ውሽጣዊ 'ምብስባስ' ህወሓት መዘዛቱ እንታይ ይኸውን?

ገብሩ ኣስራት፣ ኣርማ ህወሓትን ተኽሊት ገብረመስቀልን (ካብ ጸጋም ናብ የማን)

ምንጪ ስእሊ, TPLF/BRAKHE/SM

ንባብ: 7 ደቓይቕ

ኣብ ከቢድ ውሽጣዊ ምስሕሓብን ምክፍፋልን ተሸሚሙ ዘሎ 50 ዓመታት ዝዕድመኡ ፖለቲካ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሎሚ’ውን “ኣብ በዳሂ ኵነታት ኣለኹ” ምባሉ ቀጺሉ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ከበድቲ ሓደጋታት ምጕጅጃልን ምብትታንን እናጓነፍዎ ከምዝመጽአ ዝፍለጥ ህወሓት ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ታሪኽ 50 ዓመታት ርእይዎ ዘይፈልጥ ናብ ኣፍደገ ምብትታን ዘብጽሐ ከቢድ ፈተና ከምዘጋጠሞ እዩ ወግዓዊ ገይሩ።

ብውሽጣውን ደጋውን ጉዳያት ኣብ መዋጥር ተቐርቂሩ ዘሎ እዚ ዕድመ ጸገብ ውድብ፡ ኣብ መቐለ ከካይዶ ዝጸንሐ ነዊሕን ተደጋጋሚን ኣኼባታት ላዕለዎት ካድራቱ ምስዛዘመ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ውልቀ ረብሓኻ ምቕዳም ንህልውና እቲ ውድብ ናብ ሓደጋ ከምዘእተዎ ኣስሚሩሉ።

ግዝያዊ ብድሆ’ዶ ዘይጽግን ምብስባስ?

ቢቢሲ ዘዘራረቦ በዓልሞያ ሕግን ተንታኒ ፖለቲካን ተኽሊት ገብረመስቀል፡ “ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ክፍፍል ስልጣን ናይ ምቍጽጻር ቃልሲ ዝወለዶ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ግን ካብ ውሽጣዊ ድስካለ ብዝሰገረ ብናይ ደገ ኣካላት እውን ዝድፋእ እዩ ኰይኑ ዘሎ” ይብል።

“ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ምክፍፋል ከምዘጋጠሞ ገሊጹ ኣሎ። ኣይተጋገዩን እቲ ሓቂ ንሱ እዩ። ሕዚ ዝርከበሉ ደረጃ ናይ ድስካለ እዩ። ኣብ ሕሉፍ እዋናት ዘጋጠምዎ ምክፍፋላት ምስ ናይ ቃልሲ ሓሳብ ወይ ስትራተጂ ንጽረት ከምኡ’ውን ነቲ ውድብ መን ይውንኖ ኣብ ዝብሉ ዘተኰሩ እዮም ነይሮም” ዝብል ተኽሊት ኣብዚ እዋን ግን ብፍላይ ካብ 1993 [ግ.] ንደሓር ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ድስካለ ከምዝርከብ ይገልጽ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ 1969፡ 1977 ከምኡ’ውን 1993 [ኣ.ግ] ጸገማት ኣጋጢሞሞ ዝነበሩ ጸገማት ዓበይቲ ምንባሮም ዝዝክር ሓደ ካብ ላዕለዎም መሪሕነት ህወሓትን ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ዝነበረ ኣብዚ እዋን ከኣ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ውድብ ፖለቲካ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራሲን ልኣላውነትን ኣቶ ገብሩ ኣስራት እቲ ናይ ሎሚ ግን ዝኸፍአ ከምዝዀነ ይድምድም።

“እዚ ናይ ሎሚ ግን ከምቲ ንሳቶም ዝብልዎን ኣነ’ውን ዝሪኦን ካብ ኵሎም ዝኸፍአ እዩ። ዝኸፍአ ዝገብሮ ከኣ እቲ ውድብ ባዕሉ’ውን ከምዝብሎ ኣሪጉን በስቢሱን ሓሳብ ዝበሃል ወዲኡ ንህዝቢ ክመርሓሉ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ዝበጽሐሉ እዋን እዩ” ክብል የረድእ።

