ትግራይ፡ መጋረጃ ምምቕቓል ህወሓት ዝቐልዐ ቃለ መጠይቕ ኣቶ ጌታቸው ረዳ

ዶክተር ደብረጽዮን ምስ ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, DW

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዓቕሚታቱ ኣዋዲዱ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተዋህቦ ልኡኽ ንከየፈጽም፡ መሪሕነት ህወሓት ዝተዋደደ ጸለመን መጥቃዕቲን ከብጽሓሉ ከም ዝጸንሐ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ብሰንኪ እቲ ውድብ ዝፈጥሮም ተደጋገምቲ ኣኼባታትን ብታሕተዎት መሓውራቱ ኣቢሉ ዝዝርግሖም ጸለመታትን ምሉእ ትዅረቱ ኣብ ዝጠልቡ ምምላስ ተመዛበልቲን ምኽባር ግዝኣታዊ ሓድነት እቲ ክልልን ከይከውን ከም ዘዐንቀፍዎ ከሲሱ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መንጐ ብኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚኪኤል ዝመርሖ ሰልፊ ህወሓትን ገለ ኣመራርሓ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጕዳያትን ምስ ማእከላይ መንግስቲ ብዛዕባ ክህልዎም ዝግባእ መስርሓት ርክብን ቅሉዕ ፍልልይ ከም ዘሎ ኣቃሊዑ።

ጌታቸው፡ ትማሊ ንክልላዊ ተሌቪዥን ድምጺ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ፍሉይ ቃለ መጠይቕ፡ ብሰንኪ “ኣብ መሬት ዘሎ ነገራት ዘይምቅዳው፡ ኣብ ውሽጥና ብዝነበረ ፖለቲካዊ ውጥጥ፡ ሓደ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ሓደ ሽም ስለ ዘውጽኣሉ” እቲ ኣስታት ክልተ ዓመታት ዘቝጸረ ምምሕዳሩ ክሰርሖም ዘይከኣለ ብርክት ዝበሉ ምምሕዳራውን ፖለቲካውን ጕዳያት ከም ዘለው ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣብ ዙርያ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ሕጋውነት ህወሓትን እቲ ውድብ ከካይዶ ዝህቅን ዘሎ ጕባኤን ካልኦት ጕዳያትን’ውን ሰፋሕቲ ፍልልያት ተፈጢሮም ከም ዘለው ኣነጺሩ ኣሎ።

ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ‘ዘይተቐበሉ’ መራሕቲ

ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጐ ማእከላይ መንግስትን ወከልቲ መሪሕነት ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ከተማ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ጠጠው ከም ዝበለ ይፍለጥ።

እዚ፡ መራሕቲ ትግራይ ናብ “ከተማ ብምምላስ” ሰላማዊ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ከካይዱ ዕድል ከም ዝሃቦም ኣቶ ጌታቸው ተዛሪቡ።

እቲ ስምምዕ፡ ነቲ ኲናት ስዒቡ ኣብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጾም ዝነበሩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ክፍጸም፡ ምምላስ ተመዛበልቲ ክፍጸም፡ ሰራዊት ምክልኻል ንርእሰ ከተማ እታ ክልል ክቈጻጸር ከምኡ’ውን፡ መራሕቲ ትግራይ ንርእሶም ‘ዝተመርጸ መንግስቲ’ ኢሎም ከይጽውዑን ግዝያዊ መንግስቲ ክምስረት ከም ዝዀነን ይጠቅስ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ህወሓት፡ “ሕጋዊ” ኢሉ ዝጽውዖ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ክልላዊ መረጻ ሓደ ካብቶም ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝነበረ ውጥጥ ናብ ጐንጺ ከምርሕ ዝገበረ ክስተት ከም ዝዀነ ይዝከር።

ንሱ፡ ንገዛኢ ሰልፊ እቲ ክልል ዝዀነ ህወሓት ወኪሎም ነቲ ስምምዕ ካብ ዝፈረሙ ልኡኻት ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን፡ ‘መንግስቲ ዘፍርስ ስምምዕ ፈሪምካ መጺእካ’ ተባሂሉ ብላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብ ኣብ ኣኼባታት ይንቀፍ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

