ስፖርት፡ ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ከይጻወት ብሊቨርፑል ተኸልኪሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፌዴሬሽን ኵዕሶ እግሪ ግብጺ፡ ኣጥቃዓይ ክለብ ሊቨልፑል መሓመድ ሳላሕ፡ ሃገሩ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ እትገብሮ ግጥም ምጽራይ ዋንጫ ዓለም ከይሳተፍ ብክለብ ሊቨርፑል ከምዝተኸልከለ ገሊጹ።
ጋንታ ሊቨርፑል ኣቅሪባቶ ዘላ ምኽንያት፡ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ኣተኣታትያቶ ብዘላ ሕጊ፡ መሓመድ ሳላሕ ካብ ግብጺ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመሰለ ን10 መዓልታት ክውሸብ ስለዝግደድ፡ ቁመንኡ ክፈርስ'ዩ ዝብል እዩ።
ማዕከናት ዜና ብሪጣንያ ከምዝጸብጸበኦ፡ ሊቨርፑል ብጀካ ንመሓመድ ሳላሕ ንሰለስተ ብራዚላውያን'ውን ምስ ሃገራውያን ጋንተኦም ከይጻወቱ ከልኪላዎም ኣላ።
ኣቶም ምስ ሊቨርፑል ዝጻወቱ ዘለዉ ምስ ሃገራዊት ጋንትኦም ከይጻወቱ ተኸልኪሎም ዘለዉ ብራዚላውያን ሮበርቶ ፍርሚኖ፡ ኣሊሶንን ፋብያኖን እዮም።
ካልኦት ክለባት ናይ ዓዲ እንግሊዝ'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ንተጻወትተን ናብተን ብመንግስቲ ዓዲ እንገሊዝ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይሕ መዝገብ ሰፊረን ዘለዋ ሃገራት ክሰደኦም ከምዘይክእላ እዩ ዝግመት።
ፊፋ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኮሮናቫይረስ ኣተሓሒሑ ክለባት ንተጻወትተተን ናብተን ብኮቪድ ዝተሃሰያ ሃገራት ካብ ምኻድ ክኽልክለኦም ዘተኣተታዎ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝኣለዮ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነዚ ሊቨርፑል ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበሉን ዘሎ።



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







