ኣፍኮን 2021፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ውጽኢት ካብ ዘየዐወትዋ ምኽንያታት እቶም ሓሙሽተ

ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብቲ ካሜሩን ዘእንገደቶ መበል 33 ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ምድብ ሓደ ተደልዲላ ዝተተጻወተት ኢትዮጵያ ፈላሚት ተሰናባቲት ከምዝኾነት ይዝከር።

ካሜሩን፣ ቡርኪናፋሶን ኬፕቨርድን ኣብ ዝነበራሉ ምድብ ዝተደልደለት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብኽልተ ስዕረትን ሓደ ማዕረ ውጽኢትን’ያ ተፋንያ ዘላ።

ቅድሚ ሎሚ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘአንገደቶ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ብተመሳሳሊ ክልተ ስዕረትን ሓደ ማዕረ ውጽኢትን ብምምጻእ ከምዝተሰናበተት ይፍለጥ።

ንምዃኑ እታ ሃገራዊት ጋንታ ናብ ቀጻሊ ዙር ንኽይትሰግር ዝእግዳ ዘሎ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ተጻወትቲ ዝፍጽምዎም ስሕተታት ወይስ ካልእ? ካብቶም ምኽንያታት ዝበሃሉ ነቶም ሓሙሽተ ክንድህስስ።

1. ልምዲ/ተሞክሮ

ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ብድሕሪ’ቲ ናይ መወዳእታ ግጥማ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብ ሞንጎ ዘልዓሎም ምኽንያታት እቲ ሓደ “ልምዲ” ዝብል ነይሩ።

“ብዙሓት መናእሰይ ተጻወትቲ ኣለዉና። ተሞክሮ እናረኸቡ ምስከዱ ከኣ ምምሕያሽ ክረኣይ እዩ። ኣብ ዝቕጽል ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ተመሊስና ከምእንመጽእ ተስፋ ኣለኒ” ክብል ተዛሪቡ።

ንዝተፈላለዩ ናይ ስፖርት ጸብጻባት ዘቕርቡ ምንጪታት ሓበሬታ ዝጽሕፍ ፍሬው ኣስራት ንሓሳብ ኣሰልጣኒ ውበቱ ቅቡል ይገብር።

“ሰለስተ ተጻወትቲ ጥራሕ እዮም ኣብ ሕሉፍ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተሳትፎ ዝገበሩ። ካብ ሞንጎኦም ሓደ ዝነበረ ሓላዊ ልዳት ጀማል ጣሰው ተጠባባቒ ኮይኑ ከይዱ ነይሩ ግን ከኣ ኣይተሰለፈን፥ ሽመልስ እውን ብምኽንያት ማህሰይቲ ኣይከደን። ጌታነህ ጥራሕ እዩ ክስለፍ ኪኢሉ” ክብል የረድእ።

ዝተወሰኑ ተጻወትቲ ድማ ኣብቲ ኣብ ርዋንዳ ተኻይዱ ዝነበረ ናይ ‘ቻን’ ግጥማት ተሳቲፎም ምንባሮም የዘኻኽር ጋዜጠኛ ስፖርት ፍሬው።

መብዛሕቲኦም ተጻወትቲ ካብ ፕሮምየርሊግ ኢትዯጵያ ዝተረኸቡ ምዃኖም ዝገልጽ ኣሰልጣኒ ውበቱ፡ ካብዚ ውድድር ልምዲ ከምዝረኸቡ ይገልጽ።

ፍሬው ብወገኑ “ኣብዚ ውድድር ዓበይቲ ጋንታታት ዘሰለፋ ኢኳቶሪያል ጊኒን ኮሞሮስን እንተሪኢናየን መብዛሕቲኦም ተጻወትተን ኣብ ታሕተዎት ዲቪዝዮናት ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ፈረንሳ፣ ጣልያንን ስፐይንን ዝርከባ ጋንታ ዝጻወቱ እዮም።

“ነዚ ብምርኣይ ‘ናትና ተጻወትቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ስለዝጻወቱ ኢና ውጽኢታውያን ዘይኮንና’ ምባል ዘእምን ምኽንያት ኣይኸውንን። ምናልባት እቲ ናትና ሊግ ካብቶም ታሕተዎት ዝበሃሉ ዲቪዝዮናት ዝነኣሰ’ዶ ይኸውን? ኣይፈለጥኩን” ክብል ድማ ሓሳቡ የጠናኽር።

