ስፖርት፡ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ውድድራት ክካየደሉ ዝኽእል ስታድዮማት የብላን ተባሂሉ

ስታዲዮም ባህርዳር
መግለጺ ስእሊ, ስታዲዮም ባህርዳር

ኮንፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ[ካፍ]፡ ንስታድዮም ባህርዳር ዓለምኻዊ ውድድራት ከይካየደሉ ድሕሪ ምኽልካሉ፡ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ውድድራት ከተአንግድ ከምዘይትኽእል ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ጸወታታት ሃገራዊት ጋንታ ከአንግድ ዝጸንሐ ስታድዮም ባህርዳር፡ ውድድር ቻምፕዮንስ ሊግ ኣፍሪቃን መጻረዪ ዋንጫ ዓለምን ከይካየደሉ ካፍ ናብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ ኣፍሊጡ።

ስታድዮም ባህርዳር፡ ካፍ ዘቐመጦ ረቋሒታት ብዘይምምልኡ'ዩ ውድድር ከይካየደሉ ተኣጊዱ ዘሎ።

ካፍ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሳምንታት ንምጽራይ ዋንጫ ዓለም ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ጋና ንእትገብሮ ውድድር ኣበይ ሃገር ክትጋጠም ከምእትደሊ ቅድሚ 20 ጥቅምቲ 2021 ከተፍልጥ ብደብዳቤ ሕትኡ ኣቕሪቡ'ሎ።

ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ግዚኡ መልሲ እንተዘይሂቡ እቲ ጸወታ ኣብ ጋና ክካየድ እዩ።

ስታድዮም ባህርዳር፡ እቲ ሜዳ ንዓለምለኻዊ ውድድር ዝብቕዕ ብቕዓት ስለዘየማልአን፡ ንተጻወትቲ፡ ንደያኑን ንኣካየድቲ ጸወታን ዝኸውን መዕረፊ ስለዘይብሉ ከምኡ'ውን እቲ ኣብቲ ስታድዮም ዝርከብ ክፍሊ ሕክምና ዝተማለአ ስለዘይኮነን'ዩ ካፍ ከልኪልዎ።

ተዓዘብትን ናይ ክብሪ ዕዱማትን ኮፍ ዝብልዎ ቦታ'ውን ትሑት ደረጃ ብቕዓት ዘለዎ'ዩ ይብል ካፍ።

ሓለፊ ክፍሊ ፍቃድ ስታድዮማት ካፍ መሓመድ ሲዳት ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ብቕዓት ዝተፈላለዩ ስታድዮማት ከምዝገምገመ ተገሊጹ ነይሩ።

እቲ ሓላፊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ኣብ ባህርዳር፡ ስታድዮም ኣበበ በቂላን ስታድዮም ዩኒቨርስቲ ጅማን ምብጽሑ ይግለጽ።