“ሕዚ፡ መንግስቲ ኣፍሪሶም መጺኦም ኢና ንብሃል፤ ሽዑ መንግስቲ ኣይኰነን፤ ምሉእ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ፈደራል ክትኣቱ ኢድኩም ሃቡ’ዩ ነይሩ እቲ ጕዳይ . . . ሽዑ ኣቦ መንበር ህወሓት ‘ሎሚ ክትፍርሙ እንተዘይክኢልኩም ናብ በረኻ ንወጽእ ኣለና’ ኢሉኒ” ይብል።

እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ነቲ ስምምዕ ዘይተቐበሉ ላዕለዎት መራሕቲ ከም ዘለው ዘመላኽትን ነቲ ስምምዕ “ከም ፖለቲካዊ ስዕረት” ዝቘጽርዎ ከም ዘለውን ኣመልኪቱ።

“መንግስቲ ኣፍሪሶም መጺኦም ዝብል ዘረባ ኣሎ፤ ሽዑ መንግስቲ ኣይኰነን ዝፈርስ ነይሩ፤ ህዝቢ ከም ህዝቢ’ዩ ዝጠፍእ ነይሩ” ክብል ኣምሪሩ ዝተዛረበ ኰይኑ፡ እቲ ኲናት ደው ክብል ብምኽኣሉ ዝተጠቕመ ህዝቢ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

እቲ ስምምዕ፡ “ናብ ከተማ ክንምለስን ናይ ዲፕሎማሲ ቃልስና ብሰላማዊ መገዲ እንገብረሉ ዕድል ስለ ዝተረኸበ ኢና ተቐቢልናዮ። መንግስቲ ከፍርሱ ኣይነበሮምን ናብ ዝብል ድምዳመ ዝኣቱ ኣመራርሓ እንተሃልዩ ግን [እቲ ስምምዕ] ካብ ልቡ ኣይተቐበሎን ነይሩ ካብ ምባል ካልእ ኣማራጺ የለን” ብምባል ነቒፉ።

ወሲኹ፡ “ፕሪቶሪያ ኣብ ዝፍረመሉ ሰዓት ኣብ ምንታይ ዓይነት ጸበባ ከም ዝነበርና ይዝክር’የ፤ ሕዚ ድሕሪ ሓደ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን፡ እንተዘይተፈሪሙ ኣብ ሓደጋ ንወድቕ ኣለና ዝብል ዝነበረ ‘መንግስቲ ከተፍርሱ ልኡኽ ኣይሃብናኩምን- ጌጋ’ዩ ነይሩ’ ክብለካ እንከሎ ኣይተቐበሎን ነይሩ እዩ ዘብለካ” ኢሉ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ምሉእ ትግባረ እቲ ስምምዕ ዝጠልቦም መደባትን ኣሰራርሓታትን ጸገም ይፈጥር ከም ዘሎ ገሊጹ።

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ግዝኣታዊ ምሕደራ ትግራይ ቅድሚ’ቲ ኲናት ናብ ዝነበሮ ኵነታት ክምለስ፡ ነቲ ኲናት ስዒቡ ናብቲ ክልል ዝኣተው ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ዝሓዙዎም ከባቢታት ክወጽኡን እቶም ዝለዓሉ ሕቶታት ብሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ክፍትሑን ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብቶም ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕቡ ዘለው ከባቢታት ደቡብን ሰሜን ምዕራብን ዝነበሩ ‘ዘይሕጋዊ’ ዝተባህሉ ምምሕዳራት ኣምሓራ ክፈርሱ፡ ዕጡቓት ዕጥቂ ክፈትሑን ተመዛበልቲ እቶም ከባቢታት ክምለሱን ከም ዝጀመሩ ምምሕዳር ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ይገልጹ።