2. ጌጋታት ወይ ስሕተታት

ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ - ዋልያ - ቅድሚ ሎሚ ዝንቀፉሉ ሓደ ጸገሞም ‘ነኣሽቱ’ ዝባሃሉ ስሕተታት ምፍጻም ኮይኑ፤ ኣብዚ ናይ ሎሚ ግጥማት እውን ዝተረኣየ ክፍተቶም ነይሩ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ 2013 ደቡብ ኣፍሪቃ ዘአንገደቶ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ፈለማይ ጸዋትኣ ምስ ዛምቢያ ከምዝገበረት ይዝከር። ኣብቲ እዋን ሓላዊ ልዳት ካብ ቦትኡ ወጺኡ ብዝፈጸሞ ስሕተት ቀይሕ ካርዲ ተዋሂብዎ ተሰናቢቱ።

ኣብ ፈላማይ ግጥም ተጻዋቲኻ ብቐይሕ ካርዲ ምስኣን ኣብዚ ናይ ሎሚ ግጥማት እውን ከምዝተደገመ ዝሕብር ጋዜጠኛ ፍሬው “ንቑሓት ዘይምዃንን ንኩዓሳሱ ብልቢ ኣስተብሂልካ ስጉምቲ ዘይምውሳድ ኣብታ ጋንታ ይረኣይ ነይሩ” ይብል።

ምስ ካሜሩን 4 ብ 1፣ ኬፕቨርድ 1 ብ 0 ከምኡ’ውን ምስ ቡርኪናፋሶ ማዕረ ሓደ ክትፈላለ ከላ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተቖጸሩ ሸቶታት ገሊኦም ብቐለልቲ ስሕተታት ዝተፈጠሩን ምድሓን ይከኣል ከምዝነበረን ይኣምን።

ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ እናተቐባበሉ ናብ ማእኽል ዘስገርዋ ኩዕሶ ተመሊሳ ኣብ ልዕሊኦም ሓደጋ ክትፈጥር ከላ ብተደጋጋሚ ከምዝተርኣየ’ውን ወሲኹ ይገልጽ።

ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ምስ ሓሳብ ጋዜጠኛ ፍሬው ዝሳነ ርእይቶ ኣለዎ። ቅድሚ እቲ ምስ ካሜሩን ዝነበረ ጸዋታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኬፕቨርድ ኣብ መዛዘሚ ቀዳማይ ፍርቂ ጸዋታ ዘቑጸረታ ሸቶ ቆላሕታ ካብ ምንኣስ ብዝብገስ ስሕተት ከምዝኾነ ተዛሪቡ ነይሩ።

ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

3. ስልቲ ጸዋታ

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ካሜሩንን ኬፕቨርደን ኣብ ዝነበራ ግጥማት ተጻወትታ ብናይተን ሃገራት ተጻወትቲ ብልጫ ክውሰዶም ከሎ ተራእዩ ነይሩ።

ኢትዮጵያ እትልለየሉ ኩዕሶ ተቖጻጺርካ ናይ ምጽዋት ስልቲ ብዙሕ ኣይተረኣየን። ምስ ካሜሩን ኣብ ዝነበረ ጸዋታ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ጸዋታ ንብዙሓት ዘገረመ ብቕዓት ከርእዩ’ኳ እንተኽኣሉ፡ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ጸዋታ ግን ብልጫ ተወሲድዎም’ዩ።

“ብፍላይ ናብ ክልል ጎል መጋጥምቶም ብምኻድ ዝገበርዎ ምንቅስቓስ ዘዕግብ ኣይነበረን” ዝብል ተንታኒ ስፖርት ፍሬው ኣስራት፡ ኩዕሶ ሒዞም ኣብ ናይ ብዓሎም ቦታ ዕንክሊል ዝብሉ ኮይኖም ከምዝረኸቦምን ናብ ቅድሚት ብዙሕ ይደፍኡ ከምዘይነበሩን ኣረዲኡ።

ፍሬው ካልእ ዝተዓዘቦ ክፍተት፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ “ፕላን - ቢ” እትብሎ ኣማራጺ ዘይብላ ምንባራ’ዩ። ሓደ ተጻዋቲ ብጉድኣት፣ ብካርዲ ወይ ተቐይሩ ክወጽእ ከሎ ሙሉእ ብሙሉእ ናይቲ ጸዋታ ስልቲ ከምዝቕየር ድማ የረድእ።

4. ዓቕሚ ተጻወትቲ

ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ብድሕሪ እቲ ምስ ካሜሩን ዘጋጠሞም ስዕረት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ተጻወትተይ ናይ ዓቕሚ ምንኣስ ጸገም የብሎምን። ምናልባት ናይ ስነልቦና ድኽመት እንተዘይኮይኑ” ክብል ተሰሚዑ’ሎ።

