ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝካየደሉ እዋን ተቐይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝመጽእ ዓመት 2023 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኽናዋሕ ከምዝተወሰነ፡ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ፓትሪስ ሞሰፐ ኣፍሊጡ።
እቲ ውድድር ኣብ ዝመጽእ ዓመት ካብ ሰነ ክሳብ ሓምለ ኣብ ኣይቮሪኮስት ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ዝናብ ዝዘንበሉ ግዜ ብምዃኑ ግን ናብ 2024 ተናዊሑ'ሎ።
ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፕረዚደንት ካፍ ሞሰፐ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "ብሰንኪ'ቲ ዝህሉ ኵነታት ኣየር ዝኾነ ነገር ክንገብር ኣይንኽእል" ኢሉ።
ዋንጫ ዓለም ካብቲ ዝተለመደ እዋን ብዝተፈለየ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ዝካየድ ብምዃኑ፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣክንዲ ናብ ቅድሚት ዝሰሓብ፡ ናብ ዝቕጽል ዓመት ክሰጋገር ተወሲኑ'ሎ።
በዚ ምኽንያት ድማ ዋንጫ ኣፍሪቃ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካሜሩን ዝነበረ ካብቲ ልሙድ ብዝተፈለየ ኣብ ወርሒ ጥሪን ለካቲትን ክካየድ እዩ።
ጋንታታት ኤውሮጳ ገና ኣብ ግጥማት እናሃለዋ ንዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ተጻወትቲ ናብ ሃገሮም ክኸዱ ከፍቅዳ ኣብ ዝሕተታሉ እዋን ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ብዝብል፡ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ዋንጫ ኣፍሪቃ ካብቲ ብስሩዕ ዝካየደሉ ዝነበረ ወርሒ ጥሪን ለካቲትን ናብ ሰነን ሓምለን ከሰጋግሮ ኣብ 2017 ከም ዝወሰነ ይዝከር።
ፕረዚደንት ካፍ፡ "ብሰንኪ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዋ ክለባት ዘካይዳኦ ግጥም፡ ወርሒ ጥሪ ንግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝምችእ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ዘለና እንኮ ኣማራጺ ንሱ'ዩ" ኢሉ።
ብመሪሕነት ፕረዚደንት ካፍ ነበር ኢሳ ሓያቱ፡ ምስግጋር እዋን ናይቲ ኣብታ ኣህጉር ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ተነጺጉ ምፅንሑ ይፍለጥ።
ተካኢኡ ዝኾነ ማዳጋስካራዊ ኣሕመድ ኣሕመድ፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጸ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምስ ኣባል ሃገራት ብምዝርራብ ነቲ ለውጢ ኣጽዲቕዎ።
ዋና ጸሓፊ ካፍ ቨሮን ሞሰንጎ ኦምባ ከም ዝብሎ፡ ዋላ'ኳ ኣብታ ኣህጉር ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዘሎ ኵነታት ኣየር ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለየ እንተዀነ፡ እቲ ውድድር ናብቲ ቅድም ዝካየደሉ ዝነበረ ወርሒ ጥሪን ለካቲትን ናይ ምምላስ ድሌት የለን።
ሰነን ነሓሰን ወቕቲ ዝናብ ምዃኑ እናተፈለጠ፡ እቲ ውድድር ዝካየደሉ እዋን ናብ ካልእ እዋን ናይ ምንዋሕ ውሳነ ንምንታይ ከምዝተደናጐየ ዝተሓተተ ካፍ፡ "እታ ኣአንጋዲት ሃገር ንኽጥዕማ" ብዝብል ከም ዝዀነ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ዝሃቦበ መብርሂ የለን።
ፕረዚደንትን ዋና ጸሓፊን ኮንፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ ግጥማት ዋንጫ ደቂኣንስትዮ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየደላ ዘሎ ሞሮኮ ኮይኖም'ዮም ዋንጫ ኣፍሪቃ ንሓደ ዓመት ከምዝተናወሐ ወግዓዊ ገይሮም ዘለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







