ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ ንመዝነት ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ፕሮፌሰር ኣስመረት በርሀ ኣጽዲቑ

ፕሮፌሰር ኣስመረት በርሀ

ምንጪ ስእሊ, Veronica Adrover/Merced

ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ (ሰነት) ንመዝነት ናይታ ሓላፊት ሳይንስ ኣመሪካ ክትከውን ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተሓረየት ኤርትራዊት ተመራማሪት ፕሮፌሰር ኣስመረት ኣሰፋው በርሀ ኣጽዲቑ።

ፕሮፌሰር ኣስመረት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ መምህር ስነሓመድ (ሶይል ባዮጂኦኬሚስትሪ) ኮይና፡ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ዝተዋህባ ፍልጥቲ ጓል-ኣንስተይቲ ተመራማሪት እያ።

"ኣብ ክፍሊ ጸዓት ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ሳይንስ ኮይነ ብፕረዚደንት ባይደን ምምዛዘይን፡ ሕጂ ድማ ብሰነት ኣመሪካ ምጽዳቑን ንዓይ ዓቢ ክብሪ'ዩ" ክትብል ኣብ ትዊተር ዝተሰምዓ ሓጎስ ገሊጻ'ላ።

"ንፕረዚደንትን ጸሓፊት ጸዓት ጀኒፈር ግራንሆልምን፡ ንዝቕጽል ዕዉት ምዕራፍ ቤት ጽሕፈት ሳይንስ ንክመርሕ ኣባይ እምነት ብምንባሮም አመስግኖም" ትብል ፕሮፌሰር ኣስመረት።

ምጽዳቕ መዝነታ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መንግስቲ ኣመሪካ ክሰርሑ ዝበቕዑ ኤርትራውያን ክትከውን ገይሩዋ ኣሎ።

ኣስመረት፡ ኣብ ሚያዝያ 2021 እያ ኣብ ሚኒስትሪ ጸዓት ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ስነ ፍልጠት (ሳይንስ) ክትከውን ብፕረዚደንት ባይደን ተመዚዛ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ብፍላይ ንጸለምቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣመሪካ፡ ላዕለዋይ መዝነት ንምሃብ ብዝኣተዎ መብጽዓ መሰረት ሓያሎ መዝነት ሂቡ'ሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ጥራይ፡ ጸሓፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈቱ ንፈለማ እዋን ጸላም ጓል-ኣንስተይቲ ክትከውን ሸይሙ'ዩ።

ኣቐዲሙ'ውን፡ ንፈለማ እዋን ጸላም ጓል-ኣንስተይቲ ዳኛ ላዕለዋይ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ክትከውን ንኬታንጂ ብራውን ጃክሰን ምሻሙ ይዝከር።

ምክትል ፕረዚደንት፡ ካማላ ሃሪስን፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊል'ውን ካብተን ኣብ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ጥርዚ ላዕለዋይ ሓላፍነት ዝርከባ ጸለምቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣመሪካ እየን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ መምህር ስነሓመድን ምድርን (ሶይል ባዮጂኦኬሚስትሪ) ዝኾነት ፍልጥቲ ጓል-ኣንስተይቲ ተመራማሪት እያ።

ኣባላት ሰነት ንመዝነት ፕሮፌሰር ኣስመረት ንምጽዳቕ ኣብ ዝሃብዎ ድምጺ፡ 54 ድሕሪ ምድጋፎም'ያ መዝነታ ተረኪባ ዘላ።

እቲ መዝነት ነቲ ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ከይተረፈ ከምዘሐጎሶ ሰብመዚ ናይቲ ትካል ተዛሪቦም።

ምክትል ቻንስለተር ጉዳያት መጽናዕቲ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ማረጆሪ ዛትዝ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ፕሮፌሰር [ኣስመረት] በርሀ፡ ከም ተመራማሪት ኣዝያ ልዑል ክብረት ዘለዋን፡ ብሃገርን ዓለምለኻዊ ደረጃን ብብጾታ ከም ናይ ሓሳባት መራሒት እትውሰድን እያ" ኢላ።

ዲን ናይቲ ንሳ ዝነበረቶ ኮለጅ፡ መርሰድ (Merced) ፕሮፌሰር በትሲ ዱሞንት ብወገና "ፕሮፌሰር በርሀ፡ ኣብ ጉዳያት ኣከባብያዊ ሳይንስን ምርምር ክሊማዊ ለውጥን ዓለምለኻዊ መሪሕነት ትህብ ዘላ'ያ" ክትብል ብምግላጽ፡ "ብዝተዋህባ መዝነትን ከምኡ'ውን ብዛዕባ ንጉዳያት ጸዓትን ክሊማን ንምፍታሕ ብሃገር ደረጃ ዝህልዋ ጽልዋን ኣዚና ተሓጒስና ኣለና" ኢላ።

እቲ ክትገብሮ ዝጸንሐት ምርምራት ስነምድሪ፡ ብዛዕባ ፍግረ-መሬት፡ ባርዕን፡ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጥን ዘጠቓለለ ምዃኑ፡ እቲ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት (ዋይት ሃውስ) ብዛዕባ ድሕረ ባይታኣ ዘውጽኦ ጽሑፍ የረድእ።

ኣስመረት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኮይና፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ናይ መጀመርታ ማዕርግ ትምህርታ ብስነ ሓመድን ዕቃበ ማይን ወዲኣ።

ብድሕሪኡ፡ ናብ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ሚሺጋን ብምኻድ ብ'ፖለቲካል ኢኮሎጂ' (ፖለቲካ ማሕድሮ) ብማስተርስ ተመሪቓ።

ቀጺላ ድማ፡ ካብቲ ኣብ በርክለይ ዝርከብ፡ ክፋል ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ ብ'ባዮጂኦኬሚስትሪ' ማዕርግ ዶክትሬት (ፒ-ኤች-ዲ) ተቐቢላ።

ኣብ 2020፡ ብዘካየደቶ ዕዉት ምርምራት፡ ብሓደ 'ካርነጅ ኮርፖሬሽን ኒውዮርክ' ዝተባህለ ፍሉጥ ትካል "ዕዉትቲ ስደተኛ፡ ክብርቲ ኣመሪካዊት" ዝብል ሽልማት ተዋሂባ።

"ኣብ ክፍሊ ጸዓት ዳይረክትር ቤት ጽሕፈት ሳይንስ ክኸውን ምርቁሐይ ክብሪ ይስምዓኒ" ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ ነይራ።

ፕሮፌሰር ኣስመረት፡ ምስ ካልኦት 11 ውልቀሰባት'ያ፡ ነቲ ምምሕዳር ባይደን ኣንቂልዎ ዘሎ፡ ምህናጽ "ዘመናዊ ትሕተ-ቅርጽን፡ መጻኢ ጽሩይ ጸዓትን" ንምዕዋት እያ ተመዚዛ ዘላ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ንክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ብዘለዎ ቆራጽነት ኣብታ ሃገር ተሓዳሲ ጸዓት ንምፍጣር ዝተፈላለየ ስጉምትታት ይወስድ ምህላዉ ይፍለጥ።

ባይደን፡ ነታ ብፕረደዚንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ወጺኣ ዝነበረት ኣመሪካ፡ ናብቲ ውዕል ከምትምለስ ምግባሩ'ውን ይዝከር።