እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍኮን 2021፡ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ዳኛ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ
ርዋንዳዊት ሳሊማ ሙካንሳንጋ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ማእከል ዳኛ ኮይና ክተጻውት ዝተመረጸት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና።
ሳሊማ፡ ኣብቲ ካብ 9 ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ካሜሮን ዝካየድ ዘሎ 24 ሃገራውያን ጋንታታት ዝሳተፋሉ ዘለዋ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር እያ ክትዳኒ ተሓርያ ዘላ።
ጓል 33 ዓመት ሳሊማ ሙካንሳንጋ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ናይ ማእከል ዳኛ ኮይና ንእትመርሖ ጸወታ ንምርኣይ ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ኸኣ ርዋንዳውያን ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ኣለዉ።
ሳሊማ ሙካንሳንጋ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ናይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ውድድር ኮንፈደረሽን ኣፍሪካን፡ ኣብ ቻምፕየንስ ሊግ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ርዋንዳ ንዝካየድ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድራት ብብቕዓት ዝዳነየት ጓል ኣንስተይቲ'ያ።
ማዕከናት ዜና ርዋንዳ ሳሊማ ሙካንሳንጋ፡ ካብ ብንእሽቶኣ ፕሮፌሽናል ተጻዋቲት ኩዕሶ ሰኪዔት ናይ ምዃን ድሌትን ሃረርታን ከምዝነበራ ብምግላጽ ካብ ቅድሚ 15 ዓመት ጀሚራ ግን ኣብ ምድናይ ኵዕሶ እግሪ ክትነጥፍ ምጅማራ ኣቃሊሐን።