ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንህወሓት 'ብፍሉይ ኵነታት' ከምዝመዝገቦ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, ENEB
ኮሚሽን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ወግዓዊ ሕጋዊ ኣፍልጦ ከኢእል ንዝጸንሐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ብፍሉይ ኵነታት ወግዓዊ ምስክር ወረቐት ኣፍልጦ ከም ዝሃቦ ኣፍሊጡ።
እንተዀነ እቲ ኮሚሽን ነቲ ሰልፊ ከም ብሓድሽ ከም ዝመዝገቦ ብምግላጽ ነቲ ብህወሓት ቀሪቡ ዝነበረ ‘ዝጸንሐ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለስ’ ዝጠልብ ሕቶ ከም ዘይተቐበሎ ኣፍሊጡ።
ህወሓት ነዚ ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ህወሓት “ሕጋዊ ሰብነቱ ናብ ዝነበሮ ንክምለስ” ብ13 ሚያዝያን 28 ሚያዝያ 2015[ኣ.ግ] ሕቶ ከም ዘቕረበ ክገልጽ እንከሎ፡ ብመሰረት ኣዋጅ ቍጽሪ 1162/2011 ግን እቲ ሰልፊ ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ዘኽእል ሕጋዊ ድንጋገ ከም ዘየለ ጠቒሱ።
ካብዚ ብዝብገስ ድማ፡ እቲ ሰልፊ ብፍሉይ ኵነታት ንምምዝጋብ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር ከምኡ’ውን እቲ ሰልፊ “ናይ ዓመጽ ተግባር ደው ብምባል ብሕገ መንግስታዊ መገዲ ንኽንቀሳቐስ” ከም ዝተሰማምዐ ብምሕባር “ብፍሉይ ኵነታት ከም ሰልፊ ንክምዝገብ” ከም ዝወሰነ ሓቢሩ።
ድሕሪ ኲናት ትግራይ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝተሰረዘ ህወሓት ዳግማይ ሕጋውነቱ ክምለሰሉ ሕቶ ከቕርብን ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝርርባት ከካይድን ምጽንሑ ይፍለጥ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብ 4 ሰነ 2024 “ካብ ሕጋውን ሰላማዊን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወጻኢ” ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ዳግም ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምምዝጋብ ዘኽእል ድንጋገ ዝሓዘ መመሓየሺ ኣዋጅ ከም ዝጸደቐ ይዝከር።
እዚ ምምሕያሽ፡ ንውድብ ህወሓት ዝኣመሰሉ፡ ኣብ ግጭት ክሳተፉ ዝጸንሑ ሓይልታት ዳግም ንኽምዝገቡ ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕ ዝዓለመ እዩ።
ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ቈይሙ ተዛማዲ ሰላም’ኳ እንተሰፈነ፡ ፈራሚ እቲ ስምምዕ ዝዀነ ህወሓት፡ ሕጋውነቱ መሊሱ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ከዘራርብ ጸኒሑ ኣሎ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ብ2013 ዓ.ም [ኣ.ግ] ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር “ኣብ ተግባር ዓመጽ ተዋፊሩ” ብዝብል ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ተሰሪዙ ንብረቱ ክውረስን ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር።
ቦርድ መረጻ፡ ኣብቲ "ኣዋጅ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ምዝገባ ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ስነ ምግባር መረጻን ኢትዮጵያ” ብዝብል ዝፍለጥ ነባር ሕጊ መረጻ፡ ኣብ ጐነጽ ተሳቲፉ ዝነበረ ውድብ መሊሱ ንምምዝጋብ ሕጋዊ መሰረት ከም ዘየለ ክጠቅስ ጸኒሑ።
ህወሓት ብወገኑ፡ ነቲ ውሳነ "ሕጋዊ ኰነ ፖለቲካዊ ቅቡልነት የብሉን” ክብል ነቲ ቦርድ ዝነቐፈ ኰይኑ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ተስፋ ሰላም ዘዕንቅፍ ምዃኑ ስግኣቱ ገሊጹ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ኣካላት ወጥሪ ክፍጠር፡ ንህወሓትን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ከዘራርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምምሕያሽ ዝተገብረሉ ኣዋጅ፡ ሓደ ኣብ ተግባራት ዓመጽ ክሳተፍ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ሰልፊ “ሕገ መንግስታዊን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ኣኽቢሩ ንምንቅስቓስ ከም ዝተሰማምዐ መንግስቲ ምስ ኣረጋገጸ፡ እቲ ሰልፊ ብፍሉይ ኵነታት ክምዝገብ ይኽእል” ይብል።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ እንታይ ኢሉ?
እቲ ቦርድ፡ እቲ ውድብ ከካይዶ ብዛዕባ ዝኽእል ጉባኤ ዝምልከት’ውን ዝርዝር መምርሒ ሂቡ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ሎሚ ዝወጽአ መግለጽ ቦርድ መረጻ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብፍሉይ ዝተመዝገበሉ ውሳነ ዝሓዘ ደብዳበ ካብ ዝበጽሖ መዓልቲ ጀሚሩ ዘለው ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ እቲ ሰልፊ ተዓዘብቲ እቲ ቦርድ ኣብ ዝተረኸብሉ ጠቕላላ ጉባኤ ንኽገብር፡ ኣብቲ ጉባኤ ድማ መተሓዳደሪ ደንቢ ከጽድቕን ኣመራርሓኡ ንኽመርጽን ወሲኑ ኣሎ።
እቲ ቦርድ፡ ስርሓት ቅድመ ምድላው እቲ ጉባኤ ንምክትታል ንክጥዕሞ ድማ፡ እቲ ሰልፊ ጉባኤ ቅድሚ ምክያዱ ቅድሚ 21 መዓልታት ጉባኤ ዘካይደሉ መዓልቲ ከፍልጥ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ጠቕላላ ጉባኤ በቲ ቦርድ ምስ ጸደቐ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሓደ ዓመትን መንፈቕን “እቲ ሰልፊ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ይገብር ምህላውን ዘይምህላውን” ከም ዝከታተል ኣፍሊጡ።
ህወሓት ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መበል 14 ጉባኤኡ ክካየድ ኣለዎን የብሉን ኣብ ዝብል ውጽታዊ ቍርቍስ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