ምናልባት ዝሓሸ ክበሃል ዝኽእል ናይ ለውጢ ሓሳብ ዘለዎም እቶም ኣብ ግዝያዊ መንግስቲ ዘለዉ መሪሕነት ከምዝዀኑ ብምሕባር፡ “ንሳቶም እውን ግን ‘ዝዀነ ለውጢ ከነምጽእ ኣለና’ ዝብሉ ግን ከኣ ኣብቲ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባ መሰረታዊ ዝበሃል ዝላ ዘለዎም ኣይኰኑን” ክብል ይገልጾም።

ተኽሊት ብወገኑ “ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ዝበጽሐ ደረጃ ድስካለ” ክብል ዝገለጾ ውሽጣዊ ዘይምስናያትን ምክፍፋልን ህወሓት፡ ነቲ ውድብ ምህሳይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ደገ እውን ብምልታም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ንኽእወጅ ባይታ ከምዘመቻቸወ ይዛረብ።

“ብዓቕሚ ምስ ዘይንመጣጠኖም መጋጥምቲ ገጢሙ፤ ምስቶም ‘ኒዮሊበራሊስት ሓይልታት’ ክብል ዝነቕፎም ዓለማውያን ሓይልታት እውን ተላቲሙ ናብ ዝተስዓርናሉ ኲናት ኣእትዩና” ኢሉ።

ኣብ ውሽጢ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ከቢድ ምክፍፋል ተፈጢሩ ምህላዉ ንቢቢሲ ዝሓበረ ኣቦ መንበር ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ኣቶ ተኽለብርሃን ኣረጋይ ብወገኑ “ናይ ኵሉ መንቀሊኡ ውሽጣዊ ሕመቕ እምበር ደጋዊ ጸገም ኣይኰነን” ይብል።

“ዝጸንሐ ሕመቕ ኣሎ፤ እዚ ከኣ ስርዓታዊ ሕመቕ እዩ። ኣመራርሓ ካብ ዕላማ ክርሕቕ ከሎ ነቲ ውድብ ይጽይቖ። ኣመራርሓ ማእከሉ ጥቕምን ስልጣንን ገይሩ’ሎ። ኣብ ውሽጢ ውድብ ርኡይ ዝዀነ ክልተ ናይ ኔትወርክ ምትእስሳር ተፈጢሩ’ሎ። እዚ እዩ ንዅሉ ዘሪግዎ” ክብል ኣረዲኡ።

ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት

ምንጪ ስእሊ, TPLF

‘ሳዕቤናቱ ንህዝቢ ዝተርፍ እዩ’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፖለቲከኛ ኣቶ ገብሩ፡ ዕምቈት ናይቲ መሪሕነት ህወሓት ገጢሙና ዝብልዎ ዘለዉ ጸገማት መንቀሊኡ ናይ ሓሳብ ምክፍፋል ዘይኰነስ ህረፍ ስልጣን ከምዘበገሶ ብምሕባር “ኣካይዳኦም ድማ ኵልግዜ ለውጢ የብሉን። ብኔትወርክ እዩ ዝኸይድ” ይብል።

“ኣብዚ እዋን እቲ ውድብ ንነብሱ ክኢሉ ክኸይድ ስለዘይከኣለ ልክዕ ከምቲ ኣብ 1993 ዝተገበረ ሎሚ’ውን ነቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብ ጐድኑ ኣሰሊፉ እዩ ክድሕን ዝፍትን ዘሎ። ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ንመን ከጥቅዑ ከምዝደለዩ ቅሉዕ እዩ” ኢሉ’ሎ፣ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝነበሮ ጻንሒት።