እንተዀነ፡ ሕጂ’ውን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ከም ዘይወጽአን እቶም ብብዝሒ ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ኣብ ከተማታት መቐለ፡ ሽረ፡ ኣክሱምን ዓዲግራንት ኣብ ዝርከቡ ግዝያዊ መዕቈቢ ማእከላት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዘይምምላሶም ኣብ ልዕሊ እቲ ምምሕዳር ሕቶታት ከልዕል ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ቀንዲ ዕማም እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ምምላስ ተመዛበልቲ ክኸውን እናተገብኦ ግን፡ ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ መራሕቲ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ቁርቁስ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ከም ዘይክኣለ ኣቶ ጌታቸው ተዛሪቡ።

“ምምላስ ተመዛበልቲ ቀጻሊ ጸገም ድሕነትን ጸጥታን ብዘይፈጥር፡ ሕውነት ብዘቐጽል፡ ልዕሊ ዅሉ ግን ሰላምን ሰላምን ትዅረት ገይርና፡ ብሰላማዊ መገዲ ዝምለስሉ ኩነታት ንምፍጣር ሰፊሕ ፖለቲካዊ ስራሕ ይሓትት እዩ። እዚ ግን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከይተሰርሐ’ዩ ጸኒሑ” ኢሉ።

'ይሁዳ ተባሂለ'

ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ክሳብ መረጻ ዝካየድ ንትግራይ ዘመሓድር ግዝያዊ መንግስቲ ከም ዝምስረት መምርሒ ዝህብ ብምዃኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብ23 መጋቢት 2023፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገይሩ ከም ዝሸሞ ይዝከር።

ኣብቲ ግዜ፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ህወሓት ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ውጥጥ ምስረታ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ነዊሕ ግዜ ክወስድ ምኽንያት ከም ዝዀኖ ይግለጽ ነይሩ።

ኣቶ ጌታቸው፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክመርሕ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ኣብ ዝተቐበለሉ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ግን፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዘነጻጸሩ ጸለመታት ይፍጸም ከም ዝነበረን ባዕሉ ዝመረጾ ካቢነ ሒዙ ክቕጽል ዘኽእሎ ዕድል ከም ዘይረኸበን ገሊጹ።

ሽዑ፡ “ኣብ ውሽጢ ኣመራርሓ ዘለው እናፈለጡዎ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኣሎ፤ ብሓንቲ መዓልቲ ድማ ካብ ጅግና ናብ ባንዳ ወሪደ፤ እዚ ጽሑፍ ገዛ ንገዛ ወሪዱ ጐስጓስ ተጀሚሩ” ብምባል ቤት ጽሕፈት ህወሓት ብዝመርሑ ሰባትን ኣብ ውሽጢ ብዝርከቡ ኣመራርሓን ዝፈልጡዎ መጥቃዕቲ ከም ዝመጽኦ ገሊጹ።

“ስለዚ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ካቢነ ሓሊፉ ክሳብ ታሕቲ ክህልዎ ዝኽእል ምንቅስቓስ ካብ መጀመርታኡ ብሽግር ዝተተብተበ እዩ። ባንዳ ኰይኑ ኣሎ ዝብል ብዙሕ ተሰሪሕሉ”

“ናይ ክሕደት ወረቐት ተባሂሉ” ናብ ሓድሕድ ወረዳታት ክብተን ተገይሩ’ዩ ዝብል ኣቶ ጌታቸው፡ እዞም ጐስጓሳት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ስርሑ ንከይሰርሕ፣ ትዅረቱ ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ምምላስን ካልኦት ማሕበረ ቍጠባዊ ኵነታት እቲ ክልል ክምለስ ኣብ ምግባርን ክገብር ከም ዘይክኣለ ሓቢሩ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም [2023] ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዞባታትን ወረዳታትን እግሩ ከምዘይተኸለ ብምጥቃስ፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቅቡል ዘይምግባር ዋላ ኣብ ገለ መሪሕነት ከም ዝርአ ኣግሂዱ ነይሩ።

