥፍን፡ ነቲ "ሃገራውን ቀዳምነታውን ረብሓ" ኢሉ ዝሰየሞ ፍጻመ ንዝግበር ምድላዋት ክሕግዝ ምዃኑን ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ።

"ውሳነ ካፍኣብ ሓምለ ዝተወሰደ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ሓድሽ ጨረታ ንምውጻእ ዘኽእል መስርሕ ከም ዘለና ብምግላጽ ናብመሰጋገሪ መንግስቲ ጊኒ ተሓቢሩ እነይሩ እዩ" ክብል ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሞትሰፐ ብዓርቢ ገሊጹ።

"ካፍ ሓድሽጨረታ ክጽውዕ እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ ትሕተ ቅርጽን መሳለጥያታትን ጊኒ፡ ካፍ ኣብኡ ጸወታታት ዋንጫ 2025 ከካይድ ዘኽእሎ ስለዘይኮነ፤ እዚ እዩ መሰረት ናይቲ ውሳነ፡" ኢሉ።

እታዝሓለፈ ሓምለ ዋንጫ ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ደቂ ኣንስትዮ ዘአንገደት ሞሮኮ፡ ነቲ ናይ 2025 ውድድር ካፍ ንምእንጋድ ከተመልክት ምዃና ኸኣ ካብ ሮያል ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ሞሮኮ ዝተረኽበ ምንጪ ኣመልኪቱ።

ኰሎነል ማማዱ ዶምቦያ፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኰሎነል ማማዱ ዶምቦያ፡ ሃገሩ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምድላው ዘድሊ ደገፍ ክገብር ምዃኑ ኣብ ነሓሰ ቃል ኣትዩ ነይሩ

ሞትሰፐን ዕላማ ዑደቱ ኣመልኪቱ ከም ዝበሎ፡ ኮንክሪ ዝኸደሉ ካብ ኣኽብሮት ዝተበገሰ ኰይኑ፡ ጊኒ ኣብ መጻኢ ዓበይቲ ፍጻመታት ከተአንግድ እትኽእለሉ ደረጃ ትሕተ ቅርጻ ብኸመይ ከተመሓይሽ ከም እትኽእል ምስ ሰበስልጣን ንምዝታይ ምዃኑ ገሊጹ።

በዚ መሰረት፡ ሞትሰፐ፡ ጊኒ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ጥራይ ብዝጻወቱ ተጻወቲ ዝካየድ ውድድር ሻምፕዮን ሃገራት ኣፍሪቃ - ቻን - ንምእንጋድ ክተመልክትን ክትዳሎን ከም እትኽእል መኺሩ።

ምትብብዐይ ጊኒ ንዋንጫ ሃገራት 2027 ከተአንግድ ቅድሚ ምሕታታ ንቻን 2024 ከተዳሉ ምሕታት ክሕግዛ ይኽእል እዩ፡ ኢሉ።

ሚኒስተር ስፖርት ጊኒ ላንሳና በያ ዲያሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገሩ ንዋንጫ ኣፍሪቃ 2025 ንምክያድ ዘኽእል ብቑዕ መሳለጥያታት ከምዘይብላ ተኣሚኑ።

ዲያሎ፡ "ሓቂ እዩ፡ ዋንጫ ሃገራት 2025 ከነአንግድ ድሉዋት ምዃንና ንፕረዚደንት ካፍ ከነእምን ዘኽእለና ነገር የለን፡" ኢሉ።