ኣፍኮን 2021፡ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ዳኛ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ

ሳሊማ፡ ኣብቲ ካብ 9 ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ካሜሮን ዝካየድ ዘሎ 24 ሃገራውያን ጋንታታት ዝሳተፋሉ ዘለዋ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር እያ ናይ ማእከል ዳኛ ኮይና ከተጻውት ተሓርያ ዘላ።

ምንጪ ስእሊ, Yaw

ርዋንዳዊት ሳሊማ ሙካንሳንጋ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ማእከል ዳኛ ኮይና ክተጻውት ዝተመረጸት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና።

ሳሊማ፡ ኣብቲ ካብ 9 ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ካሜሮን ዝካየድ ዘሎ 24 ሃገራውያን ጋንታታት ዝሳተፋሉ ዘለዋ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር እያ ክትዳኒ ተሓርያ ዘላ።

ጓል 33 ዓመት ሳሊማ ሙካንሳንጋ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ናይ ማእከል ዳኛ ኮይና ንእትመርሖ ጸወታ ንምርኣይ ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ኸኣ ርዋንዳውያን ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ኣለዉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ሳሊማ ሙካንሳንጋ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ናይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ውድድር ኮንፈደረሽን ኣፍሪካን፡ ኣብ ቻምፕየንስ ሊግ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ርዋንዳ ንዝካየድ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድራት ብብቕዓት ዝዳነየት ጓል ኣንስተይቲ'ያ።

ማዕከናት ዜና ርዋንዳ ሳሊማ ሙካንሳንጋ፡ ካብ ብንእሽቶኣ ፕሮፌሽናል ተጻዋቲት ኩዕሶ ሰኪዔት ናይ ምዃን ድሌትን ሃረርታን ከምዝነበራ ብምግላጽ ካብ ቅድሚ 15 ዓመት ጀሚራ ግን ኣብ ምድናይ ኵዕሶ እግሪ ክትነጥፍ ምጅማራ ኣቃሊሐን።