ምስጢራት ኣሜሪካ ንኩባ ዝሃበት ሰላይት ድሕሪ 20 ዓመት ተፈቲሓ

ምንጪ ስእሊ, FBI
ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት ፍሉጣትን ጸለውትን ካብ ዝነበሩ ሰላይቲ ዝነበረት ኣና ሞንተስ ድሕሪ 20 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈቲሓ።
እታ ኣብ ቀረባ ግዜ 65 ዓመት ዝመልአት ኣሜሪካዊት በዓልቲ ሞያ ስለያ፡ ኣብቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ትካል ድሕነት ሓይልታት ምክልኻል ንኣስታት ክልተ ዓመት ንተቐናቓኒት ኣሜሪካ ዝነበረት ኩባ ብስለላ ትሕግዝ ከምዝነበረት ተፈሊጡ።
ኣና ሞንተስ፡ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኩባ እትገብሮ ዝነበረት ምንቅስቓስ ብምልኡ ንኩባ ኣሕሊፋ ከምዝሃበት ዝገልጹ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ብ 2001 እዮም ቀይዶምዋ።
ሓደ በዓል ስልጣን፡ “ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ከቢድ ጉድኣት ካብ ዘውረዱ ሰለይቲ” ኣና ሞንተስ እያ ኢሉ ነይሩ።
ኣብ 2012 ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆርጅ ደብሊው ቡሽ ላዕለዋይ ሓላፊ ድሕነት ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ማይክል ባን ክሊቭ ንኮንግረንስ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ብዛዕባ ኩባ እንፈልጦን ኣብ ኩባ ብኸመይ ከምእንሰርሕን ምሉእ ብምሉእ ኣቃሊዓትና’ያ” ኢሉ።
ንሱ ኣስዒቡ፡ “ኩባውያን እቲ ንሕና ብዛዕባኦም እንፈልጦ ብምልኡ ይፈልጡ ነይሮም፤ ንረብሓኦም ድማ ኣውዒሎምዎ” ከብል ተዛሪቡ።
ሞንተስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወትሉ ግዜ፡ ኣብ ኩባ ናይ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰለይቲ መንነትንን ሚስጢራዊ ሓበሬታን ኣሕሊፋ ሂባ ብዝብል ተኸሲሳ ምንባራ ተፈሊጡ።
በዞም ክስታት ን25 ዓመት ማእሰርቲ ዝተበየነላ ሞንተስ “ምልእቲ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣውዲቓ” ኢሉ ነይሩ።
ሞንተስ ምስ ኩባ ክትሰርሕ ዝተሰማምዐት ብጥቕሚ ሰዲዓ ዘይኰነስ ኣብቲ ሽዑ ትኣምነሉ ብዝነበረት ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ከም ዝዀነ'ዩ ዝግለጽ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ሮላንድ ሬገን ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ዝኽትሎ ዝነበረ ምንቅስቓስ ብምቅዋማ እታ ሰላይት ንድሕነት ኩባ ክትሰርሕ ካብ ዝገበርዋ ምኽንያታት ሓደ’ዩ።
ኣና ሞንተስ ኣብ ትካል ድሕነት ሓይልታት ምክልኻል ኣሜሪካ ላዕለዋይቲ ተንታኒት ኰይና ትሰርሓሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ምግቢ ምስ ሰለይቲ ኩባ ተራኺባ ሓበሬታ ተቐብል ነይራ። ብሓጺር ማዕበል ራድዮ ድማ ካብ ኩባ ትእዛዝ ትቕበል ከምዝነበረት ተፈሊጡ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ትካል ድሕነት ብዝረኸቦ ጥቆማ መሰረት ኣና ሞንተስ ኣብ 2001 ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተዋ ይፍለጥ።
ሞንተስ ካብ ቤት ማእሰርቲ እዃ እንተተፈትሐት ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ክትትል ኣባላት ድሕነት ክትጸንሕ እያ።
ኢንተርነት ኣጠቓቕምኣ ክትትል ክግበረሉ’ዩ፤ ወጻእተኛታት ቅድሚ ምርካባ ፍቓድ ዘድልያ ኰይኑ ኣብ ትካላት መንግስቲ ኣሜሪካ ክትሰርሕ ኣይፍቀደላን።
ቅድሚ 20 ዓመት ንሞንተስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተወ ሰራሕተኛ መርማሪ ፖሊስ ፈደራል [ኤፍቢኣይ] ድሕሪ ደጊም እታ ሰላይት ምስ ኩባ ናይ ምስራሕ ዕድላ ዘብቅዐ ጉዳይ’ዩ ኢሉ።
ፒት ላፕ ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “እዚ ኣካል ሂወታ ኣብቂዑ’ዩ፤ ንዓኣቶም ዘበርከተቶ ነገር ኣኽቲሙ’ዩ” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







