ኢትዮጵያዊ ዳኛ በኣምላክ ተሰማ ኣድናቖት ዝረኸበሉ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያዊ ናይ ዳኛ በኣምላክ ተሰማ ትማሊ ምሸት መዘራረቢ ማሕበረሰብ ስፖርት ዓለም ኮይኑ ኣምስዩ፡፡ ንምንታይ?
ኣብ ካሜሩን እናተኻየደ ዝርከብ መበል 33 ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዝመጽእ ሰንበት መፈጸምታ ዝረክብ ኮይኑ ሰኔጋል ናይ ዋንጫ ተጋጣሚት ምዃና ኣረጋጊጻ ኣላ፡፡
ረቡዕ ምሸት ምስ ቡርኪናፋሶ ዝተጻወተት ሰኔጋል ብኮኸብ ኣጥቃዓይ ሳዲዮ ማኔ ተሓጊዛ 3 ን 1 ብዝኾነ ውጽኢት ተዓዊታ፡፡
ምስቲ ከቢድ ንሕንሕ ዝተርኣየሉ ጸወታ ጎን ጎኒ ኢትዮጵያዊ ናይ ማእከል ዳኛ በኣምላክ ተሰማ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣምስዩ፡፡
እቲ ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ ግጥም ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ በኣምላክ ዝዳነየሉ መበል ሳልሳይ ጸወታ እዩ ነይሩ፡፡
ቅድሚ ሕዚ ሰኔጋል ምስ ጊኒ ከምኡ እውን ካሜሩን ምስ ኮሞሮስ ኣብ ዝገበረኦ ጸወታ ናይ ማእከል ዳይና፡ ብተወሳኺ ግብጺ ምስ ናይጄርያ ከምኡ እውን ሱዳን ኣብ ዘካየደቶ ግጥማት ድማ ብመዳይ ሓጋዚ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪኤኣር) ዳንዩ፡፡
ኮይኑ ግና ነቲ ትማሊ ሃገራት ሰኔጋልን ቡርኪናፋሶን ናብ ናይ ዋንጫ ግጥም ንምሕላፍ ዘካየደኦ ጸወታ ኢንተርናሽናል ኣርቢትር በኣምላክ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣዘራራቢ ኮይኑ፡፡
ኣብቲ ግጥም እንታይ’ዩ ተፈጢሩ?
ብኽምስትኡ ዝፍለጥ በኣምላክ ተሰማ ምስ ተጻወትቲ ቆይቚ ዝፈቱ ዳኛ ኣይኮነን፡፡
ጌጋ ንዝፍጽሙ ተጻወትቲ ቢጫ ወይ ቀይሕ ካርዲ እንትመዝዝ እውን ኣይጽወግን፡፡ ዝወደቐ ተጻዋቲ ንምልዓል ዝቕድሞ የለን፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ናይ ረቡዕ ምሸት ጸወታ፡ ሰኔጋላዊ ኩያቴ ምስ ሓላዊ ልዳት ቡርኪናፋሶ ኮፊ ምስተጋጨዉ፡ በኣምላክ ንሰኔጋል ፍጹም ቅላዕ ሂቡ፡፡
ክልቲኦም ተጻወትቲ ስለዝተጎድኡ ሕክምና ክሳብ ዝረኽቡ ዝተጸበየ እቲ ዳይና፡ ናብ ቪኤኣር ከይዱ ምስረኣየ ‘ተጋግየ እየ፤ ፍጹም ቅላዕ ኣይኮነን’ ብምባል ወሲኑ፡፡
ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ፈረቓ ድማ ናይ ቡርኪናፋሶ ተኸላኻላይ ኤድሞን ታፕሶባ፡ ኣብ ናይ ጎል ክልል ኩዕሶ ነኺኡ ብምባል በኣምላክ ንሰኔጋል ፍጹም ቅላዕ ይህቦም፡፡
ብተወሳኺ ነቲ ተጻዋቲ ናይ መጠንቀቕታ ቢጫ ካርዲ ሸለሞ፡፡
ኮይኑ ግና ውሳንኡ ቅድሚ ምጽዳቑ ሓገዝቱ ነቲ ሓጋዚ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ክርእይ ይሕብርዎ፡፡
ኣብ ጫፍ እቲ ሜዳ ናብ ዝርከብ ቪኤኣር እናጎየየ ከይዱ ምስረኣየ ግና ነቲ ፍጹም ቅላዕ ሰሪዙ፡ ናብ ታፕሶባ ብምኻድ ይቕረታ እንትሓቶን እቲ መጠንቀቕታ ከምዝተሰረዘ እንትነግሮን ብቴሌቪዥን ተራእዩ፡፡
ዋለ‘ኳ እቲ ቀዳማይ ፈረቓ ብዘይ ጎል ዝተዛዘመ እንተኾነ፡ እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ተመልከትቲ ግና ስም እቲ ዳይና እናጸውዑ ክውድስዎ ኣምስዮም፡፡
ክልቲአን ፍጹም ቅላዓት ትኽክል ከምዘይነበራ ዝገልጹ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ስፖርት፡ እቲ ዳይና ቪኤኣር ብኣገባብ ምጥቃሙ ኣድኒቖም፡፡
ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ስፖርት እውን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክንእድዎ ኣምስዮም፡፡
ጎል ዶት ኮም ዝተባህለ ናይ ኩዕሶ እግሪ ድህረ ገጽ ብዛዕባ በኣምላክ ዘለኩም ርእይቶ ኣካፍሉና ኢሉ ኣብ ዝለጠፎ ናይ ትዊተር ጽሑፍ ብዙሓት ሰባት ነቲ ዳኛ ዘለዎም ኣድናቖት ገሊጾም፡፡
ሰኔጋል ኣብቲ ጸወታ ሳዲዮ ማነ፣ ኣብዱ ዲያሎን ኢድሪስ ጎየን ብዘቑጸሩወን ሸቶታት ብተኸታታሊ ንኻልኣይ እዋን ናብ ናይ ፍጻመ ግጥም ሓሊፋ ኣላ፡፡
ሎሚ ሓሙስ ድማ ኣዳላዊት ሃገር ካሜሩን ምስ ግብጺ ክትገጥም እያ፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







