ኣፍኮን፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ካልኣይ ግዜ ብምስዓራ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ማህሚኑ

ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮነም ንተኸላኻላይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ እናኣሽከዖ

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto

ኣብ ምድብ ሓደ መበል 33 ውድድራት ኣፍኮን ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ኣብ ዘካየደቶ ካልኣይ ናይ ምድብ ጸወታ፡ ብኣአንጋዲት ሃገር ካሜሩን 4 ብ 1 ተሳዒራ።

ኣብ መጀመርታ ናይ ምድብ ጸወታ ብኬፕ ቬርድ 1 ን 0 ዝተሰዓረት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ዝቅጽል ጸወታ ናይ ምሕላፍ ዕድል ንኽህልዋ ኣብዚ ጸወታ ግድን ተዓዊታ ክትወጽእ ስለዝነበራ ካብ መጀመርታ እቲ ጸወታ ብዓቢ ወንን ተስፋን እያ ጀሚራቶ።

ከም ውጽኢቱ ጸወታ ብዙሕ ከይተላዓሎ ኣብ መበል ራብዓይ ደቒቕ ናይ ቀዳማይ እብረ ጸወታ ኣማንኤል ገብረሚካኤል ካብ ጸጋማይ ሸነኽ ዝቀለዓ ኩዕሶ: ዳዋ ሆቴሳ ናብ ሸቶ ክቕይራ ክኢሉ።

ኣብ ሜድኦም ክምርሑ ዝጀመሩ ካሜሩናውያን፡ ንመሪሕነት ኢትዮጵያ ነዊሕ ኣየሰጉምዎን ኣብ መበል ሻሙናይ ደቒቅ ሓለቃ ጋንታ ኣቡበክር ቪንሰንት ካብ ርሑቕ ዝቀልዓ ኩዕሶ ሓላዊ ልዳት'ኳ መሊስዋ እንተነበረ ኣብ ቀረባ ዝጸንሐ ቶኮ ኢኮምቢ ናብ ሸቶ ቀይርዋ፡ ኣብ ውሽጢ 8 ደቓይቕ ክልተ ሽቶታት ተመዝጊቡ ጸወታ 1 ን 1 ይቕጽል።

ክሳብ ቀዳማይ እብረ ጸወታ ዝውዳእ ብኽልቲኤን ሃገራውያን ጋንታታት ጠርባሽ ፈተነታት'ኳ ይካየድ እንተነበረ ናብ ሽቶ ዝተቐየረት ኩዕሶ ግን ኣይነበረትን።

45 ደቂቕ ኣኺሉ ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ንዕረፍቲ ወጺአን።

ድሕሪ ዕረፍቲ ሓዪሎም ዝተመለሱ ካሜሩናውያን ኣብ ውሽጡ ክልተ ደቒቅ ብጸጋማይ ክንፊ ምክልኻል ኢትዮጵያ በሲዖም ብምእታው ኣብ መበል 53 ደቂቕ ብኮሊንስ ኣብ መበል 55 ደቂቕ ኸኣ ብሞውሙቲ ክልተ ሸቶታት ከመዝግቡ ክኢሎም፡ ጸወታ ብመሪሕነት ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን 3 ን 1 ይቕጽል።

ጸወታ ብዓብላልነት እታ ኣብ ቅድሚ ደገፍታ ትውዳደር ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ኣብ ዝቀጸለሉ ካብ ማእከል ሜዳ ብነዊሕ ዝተቀለዐት ኩዕሶ ኣብ እግሪ ቶኮ ኢኮምቢ በጺሓ፡ ቶኮ ኢኮምቢ ንተኸላከልቲ ብምሽካዕ ንዕኡ ካልኣይቲ ንሃገራዊት ጋንትኡ ኸኣ ራብዓይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ።

ካሜሩናወያን ብኣካለዊ ብቕዓት ኣብ ዝዓብልሉሉ፡ ጸወታ 4 ን 1 ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ተዛዚሙ።

ነጥብን ናይ ምድብ ሓደ ዘርኢ ሰሌዳ

ምንጪ ስእሊ, BBC

ኣብ ምድብ ሓደ ካብ ዝርከባ ሃገራውያን ጋንታታት ቡርኪናፋሶን ኬፕ ቨርድን ትማሊ ካብ ዘካየደኦ ካልኣይ ናይ ምድብ ጸወታ፡ እታ ኣብ ቀዳማይ ጸወታኣ ብካሜሮን ዝተሰዓረት ቡርኪናፋሶ ነታ ንኢትዮጰያ ዝሰዓረት ኬፕ ቨርደ 1 ን 0 ብምስዓር ሰለስተ ነጥቢ ክትወስድ ክኢላ።

በዚ መሰረት ክሳብ ሕጂ ተኻየድኡ ኣብ ዘሎ ጸወታ ካሜሩን ንምድብ ሓደ ብ6 ነጥብን 4 ጸብለልታ ሸቶን ቀዳመይቲ ኮይና ትመርሖ ኣላ።

ቡርኪናፋሶን ኬፕ ቨርድን ብ3 ነጥብን 0 ጎል ዕዳን ካልኣይትን ሳልሳይተን፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኸኣ ብ0 ነጥብ 4 ጎል ዕዳ ኣብ ራብዓይቲ ተቐሚጠን ኣለዋ።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ዝቅጽል ምድብ ክትሓልፍ እንተኾይና ካሜሩን ንኬፕ ቨርድ ክትስዕራን፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኸኣ ንሃገራዊት ጋንታ ቡርኪናፋሶ ብልዕሊ 4 ጸብለልታ ሸቶ ምስ እትስዕራን ጥራይ እዩ።