ኣብ ምክፍፋል መሪሕነት ሓደ ውድብ “ሓደጋን በረከትን” ሒዙ ክመጽእ ከምዝኽእል ዝዛረብ ምሁር ሕጊ ተኽሊት ድማ እቲ መዐቀኒ ‘ህዝቢ ትግራይ እንታይ እዩ ዝደሊ?’ ካብ ዝብል ዝብገስ ክኸውን ኣለዎ ይብል።

“ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ መናእሰይ ኣብዚ እዋን ዝደልይዎ እንተሃለወ እንተነኣሰ ሰላም ምርካብ እዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ከኣ ፖለቲካዊ ባይታ ክሰፍሕ ይደልዩ። ናይ ሕውየት ስራሕቲ ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ደጋዊ መሓዙት ወይ ሓይልታት ዝምድናታት ምጥንኻር ካብኡ ቀጺሎም ዝመጽኡ ዕማማት እዮም” ክብል የረድእ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ናይ ውድብ እምበር ናይ መንግስቲ ዝበሃል ኢኮኖሚ የለን። በዚ ምኽንያት ነቲ ‘ቀደም ዝሞተ ርእዮተ-ኣለም’ (‘ኣይዲዮሎጂ’ - ኣብዮታዊ ዲሞክራሲ) ንምድሓን ክብል ንህዝቢ እቲ ክልል ቈሪኑ ሒዙ ምስ ዝዀነ ኣካል ኣብ ምጉናጽ ተጸሚዱ ይርከብ።

ስለዚ እቲ ኣብ ሞንጎ መሪሕነት እቲ ውድብ ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል ምናልባት ነዚ ጌጋታት ብምእራም ህዝቢ ትግራይ ዝደልዮም ነገራት ከማልእ ዝኽእል ጉጅለ ክፍጠር ከምዝኽእል ተኽሊት ይኣምን።

“ኣብዚ እዋን ዝተፈጠሩ ጕጅለታት ናይ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ሓይልን ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓይልን ብዝብል እንተገሊጽናዮም፤ እቲ ናይ ቤት ጽሕፈት ምስ ኵሉ ናይ ምልታም ባህርያት እዩ ዘለዎ። ሒዝዎ ዝመጽአ ርእዮተ-ዓለም ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት ኮነ ምስ ዓለም ዝጋጮን ዝተጸልአን ሓይሊ እዩ” ክብል የረድእ።

እዚ ሓይሊ ኣብ ሰላም ምንባር ከምዘይክእል እምነቱ ዝገልጽ ተኽሊት “ካልእ ኲናት ከይጸውዐ ኣይተርፍን” ኣብ ዝብል መደምደምታ ይበጽሕ።

“እቲ ስልጣን ዝደሊ ኣካል ናብ ሓደጋ ክኣትው ከሎ ንነገራት ምስ ዓሌትን ካልኦት ጉዳያትን ከተሓሕዝ እዩ ዝደሊ። ኣብዚ እዋን ብዅሉ ወገን ዘለዉ ዝተፈላለዩ መጣልዒ ካርታታት እናመዘዙ ንህዝቢ ናብ ሽግርን ስግኣትን ኣእትዮምዎ ኣለዉ። ስለዚ እቲ ሓደጋ ኣብ ህወሓት ጥራሕ ዝተርፍ ኣይኮነን፤ ንትግራይ ብዅሉ መዳያት በይኑ ዝተቘጻጸረ ስለዝዀነ ንሱ ናብ ጸገም ክኣትዉ ከሎ ነቲ ህዝቢ እውን’ዩ ዝልክሞ” ይብል።

ጉባኤ ትንሳኤ’ዶ ጥፍኣት?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝተሰረዘ ህወሓት ቦርድ መረጻ እንተዘይመዝጊቡዎ ኣብ ሃገራዊ መረጻን ፖለቲካዊ መድረኻትን ክሳተፍ ከም ዘይክእል ምግላጹ ይዝከር።