ብመሰረቱ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከይቈመ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሓሉ ምኽንያት እውን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈጸመ ውዕል ‘ሓደጋ እዩ፤ ክፍረም ኣይነበሮን’ ዝብል ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፡ ወረዳታት ንባዕለን ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ገይረን ከይቈጽራ ብዝተወደበ መንገዲ ምንቅስቓስ ከም ዝግበር ዘሎ እውን ብግልጺ ተዛሪቡ።

“ኣብቲ ሓራ ዝወጽአ ከባቢታት ኵሎም ወረዳታት ዓቕሞም ዝፈቐደ ይሰርሑ’ዮም። ልቦም መሊኦም ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ክንሰርሕ ኢና ዝብልሉ ኵነታት ከይፍጠር ግን፡ ገሊኦም በልጺጐም ይብሃል፤ ኣብ ገሊኡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝበቈለ ይሁዳ’ዮም” ዝብሉ ጽሑፋት ክብተን ከም ዝተገብረ ከሲሱ።

ህወሓት፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እግሪ ክተክል ከም ዘይሓገዘ ብምግላጽ፡ ንሱ ዘይፈልጦም ኣካላት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ክኣትው ከም ዝተገብረ ገሊጹ።

“ኣነ ዋላ ሓደ ካቢነ ኣባላት ኣየምጻእኹን፤ ምክትል ፕረዚደንት ቍጽሩ ብዙሕ’ዩ። ገሊኡ ይሰርሕ ገሊኡ ኣይሰርሕን፤ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዘይፈልጦም ደሞዝ ዝቕበሉ ብዓሰርታት ዝቝጸሩ ሰባት ኣለው፤ ብኣግባቡ ቀልጢፈ ክሰርሖም ዝግብኡኒ ነገራት ኣብ ምስራሕ ግን ድኽመነት ነይሩኒ ኢለ ይውስድ” ብምባል ንነብሱ ነቒፉ።

“ከም መራሒ፡ ዝሰርሕን ዘይሰርሕ ገምጊምካ፡ ክለዓል ዘለዎ ክለዓል ኣለዎ፤ ንሱ ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይንብልን።”

ካብዚ ብዝሰገረ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ኣብያተ ፍርዲ ዝበላ ናጻ ትካላት ፍትሒ ንምፍጣር ዝሸሞም ሰባት ግዳያት ነቐፌታን ምፍርራሕን ከም ዝዀኑ ኣመልኪቱ።

ጌታቸው ረዳ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፈረሙ መራሕቲ ትግራይ ሓደ እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ጌታቸው ረዳ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፈረሙ መራሕቲ ትግራይ ሓደ እዩ

ብልሽውና

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ጸገም ኵነታት ጸጥታን ድሕነትን ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።

እዚ፡ እቶም ኣብቲ ክልል ዝፍጸሙ ዘለው ዝተፈላለዩ ገበናት ጭውያ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ስርቂ ማዕድናትን ካልኦት ጸጋታትን ከም ዝዀነ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክጠቕሱዎ ተራእዩ’ዩ።

ምኽትል ፕረዚደንትን ሰክረታርያት ካቢነ ሰላምን ጸጥታን ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ዝርአ ኵለመዳያዊ ጸገም ጸጥታ ንምፍታሕን “ብቐንዱ ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽን” ስጕምቲ ምውሳድ ከም ዝተጀመረ ተዛሪቡ ነይሩ።

ነዚ ጉዳይ ዘሰላስል ካብ ኣካላት ጸጥታን ሕጊን ዝተዋጽአ ሓይሊ ዕማም ከምዝቘመ ብምምልካት፡ እቲ ንጹርን ዝርዝራዊ ሓበሬታን በቲ ሓይሊ ኣቢሉ፡ “ኣድላዪ እዩ ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ” ክግለጽ ምዃኑ ድማ ተዛሪቡ።

ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቲ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ነዞም ጸገማት ዘልዓለ ኰይኑ፡ ዘስካሕክሕ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፡ ጭውያን ጾታዊ ዓመጽን ደቂ ኣንስትዮ፡ ስርቂ ማዕድን ወርቂ ይፍጸም ከም ዘሎ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ’ዩ ክብል ጠቒሱ።

