ኣብ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ብዝተፈጠረ ጽቕጥቅጥ ልዕሊ 170 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢንዶነዥያ፡ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ሓደ ስታድዮም ብዝተፈጠረ ጽቕጥቅጥ፡ ዝጊት ብውሕዱ 174 ሰባት ከምዝሞቱ ሰበስልጣን ገሊጾም። በዚ ኸኣ እቲ ስታድዮም ካብቶም ዝኸፍአ ሓደጋታት ዘአንገዱ ስታድዮማት ዓለም ኰይኑ’ሎ።
እቲ ጽቅጥቕጥ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ዓመጸኛታት ደገፍቲ ዘንብዕ ጋዝ ድሕሪ ምጥቃሙ ከምዝተፈጠረ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣሬማ ብቐንዲ መነሓንሕታ ጋንታ ፐርሰበያ ዝተሳዕረትሉ ግጥም ብዝተፈጠረ ዕግርግር፡ ኣስታት 180 ሰባት ተጐዲኦም። ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ድማ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ስታድዮም ክሕዞ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ 4 ሽሕ ዝያዳ ሰባት ሒዙ ምንባሩ'ውን ሚኒስተር ድሕነት እታ ሃገር ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢንዶነዥያ ጆኮ ዊዶዶ ብዛዕባ እቲ ክስተት ምርመራ ተገይሩ ክሳብ ዝዛዘም፡ ኣብ ላዕለዋይ ሊግ እታ ሃገር ዝካየዱ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ደው ክብሉ ኣዚዙ’ሎ።
ደገፍቲ ድሕሪ ፋጻ ማእከላይ ዳኛ ናብቲ ሜዳ ይጎዩ ከምዝነበሩ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት የርእዩ። ድሕሪ እዚ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተጠቐመን ከም ሳዕቤኑ ድማ ሰባት ክጸቓቐጡ ከምዝጀመሩን ዋሕዲ ኣየር ከምዘጋጠመን ኣብ ኢስት ጃቫ ሓላፊ ፖሊስ ኒኮ ኣፊንታ ገሊጹ።
ንሱ፡ “እቲ ኵነታት ናብ ቀይዲ በተኽነት ተሰጋጊሩ። ንፖሊስ ከጥቅዑ ጀሚሮም፡ መካይን ኣዕንዮም” ድሕሪ ምባል ክልተ ፖሊስ ካብቶም ዝሞቱ ከምዝኾኑ ጠቒሱ።
ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ናብ ሓጹር ሓዅሮም እናምልጡን ሬሳ ዝሞቱ ሰባት ኣብቲ ምድሪ ተደርብዩን ዘርእዩ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሖም ይረኣዩ።
ንጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝመሓድር ‘ፊፋ’ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ክጥቀሙ የብሎምን ይብል።
ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኢንዶነዥያ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ምርመራ ከምዝጀመረ ብምግላጽ እቲ ክስተት፡ “ንመልክዕ ኩዕሶ እግሪ ኢንዶነዥያ ዝደወነ ፍጻመ” ኢልዎ።
ኣብ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ኢንዶነዥያ ናዕብታት ክለዓሉ ልሙድ ኰይኑ፡ ኣሬማን ፐርሰባያን ከኣ ናይ ነዊሕ ግዜ መነሓንሕቲ ጋንታታት’የን።
ደገፍቲ ጋንታ ፐርሰባያ ሱራባያ ኣብቲ ዝተኻየደ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ጐንጽታት ክለዓል ይኽእል’ዩ ዝብል ሻቕሎት ስለዝነበረ፡ መእተዊ ትኬት ንኸይገዝኡ ተኣጊዶም ነይሮም።
ሚኒስተር ድሕነት እታ ሃገር ማሕፉድ ኤምዲ ኣብ ናይ ኢንስተግራም ገጹ ኣብ ዝጠቅዖ ሓበሬታ፡ ካንጁሩሃን ስታድየም 38 ሽሕ ሰባት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ’ኳ እንተዀነ፡ ቁጽሪ ዝተሸጠ መእተዊ ትኬት ግን 42 ሽሕ ከምዝዀነ ሓቢሩ’ሎ።
ፕረዚደንት ዊዶዶ እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብታ ሃገር ናይ መወዳእታ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።
ኣብ 1964 [ኣ.ኣ] ኣብ ሊማ ርእሰ ከተማ ፔሩ፡ ኣብ መንጐ ፔሩን ኣርጀንቲና ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዕግርግር 320 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ድማ ጉድኣት ወሪድዎም ከምዝነበረ ይዝከር።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ 1985፡ ኣብ በልጂየም ኣብ መንጐ ክለባት ሊቨርፑልን ጂቬንቱስን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍጻመ ጸወታ ዋንጫ ኣውሮጳ ደገፍቲ ብዘልዓልዎ ዕግርግር 39 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ 600 ድማ ከም ዝቘሰሉ ኣይርሳዕን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