“ህወሓት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ ሰሙን ካብኡ ትጽቢት ዝግበሩ ሰነዳት ኣማሊኡ ናብ ቦርድ መረጻ ብምኻድ ብሕጋዊ መገዲ ተመዝጊቡ ወይ ሕጋዊ ፍቓዱ ክምለስ ብምግባር እዩ ጉባኤ ከካይድ ዘለዎ” ብምባል ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ መበል 14 ጉባኤ እቲ ውድብ ዝቃወም መልእኽቲ ኣሕሊፉ’ሎ።

ህወሓት ብወገኑ፡ እቲ ብፖለቲካዊ ውሳነ ዝስኣኖ ሕጋዊ ሰብነት ንኽምለስ እምበር ከም ብሓድሽ ንኽምዝገብ ከም ዘይደሊ እዩ ዝገልጽ።

ዝዀነ ይዅን ፖለቲካዊ ውድብ ጉባኤ ናይ ምክያድን ክተኣኻኸብን ሕጋዊ መሰል ከምዘለዎ ዝጠቅስ በዓልሞያ ሕግን ተንታኒ ፖለቲካን ተኽሊት ገብረመስቀል፡ እቲ ህወሓት ከካይዶ ዝሻበሸበሉ ዘሎ ጉባኤ ግን ሕጋውነት ከምዘይህልዎ ይምጕት።

“ህወሓት በቲ ሕዚ ዝርከበሉ ቍመና፡ ገና ድርድሩ ከይወደአን ሕጋዊ ህልውናኡ መሊሱ ከየረጋገጸን ብሓይሊ ድዩ ጉባኤ ከካይድ? እንታይ ዓይነት መዘዝ እዩኸ ዝህልዎ? በዚ መንጽር እንተረኣናዮ ዝሓሸ ይመስለኒ” ይብል።

ኣስዒቡ “ኣብ ትግራይ እንታይ ሳዕቤን እዩ ከምጽእ? ካልኣይ ከኣ ምስ ፌደራል መንግስቲን ሕግታት እታ ሃገርን ብኸመይ እዩ ክሳነ? ስለዚ ‘መሰል እዩ’ ኢልካ ምክያድ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ከስዕቦ ዝኽእል መዘዛት እውን ክትግምግም ኣለካ” ብምባል፡ እቲ ኣብ 2012 [ግ] ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መረጻ ዘስዓቦ ሓደጋ ኲናት ከም ኣብነት የቐምጥ።

ኣብ ትግራይ መረጻ ስለዝተኻየደ እዩ ኲናት ተኸፊቱ ኣብ ዝብል መደምደምታ ክበጽሕ ከምዘይደሊ ብምሕባር ቀጥታዊ መበገሲ ከምዝነበረ ግን ይኣምን።

“ሕዚ’ውን ተመሳሳሊ ኩነታት እየ ዝዕዘብ ዘለኹ። ህወሓት ‘ብረት ኣልዒልካ’ ተባሂሉ ሕጋዊ ሰብነቱ ተሰሪዙ’ሎ። ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ ውሳነ ሕጋዊ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፤ ሕዚ ጉባኤ ከካይድ እዩ ምባሉ ግን ሕጋዊ ኣይኰነን። ንትግራይ እውን ናብ ካልእ ሓደጋ ዘእትው እዩ” ክብል የረድእ።

እቲ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ጉባኤ ብዘይካ’ቲ ካብ ደገ ዝበጽሖ ዘሎ ተቓውሞታትን ጸቕጢታትን፡ ኣብ ውሽጢ’ውን ብፍልልያት ዝተሰነየ ኰይኑ’ሎ።