ፍሬው ግን “ነቲ ብግልጺ ዝረኣይ ነገር ዘይምቕባል እዩ” ክብል ንሓሳብ እቲ ኣሰልጣኒ ይቃወም።

“ኣብቶም ግጥማት ኩዓሳሶ ተቓሊስካ ምምንጣል፣ ብላዕሊ ዝመጽኣ ኩዓሳሱ ተሻሚኻ ምውሳድ፣ ብክንፊ ገጽ ንዝመፍኡ ኣጥቃዕቲ ዝከላኸሉ ተጻወትቲ ነይሮምና’ዶ?” ዝብል ሕቶ ድማ የልዕል።

ፍሬውን ካልኦት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርእይትኦም ዝሃቦ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ “ተክለ ሰብነት ኢትዮጵያውያን ተጻወትቲ ካብ ናይ ካልኦት ሃገራውያን ጋንታታት ድቕቕ ከምዝብል” ይጠቕሱ።

ከም ጋቶች ፓኖም ዝበሉ ንተጋጠምቶም ክጻወሩ ዝኽእሉ ድልዱል ሰብነት ዘለዎም ተጻወትቲ ዝስለፉሉ ዕድል ዘይምርካቦም ንኣፍቀርቲ ኩዕሶ ዘዘራረበ ዛዕባ ኮይኑ ሓሊፉ’ሎ።

5. ኣሰልጣኒ ዝተኸተሎ ስልቲ ኣሰላልፋ

አሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ 4-4-3 [ኣርባዕተ ተኸላኸልቲ፤ነኣርባዕተ ናይ ማእኽልን ሰለስተ ኣጥቃዕትን] ኣሰላልፋ ብምጥቃም’ዩ ዝፍለጥ።

በዚ መሰረት ንጌታነህ ከበደ ኣብ ቅድሚት፣ ነቲ ኣብ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ ብዝሒ ሸቶታት ብምምዝጋብ ኮኾብ ዝነበረ ኣቡበከር ናስር ብጸጋም ከምኡ’ውን ንኣማኑኤል ገብረሚካኤል ወይ ዳዋ ቂጤስ ብየማን የሰልፎም።

ምስ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ግጥም ግን ኣርባዕተ ተኸላኸልቲ፣ ክልተ ናይ ማእኽል ተኸላኸልቲ፣ ሰለስተ ናብ ቅድሚት ዝደፍኡ ናይ ማእኽል ተኸላኸልቲ ከምኡ’ውን ሓደ ኣጥቃዓይ ኣሰላልፋ ብምሓዝ’ዩ ናብ ሜዳ ኣትዩ።

ብዙሓት ተንተንትን ጋዜጠኛታትን ስፖርት ከምዝብልዎ እንተኾይኑ፡ ኣቡበከር ምስ ኬፕቨርዴ ኣብ የማን ክንፊ፣ ምስ ካሜሩን ኣብ ቅድሚት ከምኡ’ውን ምስ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝነበረ ጸዋታ ብጸጋም ክጻወት ስለዝተገበረ ንዘለዎ ኣቕሚ ጸንቂቑ ከይጥቀም ገይሩ’ዩ።

ኣቡበከር ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ተጻወትቲ’ውን ካብቲ ንጋንታታቶም ዝስለፉሉ ቦታ ብዝተፈለየ ኩነታት ኣብታ ሃገራዊት ጋንታ ክስለፉ ምግባር ልክዕ ከምዘይኮነ ዝሕብሩ ወሃብቲ ርእይቶ’ውን ኣለዉ።

ፍሬው ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብቕዓቶም ጽቡቕ ዘይኮኑ ተጻወትቲ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ክጽምበሩ ክግበር ከሎ ብቕዓት እናሃለዎም ብኣሰልጣኒ ከይተሓረዩ ዝተረፉ ከምዘለዉ ይገልጽ።

ንመጻኢ?

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትሳተፍ እንተኾይና “ግድን ውድድራት ወይ ናይ መጻረዪ ግጥማት ክንጽበይ የብልናን። ተጻወትቲ እናተኣኻኸቡ ናይ ምሕዝነት ግጥማት ብቐጻሊ ምክያድ የድልይ” ይብል ፍሬው።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝጻወቱ ኢትዮጵያውያን እውን ዝሓሸ ዓቕሚ ከምዘለዎም እንተተፈሊጡ ንሃገሮም ክጻወቱ ጻውዒት ክቐርበሎም ከምዝግባእ ወሲኹ ሓቢሩ።

ናይ 2023 ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ብኣእንጋድነት ኣይቮሪኮስት ዝካየድ ኮይኑ፡ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ኣብ ሰነን ሓምለን ክካየድ ትጽቢት ይግበር።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ውድድር ንዝህልዋ ተሳትፎ እተረጋግጸሎም ናይ መጻረዪ ግጥማት ምስ ኣየኖት ሃገራውያን ጋንታታት ከምእተካይድ ኣብ ቀረባ እዋን ክፍለጥ’ዩ።