ባይደን፡ ምስ ቻይና ‘ሓድሽ ዝሑል ኲናት ከምዘይህሉ’ ቃል ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ምስ ቻይና ዘለዎም ርክብ ንምምሕያሽ ምስ ፕረዚደንት ዢ ጂን ፒንግ ዝተራኸበ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ቻይና ‘ሓድሽ ዝሑል ኲናት ከም ዘይህሉ’ ቃል ኣትዩ።
ቻይና ንታይዋን ክትወርር እያ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ እውን ገሊጹ።
ባይደን ናብ መዝነት ካብ ዝመጽእ፡ እቶም መራሕቲ ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ንፈለማ እዋን እዮም ብኣካል ዝራኸቡ ዘለዉ።
እቶም መራሕቲ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ኢንዶነዥያዊት ደሴት ባሊ ዝተጀመረ ጉባኤ ሃገራት ጕጅለ ዕስራ (G20) ዘካይድዎ ዘተ፡ ብዛዕባ ሰሜን ኮርያን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራርን እውን ተዘራሪቦም።
ክልቲኦም መራሕቲ ድማ ኣብ ዩክረይን ኣጽዋር ኑክሌር ምጥቃም ከም ዝቃወሙ ገሊጾም።
ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክግስጾ ተደጋጋሚ ጻውዒት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዢ፡ ቻይና ንሰላም ዘለዋ ጻውዒት ብምርግጋጽ፡ እንተዀነ “ንዝተሓላለኸ ጸገም ቀሊል ፍታሕ የለን” ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ጉዳይ ኮርያ፡ ቻይና ንሰሜን ኮርያ ክትቈጻጸራ ትኽእል እያ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ዝገለጸ ፕረዚደንት ባይደን፡ ካልእ ፈተነ ኑክሌር ከይትገብር ደው ናይ ምባል ሓላፍነት ኣለዋ ኢሉ።
ብተመሳሳሊ፡ ታይዋን እውን ቀንዲ ዛዕባ እቲ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ዘተ እቶም መራሕቲ እያ ነይራ።
እታ ቻይና ከም ናይ ገዛእ ርእሳ ግዝኣት እትቘጽራ ብርእሳ እትመሓደር ደሴት፡ ንኣሜሪካ ከም ቀንዲ መሻርኽታ እትወስዳ ኰይና፡ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ዕንቅፋት ካብ ዝዀኑ ዛዕባታት ሓንቲ እያ።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ፡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ኣብ ታይዋን ድሕሪ ምብጻሓ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ወጥሪ ዓሲሉ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ቻይና ኣብ ጥቓ እታ ደሴት ገዚፍ ወተሃደራዊ ልምምድ ብምክያድ ግብረ መልሲ ዝሃበት ኰይና፡ ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ቻይናን ጐንጺ ከይለዓል ተሰጊኡ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዢ ጉዳይ ታይዋን “ኣስኳል ማእከል ረብሓ ቻይና ከምኡ ድማ ኣብ ርክብ ኣሜሪካን ቻይናን ዘይጠሓስ ቀዳማይ ቀይሕ መስመር” ምዃኑ ንፕረዚደንት ባይደን ከም ዝገለጸሉ ሃገራዊ ሚድያ ቻይና ሓቢራ።
ቻይና ኣብ ታይዋን ክትፍጽሞ እትደልይ ወረራ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ክተቀላጥፎ ከም ዝኽእል ሰብ መዚ ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ ገሊጾም ነይሮም።
እዚ መረዳእታ ሓቂ እንተዀይኑን ካልእ ዝሑል ኲናት ይጥጃእ እንተሃልዩን ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶ ዝቐረበሉ ፕረዚደንት ባይደን “ሓድሽ ዝሑል ኲናት የድሊ እዩ ኢለ ኣይኣምንን። ብዙሕ ግዜ ምስ ዢ ጂንፒንግ ተዘራሪብና ኢና፤ ንሓድሕድና ድማ ግልጽን ቅኑዓትን ኔርና። ቻይና ንታይዋን ንምውራር እትፍትን ኣይመስለንን፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ መንጐ ላዕለዎት ሰብ መዚ ዘተ ክካየድ ከም ዝተሰማምዑ ክግለጽ እንከሎ፡ ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቀረባ ናብ ቻይና ከም ዝጓዓዝ ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ ኣሜሪካ ኣብ ታይዋን ዘለዋ ፖሊሲ ፍጹም ከም ዘይቀየረት ባይደን ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ቻይና ንታይዋን እንተወሪራታ ኣሜሪካ ከም እትከላኸለላ ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ቻይና ዘለዎ ሻቕሎት ንመራሒ ቻይና ከም ዝገለጸሉ ዝተሓበረ ኰይኑ ብፍላይ ኣብ ኣተሓሕዛ ዓሌት ዊገር ዘተኮረ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