ካብ መሰረቱ እቲ ጉባኤ ዝዀነ ዓይነት ለውጢ ከምዘየምጽእ ዝኣምን ነባር ፖለቲከኛ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ “ዝኣረገን ነዚ ዘለናሉ እዋን ዘይምጥንን ኣተሓሳስባ ሒዞም እዮም ናብ ጉባኤ ዝብሉ ዘለዉ። ነቲ ካድረታት ዘዳለውዎ በዓል 33 ገጽ ሰነድ እዮም ተኣኪቦም ከጽድቑ። እዚ ሰነድ ከኣ ንባዕልቶም ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ክልልን ህዝብን ናብ ሓደጋ ዘእትው እዩ” ክብል ስግኣቱ የቐምጥ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበጽሐ ዕንወትን ህልቂትን ዘምጽኦ እዚ ዝኣረገ ኣተሓሳስባ እዩ። ስለዚ ውድቀት ዘምጽአ ዝበለየ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ጉባኤ ምክያድ ዘምጽኦ ለውጢ ኣይክህሉን። እቲ ጉባኤ እንተካይዶሞ ድማ ነቶም ብኸባብያውነትን ንኣብይ [ቀዳማይ ሚኒስትር] ብምድጋፍን ኣብቲ ሰነድ ከሲሶምዎም ዘለዉ ከወግዱዎም እዮም። እቲ ሓቂ ግን በቲ ሕመቓት ዝግለጹ በዓልቶም እናሃለዉ ነቶም ቅሩብ ለውጢ ዝፈታትኑ ዘለዉ እንተኣልዮምዎም ዝመጽእ ለውጢ የለን።

ነቲ ጉባኤን ካልኦት ውድባዊ ጉዳያትን ናይ ምክትታል ሓላፍነት ዘለዎ ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ዕላማን ኣካይዳን መበል 14 ጉባኤ ህወሓት “ልዕልነት ኣለና” ብዝብሉ መሪሕነት እቲ ውድብ ከምዝተጨወየ ምግላጹ ይዝከር።

ዕላማ ናይቲ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ጉባኤ ‘ብዝተጐጀሉ ላዕለዎት መራሕቲ ተጨውዩ’ ዝበለ መግለጺ ኮሚሽን ቍጽጽር እቲ ውድብ፡ ኣባላቱ ካብ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ስሒቡ’ሎ።

ኣቦ መንበር ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ኣቶ ተኽለብርሃን ኣርኣያ “ብግጕይ መገዲ ክኸይድ ዝደሊ ሓይሊ ስለዘሎ ነዚ ንምዅናን ኢና መግለጺ ኣውጺእና። ምድላው እቲ ጉባኤ ግልጽነት ይጐድሎ ኣሎ፡” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

መራሕቲ ህወሓት

ምንጪ ስእሊ, OFFICE OF THE PRIME MINISTER-ETHIOPIA

በዓልሞያ ሕግን ተንታኒ ፖለቲካን ተኽሊት “እቲ ጉባኤ፡ ህወሓት ብዝነበሮ ብልጫን ኔትወርክን ተጠቂሙ ‘ይቃወሙኒ እዮም’ ንምስጓግ ዝገብሮ ዘሎ ምጉያይ” ክብል ይገልጾ።

እዚ ኣካይዳ ከኣ ንህወሓት ንህልውንኡ እውን ኣብ ሓደጋ ዘእትው ከምዝኸውን ንትግራይ ከኣ ብኡ ልክዕ “ናብ ክልተ ክመቕላን ናብ ሓደጋ ከእትዋን” ከምዝኽእል ስኽፍትኡ የቐምጥ።

ልዕሊ ኵሉ ምስ ምክያድ እቲ ጉባኤ ዝለዓል ዘሎ መሰረታዊ ነገር ጉዳይ ሕጋውነት ከምዝዀነ ዝጠቅስ ኣቶ ገብሩ ብወገኑ “ቅድሚ ሎሚ’ውን ምርጫ ከነካይድ ኢና ኢሎም ንስልጣን ዘካየድዎ ምርጫ ናብ ኲናት ዘእተወና ጉዳይ እዩ” ክብል ምስ ሓሳብ ተኽሊት ዝሰማማዕ መደምደምታ ይህብ።

“ሐዚ’ውን እቲ ኣካይዳ ከምኡ እዩ ዘሎ። ቦርድ ምርጫ ገና ኣፍልጦ ኣይሃቦምን። ህዝቢ ብዘድሕን መገዲ ዘተ ከካይዱ ኣለዎም። ንሳቶም ግን ንህወሓት ኣብ ምድሓን እምበር ህዝቢ ኣብ ምድሓን ዝግደሱ ኣይኰኑን” ክብል የረድእ።

