ኣሜሪካ፡ ንፈለማ እዋን ጸላም ኣፈኛ ቤተመንግስቲ ሸይማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካሪን ጃን-ፒረ፡ ፈላሚት ጸላም ጓልኣንስተይቲ ኣፈኛ ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ -ዋይትሃውስ - ኮይና ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ተመዚዛ።
ጓል 44 ዓመት ጸላም ኣሜሪካዊትን፡ ብቕሉዕ ሶዶመኛ ምዃና እንትገልጽን ካሪን ጃን-ፒረ፡ ኣፈኛ ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ ኮይና ተሸይማ።
ንሳ፡ ነዚ ሓላፍነት ዝተሸመት ንጓል 43 ዓመት ጄን ሳኪ ብምትካእ ኰይኑ፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚራ ኣብ ዋይት ሃውስ ንዝዕደሙ ጋዜጠኛታት መግለጺታት እትህብ ክትከውን'ያ።
ኣብቲ ሓላፍነት ዝጸንሐት ሳኪ፡ "ብስነምግባር ዝተሃነጸት ብልጽቲ ጓልኣንስተይቲ" ክትብል ንካሪን ንኢዳታ'ላ።
ወሲኻ ድማ፡ "ናይ ገዛእ ርእሳ ሜላ ኣሰራርሓ ኣለዋ። ብሉጽን ዕዙዝን ብቕዓታ ከምእተርኢ ኣይጠራጠርን" ክትብል ብዛዕባኣ ተዛሪባ።
ኣፈኛ ዋይት ሃውስ፡ ንማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ዓለምን መግለፂታት ናይ ምሃብ ሓላፍነት ከምዘለዎ ይፍለጥ።
ፖለቲካዊ ቅልውላው ኮነ ሃገራዊ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥም ከኣ ኣቐዲሞም ብሜድያ ካብ ዝቕልቀሉ ሹመኛታት መንግስቲ፡ እቲ ሓደ፡ ኣፈኛ እዩ።
ምምሕዳር ባይደን፡ ነተን ክሳብ ሎሚ ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ 'ታ ሃገር ንድሕሪት ተደፊአን ዝፀንሓ ጸለምቲ ተሳተፍቲ ክኾና ኣብ ምግባር ይርከብ።
ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ፣ ሓላፊት ቤት ምኽሪ ሱዛን ራይስን ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድን ካብ መንጐ እተን ናብ መዝነት ዝመፅኣ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ይጥቀሳ።
ካሪን መን'ያ?
እታ ሎሚ ኣፈኛ ዋይትስ ሃውስ ኮይና ዝተሸመት ካሪን ጃን-ፒረ ኣብ መደብር ቴሌቪዥን 'ኤምኤስኤንቢሲ' [MSNBC] ተንታኒት ብምዃን ዝሰርሐት እያ።
ኣብ ፖለቲካ፡ ሰልፊ ዲሞክራት ድማ ናይ ኣስታት 20 ዓመታት ተሞኵሮ ከምዘለዋ ይግለፅ።
ኣብ ደሴት ማርቲኒኪዩ - ፍሬንች ካሪቢያን - ዝተወለደት ኮይና ኣብ ኒውዮርክ - ኣሜሪካ ኸኣ ዓብያ። ኣብ እዋን ምምሕዳር ኦባማ፡ ወሳኒት ፖለቲካዊ ዳይሬክተር ነይራ።ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2016፡ ኣፈኛ ናይቲ ብ 'ሙቭ-ኦን' ዝፍለጥ ቀንዲ ሊበራላዊ ጕጅለ ጥብቅና ነይራ። ናብ ጕጅለ ፕረስ ዋይት ሃውስ ቅድሚ ምጽንባራ ድማ፡ ካማላ ሃሪስ ከም ምኽትል ፕረዚደንት ድሕሪ ምምራጻ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈታ ከም ጠቕላሊት ስታፍ ኰይና ሰሪሓ።እዚ ቅድሚ'ቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ወሳኒ ምርጫ 'ፍርቂ-እብረ' ዝተዋህበ መዝነት ጃን-ፒረ፡ ዝተረፈ ግዜ ፕረዚደንትነት ጆ ባይደን ከመይ ከም ዝመስል ዘመላኽት ምዃኑ ይግምገም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







