ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ጕባኤ ህወሓት ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ከምዘይሳተፍ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
እቲ ዝተዘርግሐ ደብዳበ ናይ ኣቶ ጌታቸው ናብ ኣቦመንበር እቲ ውድብ ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን (ዶ/ር) ኣቦ መንበር ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ኣቶ ተኽለብርሃን ኣርኣያን ዝተጽሓፈ እዩ።
ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ቤት ጽሕፈት፡ “ቀዳማይ ነገር ኮሚሽን ቍጽጽር ነቲ መስርሕ ኣይተቐበሎን፤ ካልኣይ ንኣሰራርሕ እቲ ውድብ ዝተኸተለ ኣይኮነን። ማእከላይ ኮሚቴ’ውን ኣይወሰነን” ክብል ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
እቲ ሓለፊ ወሲኹ፡ “ዝዀነ ጕጅለ ዝገብሮ ዘሎ እምበር እቲ ውድብ ብዘለዎ ፍሉጥ ኣሰራርሓ ዝተሰነየ ከይዲ ስለዘይኮነ ‘ኣነ የለኹሉን’ እዩ ዝብል ዘሎ” ክብል ኣረዲኡ።
እቲ ደብዳበ እንታይ ይብል?
እቲ ጉባኤ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ክካየድ ከምዝነበሮ ዝጠቅስ ደብዳበ ኣቶ ጌታቸው፡ “ግን ድማ ብሰንኪ ምዕንቃጽ መሪሕነት” ክሳብ ሎሚ ከይተኻየደ ምጽንሑ ገሊጹ።
ቅድሚ ኣዋርሕ ጉባኤ ንምትሕብባር ዝተጣየሸ ኣሰናዳኢ ኰሚቴ “ብውሑዳት ሰባት ከምዝተጨወየ” ብምሕባር ኮሚሽን ቍጽጽር ከምኡ’ውን ብደረጃ ዞባን ወረዳን ዘለዉ ካድረታት ህወሓት ንባዕሎም ካብቲ ጉባኤ የግልሉ ኣለዉ ኢሉ።
“ኣብ ባይታ ዘሎ ቅጥዒ ዝጐደሎ ምንቅስቓስ ኣብ መወዳእታ ንውድብናን ህዝብናን ናብ ሓደጋ ዘእትው እዩ” ዝበለ እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ዝግበር ዘሎ “ቀይዲ በተኽ” ዝበሎ ምንቅስቓስ ካብ ናቱን ማእከላይ ኮሚቴን ኣፍልጦ ወጻኢ ከምዝዀነ ሓቢሩ።
እቲ ደብዳበ ከምዘመልከቶ፡ መስርሕ ዲሞክራሲያውነትን ሕጋውነትን እቲ ክካየድ ምሽብሻብ ዝግበረሉ ዘሎ መበል 14 ስሩዕ ጉባኤ ኣብ ሓደ ምርድዳእ ዝተበጽሓሉ ኣይኰነን።
ድሕሪ ኲናት ትግራይ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝተሰረዘ ህወሓት ዳግማይ ሕጋውነቱ ክምለሰሉ ሕቶ ከቕርብን ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝርርባት ከካይድን ምጽንሑ ይፍለጥ።
ከም ሓድሽ ውድብ ድዩ ክምዝገብ ወይ ዝነበሮ ሕጋዊ ኣፍልጦ ክምለሰሉ ዝብል ጉዳይ ገና ዘይነጸረን ኣካታዒን ኰይኑ ይርከብ።
“ህወሓት ጉባኤ ከካይድ እንተዀይኑ መጀመርያ ብቦርድ መረጻ ክምዝገብ ኣለዎ” ክብል ዝተሰምዐ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እዚ ኣብ ዘይከውን ጉባኤ ምክያድ ግን ናብ ጎንጺ ዘእተው ከምዝኸውን ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ነዚ ዘረባ ቀዳማይ ሚኒስተር ስዒቡ ምስኡ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ዝሓበረ ኣቦመንበር ህወሓት ደብረጽዮን (ዶ/ር) “እቲ ጉዳይ ተዘራሪብናሉ ኣለና፤ ጉባኤ ምክያድ ናብ ካልእ ኲናት ዘእቱ ኣይኰነን” ክብል መግለጺ ምሃቡ ይዝከር።
ሕጋዊ ኣፍልጦ እቲ ውድብ ንምምላስ ናብ ቦርድ ምርጫ ደብዳበ ከምዘእተዉን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን መልሲ ክወሃቦም ከምዝጽበዩን ዝገለጸ እቲ ኣቦ መንበር “መልሲ እንተዘይሂቦምና እውን ጉባኤ ክካየድ እዩ። ንምንታይ ተኻይዱ እንተይሎምና ድማ መልሲ ኣይሃብኩምናን ክንብሎም ኢና” ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ጽባሕ መግለጺ ኣቦ መንበር ህወሓት ምስ ተለቪዥን ድምጺ ወያነ ትግራይ ቃለ-መሕትት ዘካየደ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፡ ብወገኑ “ህወሓት ዘእተዎ ደብዳበ ነቲ ዝነበሮ ሕጋዊ ሰብነት ንምምላስ ዘይኰነስ ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ ዝወጸአ ኣዋጅ ንኽምዝገብ ዝጠልብ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ 9 ነሓሰ 2024 [ኣ.ኣ] ዝዘርግሖ ደብዳበ ከኣ “ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ውሳነ ዘየዕረፈሉን ዘይፈልጦን ናይ ምዝገባ ምንቅስቓስ ዝገብር ኣካል ከምዘሎ ተረዲእና ኣለና። ማእከላይ ኰሚቴ ዘይፈረመሉ ዝተጭበርበረ ሰነድ ኣተሓሒዙ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ናብ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣቕሪቡ’ሎ” ይብል።
ስለዝዀነ ድማ እቲ ናብ ቦርድ መረጻ ዝኣተወ ደብዳበ ምሕታት ሕጋዊ ኣፍልጦ ይዅን ብስም ህወሓት ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ጉባኤ “ናይ ሓደ ጕጅለ ምንቅስቓስ ስለዝዀነ ፈጺመ ከምዘይቅበሎ የፍልጥ። ብጽንዓት እውን ክቃለሶ እየ” ይብል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ደብዳበኡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