‘መን ይእዝዘና?’ ዝብል ኣካይዳ መዘዝ ከምዝህልዎ ብምምልካት ግን ከኣ ኣብዚ እዋን ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ትግራይን ብምንቅሖም “ስለዚ ንህዝቢ ናብቲ ንሳቶም ዝሓንጸጹሉ ጸልማት መሪሖሞ ዝኣትዉሉ ኵነታት የለን። ዘብቀዐ ይመስለኒ” ይብል ፖለቲከኛ ኣቶ ገብሩ።

“ኣብዚ ሓደ ከልዕሎ ዝደሊ ጉዳይ ኣሎ። ህወሓት ብዘጥፍኦ ጥፍኣት መንግስቲ ፌደራል ወይ ኣብይ [ቀዳማይ ሚኒስተር] ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ክፍክር የብሉን። ኣብዚ እዋን ሰላም ንህዝቢ ትግራይ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጠለብ እዩ” ኢሉ።

ምምላስ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ክሳብ ክንድዚ ዘዘራርብን ግዜ ዝወስድን ጉዳይ እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ዝዛረብ ኣቶ ገብሩ፡ “ኣብ መንጐ መሪሕነት ህወሓትን ብልጽግናን ግን ሓደ ናይቲ ካልእ ቀጻልነት ብሓቂ ይደልይዎ ድዮም?’ ዝብል ሕቶ ኣለኒ። ሓደ ነቲ ካልእ ግቡእ ኣፍልጦ ዘይምሃቦም እዩ ናብዚ ኵሉ ዘእተወ” ይብል።

‘ብክሳራ ገንዘብን ግዜን ህዝቢ ዝካየዱ ኣኼባታት’

ባህሊ ኣኼባ ህወሓት ነዊሕ ዝጸንሐ ተመኵሮ ከምዝዀነ ዝዛረብ ፖለቲከኛ ኣቶ ገብሩ ኣስራት “መሰረት ህልውና እቲ ፓርቲ ሞቢላይዜሽንን ፕሮፓጋንዳን እዩ” ክብል የረድእ። ግን ድማ ኣብዚ እዋን እቲ ውድብ ዘካይዶም ኣኼባታት ኣዝዮም ዝነውሑን ምስ ሓላፍነት ስራሕ ዝጻብኡን ከምዝዀኑ ይነቅፍ።

“ኣብዚ እዋን ብኣኼባ ዘሰልከየ ፓርቲ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ክሳብ 75 መዓልታት ኣኼባ ተኣኪቦም። እዚኦም ህዝቢ ዘመሓድሩ ካድረታት እዮም። ጉዳይ ህዝቢ ተዓጽዩ እዮም ኣብ ኣኼባ ዘሕልፉ። ብኪሳራ ገንዘብን ግዜን ህዝቢ እዮም ዝእከቡ። በዚ እዮም ዝነብሩ። ህዝቢ ከኣ ኣኼባታት ክእከብ ብዝተፈላለዩ መገድታት የፈራርሕዎ” ክብል ንቢቢሲ ሓሳቡ ሂቡ።

በዓል ሞያ ሕግን ተናታኒ ፖለቲካን ተኽሊት ገብረመስቀል ክልቲኦም ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሮም ዘለዉ ጕጅለታት ንባዕሎምን ንውድቦምን ካብኡ ከኣ ንህዝቦም ክብሉ ኮፍ ኢሎም ናብ ምርድዳእ ክበጽሑ ከምዘለዎም ይዛረብ።

“ከም ህወሓት ዝበሉ ሓይልታት ብናይ ውሽጢ ዓቕሚ ተጠቂሞም ዝመሓየሹ እምበር ብናይ ደገ ሓይሊ ዘይድፍኡ እምባታት ከምዝዀኑ እየ ዝሓስብ። ከም እምነት ግን ህወሓት ፍጹም ክዕረ እዩ ዝብል ተስፋ የብለይን” ይብል።