“ኣብ ማዕድን ወርቂ ዜጋታት ወጻኢ ኣለው- ናይጀሪያ፡ ሰኔጋል፡ ቻይና። [እዚኦም] ሳይናይድ፡ ሜርኩሪ ዝበሉ ኬሚካላት ይጥቀሙ። ጤለ በጊዕ በዚ ከሚካል ይረግፋ ኣለዋ። ፍግረ መሬት፡ ብርሰት ኣግራብ . . . ኣለው። ህዝብን መንግስቲን ግን ካብዚ ዝረኽቦ ገንዘብ የለን” ኢሉ።

እዚ ብሰንኪ እዞም ጸገማት ዝበጽሕ ዘሎ ብርሰትን ቅልውላውን ኰነ፡ ኣብዞም ተግባራት ተራ ኣለዎም ብዛዕባ ዝበሃሉ ጥርጡራት ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ ግን ክሳብ ሕጂ የለን።

'ሓሳብ ዘይብሉ' ህወሓት

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ገለ ሸነኽ ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ጕባኤ ኣብ ምክያድ ገሊኡ ድማ ‘ክማልኡ ዝግባኦም’ ሕጋዊ ኣሰራርሓታት ከይተማልኡ እንከለው ክካየድ የብሉን ዝብል መርገጺ ብዘለዎም ኣባላቱ ተገሚዑ ኣብ ቅልውላው’ዩ ዝርከብ።

እዚ፡ ኣብ ሓያል ምክፍፋልን ምጥቕቓዕን ላዕለዎት መሪሕነት ተሸሚሙ ከም ዘሎ ዝዝረበሉ ህወሓት፡ ነቲ ‘ብቦርድ መረጻ ቅድሚ ምምዝጋቡ ክካይዶ ኣይክእልን ዝበሃል ዘሎ ጉባኤኡ ንምስላጥ ኣብ ምድላው ከም ዘሎ ግን ይፍለጥ።

ዕላማ ናይቲ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ጉባኤ ‘ብዝተጐጀሉ ላዕለዎት መራሕቲ ተጨውዩ’ ዝበለ ኮሚሽን ቍጽጽር እቲ ውድብ፡ ኣባላቱ ካብ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ከም ዝሰሓበ ኣብ መግለጺኡ ወግዓዊ ገይሩ እዩ።

እቲ ውድብ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘካየዶም ኣኼባታት፡ “ወሳኒ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ ርኢናሉ ኣይንፈልጥን፤ ናይ ስልጣን ቁርቁስ እዩ፤ መን ስለ ምንታይ ናብዚ ደየበ፤ ኣየናይ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ ክወርድ ይኽእል” ኣብ ዝብሉ ቍርቁሳት ተሸሚሙ ከም ዘሎ’ውን ኣቶ ጌታቸው ገሊጹ ኣሎ።

ሕጂ፡ መሰረታዊ ሕመቕ እቲ ሰልፊ ስልጣን ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ “እቲ ዝነበረካ ከተቐጽል ናይ ምድላይ፡ ኣብ ስልጣን እንከለኻ ንዝፈጸምካዮ ንከይትሕተት መኸወሊ ንምግባር ኵሉ ይረባረብ እዩ” ብምባል፡ ዝተሓደጐ ስልጣን ከምልስ ‘ዘሕደገኒ ዝብሎ ድማ ጸግዒ ከትሕዝ’ ምርብራብ ይግበር ኣሎ ኢሉ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ እቲ ጕባኤ ኣብ ውሽጢ እቲ መሪሕነቱ ዘለው ፖለቲካዊ ሕመቓት ዝዕረየሉ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ዝዛረብ ኣቶ ጌታቸው፡ እቲ ውድብ ነዚ እዋን ዝጠልቡ ሓሳባት ሒዙ ይመጽእ ከም ዘየሎ ነቒፉ።

“ሓሳብ ኣብ ዘይብሉ ዝግበር ጉባኤ እቲ ዝምረጽ ሓይሊ ኣብ ምንታይ ተመስሪቱ’ዩ ንትግራይ ክመርሓ? እተን ዝተረፋ ናይ ፕሪቶሪያ ዘይተፈጸማ ከፈጽም ዝኽእል?” ክብል እንከሎ፡ መራሕቲ ህወሓት ‘ውድብ ክትድሕን ኣለዋ’ ኣብ ዝብል ክትዕ ተጸሚዶም ከም ዘለው ገሊጹ።

“ኵሉ ብሕብሕብኢተይ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ስለዚ እንጥዕየሉ ጕባኤ ኣይክኸውንን” ይብል።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት፡ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝተሰረዘ ህወሓት ቦርድ መረጻ እንተዘይመዝጊቡዎ ኣብ ሃገራዊ መረጻን ፖለቲካዊ መድረኻትን ክሳተፍ ከም ዘይክእልን እቲ ሰልፊ ሰላምን ሕጋዊ መገድን ተኸቲሉ ኣብ ቦርድ መረጻ ክምዝገብ ከም ዘለዎን ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይዝከር።

“ህወሓት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ ሰሙን ካብኡ ትጽቢት ዝግበሩ ሰነዳት ኣማሊኡ ናብ ቦርድ መረጻ ብምኻድ ብሕጋዊ መገዲ ተመዝጊቡ ወይ ሕጋዊ ፍቓዱ ክምለስ ብምግባር እዩ ጉባኤ ከካይድ ዘለዎ” ይብል።

ይዅን’ምበር፡ ህወሓት እቲ ብፖለቲካዊ ውሳነ ዝሰኣኖ ሕጋዊ ሰብነት ንኽምለስ እምበር ከም ብሓድሽ ንኽምዝገብ ከም ዘይደሊ ወሃቢ ቃል እቲ ሰልፊ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብ 4 ሰነ 2024 “ካብ ሕጋውን ሰላማዊን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወጻኢ” ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ዳግም ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምምዝጋብ ዘኽእል ድንጋገ ዝሓዘ መመሓየሺ ኣዋጅ ከም ዘጽደቐ ይዝከር።

በዚ መሰረት፡ ህወሓት ሕጋዊ መስርሕ ተጠቒሙ ዝተርፉዎ ጉዳያት ኣማሊኡ ብሕጋዊ መገዲ ጉባኤ ከካይድ ትጽቢት ከም ዝግበር ኣብይ ገሊጹ’ዩ።

እንተዀነ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ፍቓድ ኣየድልየናን- ጉባኤ ከነካይድ ኢና ዝብሉ ውልቀሰባት ከም ዘለው ብምምልካት፡ ሳዕቤናቱ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝጀመሮም ርክባት ክሳብ ምቍራጽ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ኣአንፊቱ።

“እቲ ኣዋጅ ዝምልከት ምስ ፈደራል መንግስቲ እንገብሮ ልዝብ ንቐጽል ኣብ ዝብል ኢና ተሰማሚዕና። ካልእ ኣየድልን፤ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀነ ነገር ትገብሩ ኣለኹም ብምባል ርክብ ደው ኣቢልና እንተይሎም እንታይ ኣለና? ስለዚ ሓሳብ ዘለዎ፡ ስርዓት ብዘለዎ መገዲ ይዅን ኢና ዝበልና” ይብል ኣቶ ጌታቸው።

ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚኪኤል ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ንክምዝገብ ናብ ቦርድ መረጻ ደብዳበ ከም ዘእተወን፡ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ መልሲ ክወሃቦ ይጽበ ከም ዘሎን ተዛሪቡ ነይሩ።

ይዅን’ምበር፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ፍቓድ እንተዘይተዋሂቡዎም ጕባኤኦም ከም ዘካይዱን፡ ‘ፍቓድ ኣይሃብኩምናን’ ዝብል መልሲ ከም ዘቕረቡን ገሊጹ ነይሩ።